ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ወልድ ጐይታ ሰንበት እዩ

ብሰንበት እኽሊ ምቑራፅን ዝደረቐት ኢድ ምሕዋይን ክሲ ኣምፅአ፥ ፈሪሳውያን ከዓ ኽቐትልዎ ኺማኸሩ ጀመሩ፥ ሓይሉ ድማ ናብ ብዓል ዜቡል ኣመኽነይዎ። ንሱ ኸዓ ዝተማቐለ መንግስቲ ኸም ዝወድቕ፥ ቃላት ንልቢ ኸም ዝቃልዑ፥ ፍቓድ ኣቦ ዝገብር ኵሉ ድማ ስድራ ኸም ዝኾነ መለሰ።

ምዕራፍ 12።

በቲ ጊዜ እቲ ኢየሱስ ብሰንበት ብግራት እኽሊ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ፥ ጉምቦ ሸዊት እናቘረፁ ክበልዑ ጀመሩ። ፈሪሳውያን ከዓ እዙይ ምስ ረአዩ፥ “እንሆ፥ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ነገር ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ።

ንሱ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ዳዊት ምስ ብፆቱ ምስ ጠመዩ እንታይ ከም ዝገበረ ኣየንበብኩምንዶ? ናብ ቤት ኣቦና ከመይ ኢሉ ኣትዩ፥ ነቲ ንእኡን ንብፆቱን ዘይግባእ፥ ንካህናት ጥራሕ ዝተዓቘረ እንጀራ ገፅ ከመይ ኢሉ በልዐ? ወይ፥ ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብሰንበት ንሰንበት ከም ዘፍርስዎ፥ ከይበደሉ ኸዓ ከም ዝተረፉ፥ ኣብ ሕጊ ኣየንበብኩምንዶ? እብለኩም ኣለኹ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ። ‘ኣነ ምሕረት ደኣ እደሊ እምበር፥ መስዋእቲ ኣይደልን’ ዝብል እንታይ ማለት ምዃኑ እንተ ትፈልጡ ኔርኩም፥ ነቶም ንፁሃት ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም። ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ እሞ።”

ምሕረት ኣቦና ብሰንበት የሕዊ

ካብኡ ኸዓ ሓሊፉ ናብ ቤተ ፀሎቶም ኣተወ። ኣብኡ ኸዓ ኢዱ ዝደረቐት ሰብ ነበረ። ንሳቶም ድማ ክኸስዎ ስለ ዝደለዩ፥ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ይግባእ?” ኢሎም ሓተትዎ።

ንሱ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ካባኻትኩም ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ ሰብ፥ እታ በጊዕ ብሰንበት ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፥ ሒዙ ዘየውፅኣ መን ኣሎ? ሰብ ግዳ ኻብ በጊዕ ክንደይ ኣዝዩ ይበልፅ! ስለዙይ ብሰንበት ፅቡቕ ምግባር ይግባእ እዩ።” ሽዑ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ኢዱ ዘርግሐ፤ ከምታ ኻልአይቲ ኢዱ ጥዕይቲ ኾይና ኸዓ ተመለሰት።

ፈሪሳውያን ግና ወፂኦም፥ ከመይ ኢሎም ከም ዘጥፍእዎ ተማኸሩ።

ፍቑር ኣገልጋሊ ኣቦና

ኢየሱስ ድማ እዙይ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ። ብዙሓት ድማ ሰዓብዎ፤ ንዅሎም ከዓ ኣሕወዮም፥ ብዛዕባኡ ንዝኾነ ሰብ ከይነግሩ ድማ ኣዘዞም። እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተነግረ ምእንቲ ኽፍፀም ኮነ፦

“እንሆ፥ እቲ ዝሓረኽዎ ግዛአይ ኢየሱስ፥ እቲ ነፍሰይ ዝተሓጐሰትሉ ፍቑረይ። መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ከንብር እየ፥ ንሱ ድማ ንኣህዛብ ፍርዲ ኽእውጅ እዩ። ኣይባኣስን ኣይጭድርን፥ ድምፁ ኸዓ ኣብ ኣደባባያት ዝሰምዕ የለን። ንእተቐጥቀጠ ሻምብቆ ኣይሰብሮን፥ ንዝተኖ ፈትሊ ኸዓ፥ ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብፅሕ ኣየጥፍኦን፤ ኣህዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ክገብሩ እዮም።”

ዝተፈላለየት መንግስቲ ደው ክትብል ኣይትኽእልን

ሽዑ ዕዉር በሃም ጋኔን ዝሓደሮ ሰብ ናብኡ ኣምፅኡሉ፤ ኣሕወዮ ኸዓ፥ እቲ ሰብ ድማ ተዛረበን ረአየን። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ተገረሙ እሞ “እዝ ወዲ ዳዊትዶ ይኸውን?” በሉ። ፈሪሳውያን ግና እዙይ ሰሚዖም “እዝ ሰብ እዙይ ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል፥ ብሓለቓ ኣጋንንቲ ጥራሕ እዩ ዘውፅኦም” በሉ።

