ኣቦና ንኣህዛብ ይቕበሎም
ጴጥሮስ ምስ ዘይተገረዙ ሰባት ስለ ዝበልዐ ተነቕፈ፥ ስለዙይ ነቲ ራእይ ብተርታ መሊሱ ነገሮም — ኣቦና ኣፅርይዎም — እቲ ተቓውሞ ኸዓ ኣቋረፀ። ኣብ ኣንጾኪያ ኣመንቲ ንግሪካውያንውን ተዛረቡ። ባርናባስ ንሳውል ኣምፅኦ፥ ሓደ ዓመት መሃሩ፥ ስም ክርስትያን ድማ መጀመርታ ኣብኡ ተፀውዐ።
11 1እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሃዋርያትን ኣሕዋትን፥ ኣህዛብ ድማ ቃል ኣቦና ኸም ዝተቐበሉ ሰምዑ። 2ጴጥሮስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ደየበ ኸዓ፥ እቶም ካብ ወገን ግርዘት ዝነበሩ ተቓወምዎ፥ 3ከምዙይ ድማ በልዎ፦ “ናብ ዘይተገረዙ ሰባት ኣቲኻ ምሳታቶም በሊዕኻ።”
4ጴጥሮስ ግና ነቲ ነገር ብተርታ ኸምዙይ ኢሉ ኣብራሃሎም፦ 5ኣብ ከተማ ኢዮጴ ክፅሊ እንተለኹ፥ ተመሲጠ ራእይ ረአኹ፤ ከም ዓብዪ ሸማ ዝበለ ነገር፥ በርባዕተ መኣዝኑ ተኣሲሩ ኻብ ሰማይ ናባይ ወረደ። 6ኣፀቢቐ እንተ ጠመትክዎ ድማ፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ኣራዊትን ለመም ዝብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ረአኹ።
7ድምፂ ድማ ‘ተንስእ ጴጥሮስ፤ ሕረድ ብላዕ’ ዝብለኒ ሰማዕኹ።
8ኣነ ግና ‘ኦ ጐይታ፥ ኣይፋሉን፤ ርኹስ ወይ ዘይንፁህ ነገር ከቶ ናብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ’ በልኩ።
9እቲ ድምፂ ግና ኻብ ሰማይ ን ካልኣይ ጊዜ ‘ነቲ ኣቦና ዘንፅሆ ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ’ ኢሉ መለሰ። 10እዙይ ድማ ሰለስተ ጊዜ ኮነ፤ ኵሉ ኸዓ ናብ ሰማይ መሊሱ ተሳሕበ። 11ሽዑ ብኡብኡ ኻብ ቂሳርያ ናባይ ዝተልኣኹ ሰለስተ ሰብኡት፥ ናብታ ዝነበርና ቤት በፅሑ። 12መንፈስ ድማ ፍልልይ እንተይገበርኩ ምሳታቶም ክኸይድ ነገረኒ። እዞም ሽዱሽተ ኣሕዋት እዚኣቶምውን ምሳይ ከዱ፤ ናብ ቤት እቲ ሰብኣይ ድማ ኣቶና።
13ንሱ ድማ ነቲ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ ኸመይ ከም ዝረኣዮ ነገረና፤ እቲ መልኣኽ ከዓ ከምዙይ በሎ፦ ‘ናብ ኢዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ስምኦን ኣምፅእ፤ 14ንሱ ኸዓ ንስኻን ኵሉ ቤተ ሰብካን እትድሕኑሉ ቃል ከምፅኣልካ እዩ።’ 15ክዛረብ ምስ ጀመርኩ፥ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ኣባና ዝወረደ፥ ኣባታቶም ወረደ።
16ሽዑ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ‘ዮሃንስ ብማይ ኣጥመቐ፥ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም’ ኢሉ ዝበሎ ቃል ዘከርኩ። 17እምበኣር ኣቦና ነቶም በቲ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣመኑ ንዓና ዝሃበና ማዕረ ውህበት፥ ንኣኣቶምውን እንተ ሃቦም፥ ኣነ ንኣቦና ኽዓግቶ መን እየ?
18እዙይ ምስ ሰምዑ ፀጥ በሉ፤ ንኣቦናውን እናኣመስገኑ ከምዙይ በሉ፦ “እምበኣር ኣቦና ንኣህዛብ ድማ ናብ ህይወት ዘብፅሕ ንስሃ ሂቡ።”
ስድራ ቤት ኣቦና ኣብ ኣንጾክያ ይዓቢ
19እቶም ብምኽንያት እቲ ብስጢፋኖስ ዝተላዕለ ስደት ዝተበተኑ ድማ፥ ነቲ ቃል ንኣይሁድ ጥራሕ እምበር ንኻልእ ሰብ እንተይተዛረቡ፥ ክሳዕ ፌንቄን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ተጓዓዙ። 20ካባታቶም ግና ገሊኦም፥ ካብ ቆጵሮስን ቀሬናን ዝመፁ ሰብኡት፥ ናብ ኣንጾክያ በፂሖም ነቶም ሄለናውያን ድማ፥ ብዛዕባ ጐይታ ኢየሱስ ወንጌል እናነገሩ ተዛረብዎም። a a v20 ሄለናውያን፦ ግሪኽኛ ዝዛረቡ ሰባት፤ ኣብዝ ኣገባብ እዙይ ምናልባት ኣህዛብ እዮም። 21ኢድ ጐይታና ኢየሱስ ከዓ ምሳታቶም ነበረት፤ ብዙሓት ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመለሱ። 22እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዛዕባ እዙይ ሰምዐት እሞ፥ ንበርናባስ ናብ ኣንጾክያ ለኣኸቶ። 23ንሱ ድማ ምስ በፅሐ ፀጋ ኣቦና ረአየ እሞ ተሓጐሰ፤ ኵሎም ብፅኑዕ ልቦም ኣብ ጐይታ ፀኒዖም ክነብሩ ኸዓ መዓዶም። 24ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሰናይ ሰብኣይ ነበረ እሞ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ጐይታ ተወሰኸ።
25በርናባስ ድማ ንሳኦል ክደሊ ናብ ጠርሴስ ከደ፥ 26ምስ ረኸቦ ኸዓ ናብ ኣንጾክያ ኣምፅኦ። ምሉእ ዓመት ድማ ምስ ቤተ ክርስቲያን ተኣኪቦም ንብዙሕ ህዝቢ መሃሩ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዓ ኣብ ኣንጾክያ ፈለማ “ክርስቲያን” ተባሂሎም ተፀውዑ። b b v26 እቲ “ክርስቲያን” ዝብል ስም ትርጉሙ “ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ” ማለት እዩ፤ ሰዓብቲ ኢየሱስ ብስሙ ዝተፀውዑላ ፈለማ ጊዜ እያ።
27በተን መዓልቲታት እቲኣተን ድማ ነብያት ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ ወረዱ። 28ካባታቶም ሓደ ኣጋቦስ ዝበሃል ተሲኡ፥ ብመንፈስ ከዓ ኣብ ኵላ ዓለም ዓብዪ ጥሜት ከም ዝመፅእ ተነበየ፤ እዙይ ድማ ብዘመን ቀላውዴዎስ ኮነ። 29እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ፥ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነብሩ ኣሕዋት ረዲኤት ክሰዱ ወሰኑ። 30ከምኡ ድማ ገበሩ፤ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ኣቢሎም ናብቶም ዓበይቲ ለኣኽዎ።