ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ትምህርቲ ኣብ ከተማታቶም

ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኾይኑ፥ ኢየሱስ ብሓቂ እቲ ክመፅእ ዘለዎ ድዩ ኢሉ ክሓትት ለኣኸ። እቲ መልሲ ዘረጋግእ ዘረባ ዘይኮነ፥ ናይ ዝኸውን ዘሎ ዝርዝር እዩ። ድሕሪኡ ኢየሱስ ነተን ተኣምራቱ ርእየን ከይተለወጣ ዝተረፋ ኸተማታት ይኹንን፥ ንኣቦኡ የመስግን፥ ንዝደኸመ ዅሉ ድማ ዕረፍቲ የቕርብ።

ምዕራፍ 11።

ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣብ ከተማታቶም ክምህርን ክሰብኽን ካብኡ ኸደ።

ሕቶ ዮሃንስ ካብ ቤት ማእሰርቲ

ዮሃንስ ከዓ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ፥ ብዛዕባ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፥ ብደቀ መዛሙርቱ ገይሩ ለኣኸ፥ ከምዙይ ኢሉ ድማ ሓተቶ፦ “ንስኻ ዲኻ እቲ ክመፅእ ዘለዎ፥ ወይ ካልእ ክንደሊ?”

ኢየሱስ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኪዱ እሞ፥ ነቲ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ንዮሃንስ ንገርዎ፦

“ዕዉራት ይርእዩ፥ ሓንካሳት ይኸዱ፥ ለምፃማት ይነፅሁ፥ ፀማማት ይሰምዑ፥ ምዉታን ይትስኡ፥ ንድኻታት ከዓ ወንጌል ይስበከሎም። እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ ድማ ብፁእ እዩ።”

ንሳቶም ክኸዱ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ክዛረቦም ጀመረ፦ “እንታይ ክትርእዩ ኢኹም ናብ ምድረ በዳ ወፂእኹም? ብንፋስ ዝናወፅ ሻምብቆዶ? ንምንታይ ደኣ ወፂእኹም? ልዙይ ክዳን ዝተኸድነ ሰብ ክትርእዩዶ? እንሆ፥ እቶም ልዙይ ክዳን ዝኽደኑ ኣብ ኣብያተ መንግስቲ እዮም ዘለዉ። ንምንታይ ደኣ ወፂእኹም? ነቢይ ክትርእዩዶ? እወ፥ እብለኩም ኣለኹ፥ ካብ ነቢይ ኣዝዩ ዝዓቢ እዩ። እቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ እዙይ እዩ፦ ‘እንሆ፥ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ መንገድኻ ዘዳሉ መልኣኽተይ፥ ኣብ ቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ።’ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወለዱ፥ ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ ኣይተስአን፤ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣቦና ዝንእስ ግና ካብኡ ይዓቢ። ካብ መዓልቲታት መጥምቕ ዮሃንስ ክሳዕ ሕዚ፥ መንግስቲ ኣቦና ትግፋዕ ኣላ፤ ገፋዕቲ ድማ ይምንጥልዋ ኣለዉ። ኵሎም ነቢያትን ሕግን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ፤ ክትቕበልዎ እንተ ደሊኹም ድማ፥ እቲ ክመፅእ ዝነበሮ ኤልያስ ንሱ እዩ። ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።

ነዝ ትውልዲ እዙይ ብምንታይ ክመስሎ? ኣብ ዕዳጋታት ተቐሚጦም ንካልኦት ዝፅውዑ ቈልዑ ይመስል፦ ‘እምብልታ ነፊሕናልኩም፥ ንስኻትኩም ግና ኣይሳዕሳዕኩምን፤ መልቀስ ኣልቀስናልኩም፥ ንስኻትኩም ግና ኣይሓዘንኩምን።’ ዮሃንስ ከይበልዐን ከይሰተየን መፀ፥ ንሳቶም ከዓ ‘ጋኔን ሒዝዎ’ ይብሉ ኣለዉ። ወዲ ሰብ እናበልዐ እናሰተየ መፀ፥ ንሳቶም ከዓ ‘እንሆ፥ ስሱዕን ሰካርን፥ ፈታዊ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን!’ ይብሉ ኣለዉ። ጥበብ ግና ብግብራ ፃድቕቲ ኾይና ትርከብ።”

ወይለ ነተን ዘይተነስሓ ከተማታት

ሽዑ ነተን መብዛሕትኡ ተኣምራት ዝገበረለን ከተማታት፥ ስለ ዘይተነስሓ ክገንሐን ጀመረ።

“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እቲ ኣባኺ ዝተገብረ ተኣምራት ኣብ ጢሮስን ሲዶንን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቅድም ኢለን ወጮ ለቢሰን ኣብ ሓሙዅሽቲ ኮፍ ኢለን ምተነስሓ ነይረን። ግና ብመዓልቲ ፍርዲ ንጢሮስን ሲዶንን ካባኽን ከም ዝቐልለለን እብለኽን ኣለኹ። ንስኺኸ ቅፍርናሆም፥ ናብ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ? ናብ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ። እቲ ኣባኺ ዝተገብረ ተኣምራት ኣብ ሰዶም ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ክሳዕ ሎሚ ምተረፈት ነይራ። ግና ብመዓልቲ ፍርዲ ንምድሪ ሰዶም ካባኺ ኸም ዝቐልለላ እብለኺ ኣለኹ።”

ኣቦ ብወልድ ይግለፅ

በቲ ጊዜ እቲ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ ነዝ ነገር እዙይ ካብ ጥበበኛታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ፥ ኣመስግነካ ኣለኹ። እወ፥ ኦ ኣቦ፥ ከምዙይ ኣብ ቅድሜኻ ባህ ስለ ዝበለካ እዩ። ኵሉ ነገር ካብ ኣቦይ ተውሂቡኒ እዩ። ንወልድ ብዘይ ኣቦ ዝፈልጦ የለን፤ ንኣቦውን ብዘይ ወልድ፥ ከምኡ ድማ ወልድ ክገልፀሉ ዝደለዮ ሰብ፥ ዝፈልጦ የለን።

“ኣቱም ዝደኸምኩምን ዝተፅዓንኩምን ኵላትኩም፥ ናባይ ንዑ፥ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። ኣርዑተይ ፀዓኑ፥ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ ለዋህን ብልቢ ትሑትን እየ እሞ፥ ንነፍሳትኩም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ኣርዑተይ ቀሊል፥ ፆረይ ድማ ፈኵስ እዩ እሞ።”