ኢየሱስ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ ከምዙይ በሎም፦ “ኣብ ነንሕድሕዳ ዝተፈላለየት ኵላ መንግስቲ ትጠፍእ፤ ኣብ ነንሕድሕዳ ዝተፈላለየት ከተማ ወይ ቤት ድማ ኣይትቐውምን። ሰይጣንውን ንሰይጣን ዘውፅኦ እንተ ኾይኑ፥ ንስንሳቱ ዝተፈላለየ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ። መንግስቱ ድኣ ኸመይ ኢላ ትቐውም? ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ኾይነ፥ ደቅኹም ግና ብመን እዮም ዘውፅእዎም? ስለዙይ ንሳቶም ባዕላቶም ፈረድትኹም ክኾኑ እዮም። ኣነ ግና ንኣጋንንቲ ብመንፈስ ኣቦና ዘውፅኦም እንተ ኾይነ፥ እታ መንግስቲ ኣቦና በፂሓትኩም እያ ማለት እዩ። ወይ፥ ሓደ ሰብ ናብ ቤት ሓያል ሰብ ኣትዩ፥ ቅድም ነቲ ሓያል ሰብ እንተ ዘይኣሲሩ፥ ኣቕሑኡ ኸመይ ኢሉ ክዘርፍ ይኽእል? ሽዑ ደኣ ንቤቱ ክዘርፋ እዩ።

ምሳይ ዘይኮነ ኵሉ ሰብ፥ መፃርርተይ እዩ፤ ምሳይ ኮይኑ ዘይእክብ ድማ ይብትን እዩ። ስለዙይ እብለኩም ኣለኹ፥ ኵሉ ሓጢኣትን ፅርፈትን ንሰብ ይቕረ ክበሃል እዩ፤ ፅርፈት ኣንፃር መንፈስ ግና ይቕረ ኣይበሃሎን እዩ። ኣንፃር ወዲ ሰብ ዝዛረብ ይቕረ ክበሃል እዩ፤ ኣንፃር መንፈስ ቅዱስ ዝዛረብ ግና፥ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ኾነ ኣብታ እትመፅእ ዘመን፥ ይቕረ ኣይበሃሎን እዩ።

ነታ ገረብ ፅብቕቲ ግበሩ፥ ፍሪኣ ድማ ፅብቕቲ ትኸውን፤ ወይ ነታ ገረብ ሕምቕቲ ግበሩ፥ ፍሪኣ ኸዓ ሕምቕቲ ትኸውን፤ ገረብ ብፍሪኣ ትልለ እያ እሞ። ኣቱም ውሉድ ኣትማን! ንስኻትኩም እኩያት እናሃለኹም፥ ፅቡቕ ነገር ከመይ ኢልኩም ክትዛረቡ ትኽእሉ? ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ። ፅቡቕ ሰብ ካብ ፅቡቕ መዝገቡ ፅቡቕ የውፅእ፤ እኩይ ሰብ ድማ ካብ እኩይ መዝገቡ እኩይ የውፅእ። እብለኩም ኣለኹ፥ ሰባት በታ መዓልቲ ፍርዲ ብዛዕባ ዝተዛረብዎ ዅሉ ከንቱ ዘረባ ሕሳብ ክህቡ እዮም፤ ብቓላትካ ክትፅድቕ ኢኻ፥ ብቓላትካ ድማ ክትፍረድ ኢኻ እሞ።”

ምልክት ዮናስ

ሽዑ ገለ ኻብ ፃሓፍትን ፈሪሳውያንን “መምህር፥ ካባኻ ምልክት ክንርኢ ንደሊ ኣለና” በሉ።

ንሱ ኸዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዝ እኩይን ዘማውን ትውልዲ እዙይ ምልክት ይደሊ ኣሎ፤ ብዘይ እቲ ናይ ነቢይ ዮናስ ምልክት ግና፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ። ከምቲ ዮናስ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከብዲ እቲ ዓብዪ ዓሳ ዝነበረ፥ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ልቢ ምድሪ ክነብር እዩ። ሰብ ነነዌ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስዝ ትውልዲ እዙይ ተንሲኦም ክዅንንዎ እዮም፤ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ። ካብ ዮናስ ዝዓቢ ግና፥ እንሆ ኣብዙይ ኣሎ። ንግስቲ ደቡብ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኣ ክትኵንኖ እያ፤ ንሳ ኻብ ወሰን ምድሪ ተበጊሳ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ መፂኣ እያ እሞ። እንሆ ኸዓ፥ ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።

ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ እናደለየ ብንቑፅ ቦታታት ይዘዋወር፤ ኣይረኽብን ድማ። ሽዑ ‘ናብታ ዝሓደግኳ ቤተይ ክምለስ እየ’ ይብል። ምስ መፀ ድማ፥ ጥርሑ ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይፀንሖ። ሽዑ ይኸይድ፤ ካብኡ ዝገደዱ ኻልኦት ሸውዓተ መናፍስቲ ድማ የምፅእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሰፍሩ፤ ነቲ ሰብ እቱይ ከዓ ካብ ቀዳማዩ ዳሕረዋዩ ዝገደደ ይኸውን። ነዝ ክፉእ ትውልዲ እዙይ ድማ ከምኡ ክኾኖ እዩ።”

ናይ ሓቂ ቤተሰብ ኣቦ

ንሱ ነቶም ህዝቢ ገና እናተዛረበ እንተሎ፥ እኖኡን ኣሕዋቱን ክዛረብዎ ደልዮም ኣብ ደገ ደው በሉ። ሓደ ሰብ ድማ “እንሆ እኖኻን ኣሕዋትካን ምስኻ ክዛረቡ ደልዮም ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ” በሎ።

ንሱ ድማ ነቲ ዝነገሮ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይ ድማ መን እዮም?” ኢሉ መለሰሉ።

ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ ድማ “እንሆ እኖይን ኣሕዋተይን! እቲ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ኵሉ፥ ንሱ ሓወይ፥ ሓፍተይ፥ እኖይ ድማ እዩ እሞ።”