እቲ ዘራኢ ክዘርእ ወፀ
ኢየሱስ ካብ ጃልባ ኾይኑ ብዛዕባ መንግስቲ ኣቦኡ፥ ክንደይ ዝቕልዕ ክንድኡ ዝኽውል ዛንታታት ይነግር፦ ኣርባዕተ ዓይነት መሬት፥ ክሳዕ ዓፂድ ብፍላጥ ዝተሓደገ ክርዳድ፥ ፍረ ሰናፍጭ፥ ዝተሓብአ ብሑቕ፥ ኵሉ ነገርካ ሸይጥካ እትዕድጎ መዝገብ። ድሕሪኡ እታ ገዛእ ዓዱ ተዓንቀፈትሉ፥ ኣብኡ ኸዓ ሒደት ተገብረ።
13 1በታ መዓልቲ እቲኣ ኢየሱስ ካብ ቤት ወፂኡ፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ተቐመጠ። 2ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ተኣከበ፤ ስለዙይ ናብ ጃልባ ኣትዩ ተቐመጠ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው በለ።
3ብዙሕ ነገር ድማ ብምስላ ነገሮም፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እንሆ፥ ዘራኢ ክዘርእ ወፀ። 4ክዘርእ እንተሎ ድማ፥ ገለ ዘርኢ ኣብ ጥቓ መንገዲ ወደቐ፤ ኣዕዋፍ ድማ መፂአን በልዓኦ። 5ካልእ ዘርኢ ኸዓ ሒደት ሓመድ ኣብ ዝነበሮ ኰዅሒ ምድሪ ወደቐ፤ እታ ምድሪ ዕምቀት ስለ ዘይነበረ ድማ ቀልጢፉ በቘለ። 6ፀሓይ ምስ ወፀት ከዓ፥ እቲ በቝሊ ተሓርረ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮ ድማ ነቐፀ። 7ካልእ ዘርኢ ድማ ኣብ መንጎ እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ከዓ ዓብዩ ሓነቖ። 8ካልእ ዘርኢ ድማ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ወደቐ፤ ፍረ ኸዓ ሃበ፤ ገሊኡ ሚእቲ ዕፅፊ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ሰላሳ። 9እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”
10ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ መፂኦም፥ “ስለ ምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም?” ኢሎም ሓተትዎ።
11ንሱ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ንስኻትኩም ምስጢር መንግስቲ ኣቦና ኽትፈልጡ ተውሂቡኩም ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን። 12ንዘለዎ ኺውሃቦ እዩ፥ ይበዝሖውን፤ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ ኺውሰደሉ እዩ። 13ስለዙይ እየ ብምስላ ዝዛረበሎም፤ እናረአዩ ኣይርእዩን፥ እናሰምዑ ድማ ኣይሰምዑን፥ ኣየስተውዕሉንውን እዮም። 14እታ ትንቢት ኢሳይያስ ድማ ኣብኣቶም ተፈፀመት፤ ከምዙይ ትብል፦ ‘ምስማዕ ክትሰምዑ ኢኹም፥ ፈፂምኩም ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይ ክትርእዩ ኢኹም፥ ፈፂምኩም ግና ኣይተስተብህሉን።’ 15ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ደንዲኑ እዩ እሞ፥ በእዛኖም ኸቢዱ ይሰምዑ፥ ኣዒንቶም ድማ ዓሚቶም እዮም፤ እንተዘይኮነ በኣዒንቶም ምረኣዩ፥ በእዛኖም ምሰምዑ፥ ብልቦም ምስተውዓሉ፥ ምተመለሱ፥ ኣነ ድማ ምፈወስክዎም ነይረ።’
16ኣዒንትኹም ግና ስለ ዝርእያ፥ እዝንኹም ድማ ስለ ዝሰምዓ፥ ብፁኣት እየን። 17ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፤ ብዙሓት ነቢያትን ፃድቃን ሰባትን ነቲ ንስኻትኩም እትርእይዎ ኽርእዩ ተመንዮም ኣይረኣዩን፥ ነቲ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ኽሰምዑ ተመንዮም ኣይሰምዑን።
18እምበኣር ንስኻትኩም ነቲ ናይ ዘራኢ ምስላ ስምዑ። 19ኵሉ ቃል መንግስቲ ሰሚዑ ዘየስተውዕል፥ እቲ ኽፉእ መፂኡ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ይምንጥሎ። እዝ እቲ ኣብ ጥቓ መንገዲ ዝተዘርአ ዘርኢ እዩ። 20እቲ ኣብ ኰዅሒ ምድሪ ዝተዘርአ ዘርኢ ኸዓ፥ ነቲ ቃል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዝቕበሎ እዩ፤ 21ግና ኣብ ርእሱ ሱር ስለ ዘይብሉ፥ ንቑሩብ ጊዜ ጥራሕ እዩ ዝፀንዕ፤ ስለ እቲ ቃል መከራ ወይ ስደት ምስ መፀ ድማ፥ ቀልጢፉ ይዕንቀፍ። 22እቲ ኣብ መንጎ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቃል ዝሰምዕ እዩ፤ ጭንቀት እዝ ዓለም እዙይን ምትላል ሃብትን ግና ነቲ ቃል ይሓንቅዎ እሞ፥ ከይፈረየ ይተርፍ። 23እቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝተዘርአ ዘርኢ ግና፥ ነቲ ቃል ሰሚዑ ዘስተውዕል እዩ፤ ፍረ ድማ ይፈሪ፥ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ሰላሳ ዕፅፊ ይህብ።”
ስርናይን ክርዳድን ኣብ ግራት
24ካልእ ምስላ ድማ ኣቕረበሎም፦ “መንግስቲ ኣቦና ኣብ ግራቱ ፅቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ ትመስል። 25ኵሉ ሰብ ደቂሱ እንተሎ ግና፥ ፀላኢኡ መፂኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። 26እቲ ስርናይ ምስ በቘለን ፍረ ምስ ሃበን ከዓ፥ ሽዑ እቲ ክርዳድውን ተራእየ። 27ባሮት እቲ ብዓል ቤት ድማ መፂኦም፥ ‘ጐይታይ፥ ኣብ ግራትካ ፅቡቕ ዘርኢዶ ኣይዘራእኻን? እዝ ክርዳድ እዙይ ደኣ ኻበይ መፀ?’ በልዎ።
28ንሱ ድማ ‘እዙይ ፀላኢ ገይርዎ’ በሎም። እቶም ባሮት ከዓ ‘እምበኣር ከይድና ክንነቅሎምዶ ትደሊ ኢኻ?’ በልዎ።
29ንሱ ግና ‘ኣይፋሉን፤ ነቲ ክርዳድ ክትነቕሉ እንተለኹም፥ ምስኡ ነቲ ስርናይ ከይትነቕልዎ እሞ። 30ክሳዕ ዓፂድ ክልቲኦም ብሓንሳእ ይዕበዩ። ብጊዜ ዓፂድ ድማ ነቶም ዓፃዶ፦ ቅድም ነቲ ክርዳድ ኣኪብኩም ምእንቲ ኽትቃፅልዎ ዕትሪ ዕትሪ ጌርኩም እሰርዎም፥ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፥ ክብሎም እየ።’”
ፍረ ኣድሪ ኦም ይኸውን
31ካልእ ምስላ ድማ ኣቕረበሎም፦ “መንግስቲ ኣቦና ሓደ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርአ ፍረ ኣድሪ ትመስል። 32ንሳ ኻብ ኵሉ ዘርኢ ዝነኣሰት እኳ እንተኾነት፥ ምስ ዓበየት ግና ኻብ ኵሉ ኣሕምልቲ ትዓቢ፤ ኣዕዋፍ ሰማይ መፂአን ኣብ ጨናፍራ ዝሰፍራ ኦም ትኸውን።”
መንግስቲ ኣቦና ኸም ዝተሰወረ ማይ ብሒቝ ይዓዪ
33ካልእ ምስላ ድማ ነገሮም፦ “መንግስቲ ኣቦና ሓንቲ ሰበይቲ ወሲዳ ኣብ ኣስታ ዒስራን ሓሙሽተን ኪሎ ሓርጭ ዝሓወሰቶ ማይ ብሒቝ ትመስል፤ ክሳዕ ኵሉ ብሑቝ ዝበዅዐ።”
34ኢየሱስ እዝ ኵሉ ነገር እዙይ ነቶም ህዝቢ ብምስላ ነገሮም፤ ብዘይ ምስላ ድማ ገለ እኳ ኣይነገሮምን።
35እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ዝተዛረበ ምእንቲ ኽፍፀም ኮነ፤ ከምዙይ ይብል፦ “ኣፈይ ብምስላ ክኸፍት እየ፤ ካብ ምስረታ ዓለም ጀሚሩ ዝተሰወረ ድማ ክዛረብ እየ።”
ኣቦ ንስርናይ ካብ ክርዳድ ይፈልዮ
36ሽዑ ነቶም ህዝቢ ሓዲጉ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፥ “ነቲ ናይ ክርዳድ ግራት ምስላ ግለፀልና” በልዎ።
37ንሱ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ፅቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ወዲ ሰብ እዩ። 38እቲ ግራት ዓለም እዩ። እቲ ፅቡቕ ዘርኢ ድማ ውሉድ መንግስቲ እዮም፤ እቲ ክርዳድ ከዓ ውሉድ እቲ ኽፉእ እዮም። 39እቲ ዝዘርኦም ፀላኢ ድማ ድያብሎስ እዩ፤ እቲ ዓፂድ መወዳእታ ዓለም እዩ፤ እቶም ዓፃዶ ኸዓ መላእኽቲ እዮም። 40እምበኣር ከምቲ ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ዝቃፀል፥ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ከምኡ ክኸውን እዩ። 41ወዲ ሰብ መላእኽቱ ክሰድድ እዩ፥ ካብ መንግስቱ ድማ ንዅሉ ንሓጢኣት ዘምፅእን ንዅሎም እከይ ዝገብሩን ክእክቡ እዮም። 42ናብቲ ዝነድድ እቶን ድማ ክድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ኸዓ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኣሎ። 43ሽዑ እቶም ፃድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ፀሓይ ከንፀባርቑ እዮም። እቲ ኣእዛን ዘለዎ ይስማዕ።”
መንግስቲ ኻብ ኵሉ ትበልፅ
44መንግስቲ ኣቦና ኣብ ግራት ከም እተሓብአ መዝገብ እያ። ሓደ ሰብ ድማ ረኸቦ፥ መሊሱ ሓብኦ፥ ሽዑ ብሓጎሱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዓደጋ።
45“ከምኡ ድማ፥ መንግስቲ ኣቦና ፅቡቓት ኣዕናቝ ዝደሊ ነጋዳይ ትመስል። 46ክቡር ዋጋ ዘለዎ ሓደ ዕንቍ ምስ ረኸበ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ዓደጎ።
እቲ መርበብ ኵሉ ዓይነት ይገፍፍ
47ከምኡ ድማ፥ መንግስቲ ኣቦና ናብ ባሕሪ እተደርበየ፥ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝእክብ መርበብ ትመስል። 48ምስ መልአ ድማ፥ እቶም ኣስገርቲ ዓሳ ናብ ገምገም ስሒቦም ኣውፅእዎ፥ ተቐሚጦም ከዓ ነቲ ፅቡቕ ዓሳ ኣብ መሶብ ኣከቡ፥ ነቲ ሕማቕ ግና ደርበይዎ። 49ኣብ መወዳእታ ዘመን ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ፦ መላእኽቲ ክወፁ፥ ንኽፉኣት ካብ ማእኸል ፃድቃን ክፈልይዎም እዮም፥ 50ናብቲ ዝነድድ እቶን ድማ ክድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ኸዓ ክበኽዩን ኣስናኖም ክሓርቑን እዮም።”
51“እዝ ዅሉዶ ኣስተውዓልኩም?” ንሳቶም ከዓ “እወ” ኢሎም መለሱ።
52ንሳቶም ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ንመንግስቲ ኣቦና እተምሃረ ነፍሲ ወከፍ መምህር ሕጊ፥ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዘውፅእ በዓል ቤት ይመስል።”
ኢየሱስ ኣብ ዓዱ ተነፅገ
53ኢየሱስ እዝ ምስላታት እዙይ ምስ ወድአ፥ ካብኡ ኸደ።
54ናብ ዓዱ ተመሊሱ ድማ ኣብ ቤተ ፀሎቶም መሃረ፤ ንሳቶም ከዓ ተገሪሞም ከምዙይ በሉ፦ “እዝ ሰብ እዙይ እዝ ጥበብ እዙይን እዝ ተኣምራት እዙይን ካበይ ረኺብዎ? 55እዝ ወዲ እቲ ፀራቢዶ ኣይኮነን? ኣዲኡ ማርያም ዶ ኣይትብሃልን? ኣሕዋቱ ኸዓ ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ዶ ኣይኮኑን? 56ኣሓቱ ዅለን ድማ ምሳና ኣብዙይ ዶ የለዋን? ደኣ እዝ ሰብ እዙይ እዝ ዅሉ ኻበይ ረኸቦ?”
57ብእኡ ኸዓ ተዓንቀፉ። ኢየሱስ ግና “ነቢይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣብ ኵሉ ቦታ ኽቡር እዩ” በሎም።
58ብሰንኪ ዘይእምነቶም ድማ ኣብኡ ብዙሕ ተኣምራት ኣይገበረን።