ሞት መጥምቕ ዮሃንስ
ሄሮድስ ብመሓላ ጋይላ ተታሊሉ፥ ንዮሃንስ ርእሱ ኣቚረፆ። ኢየሱስ ክሓዝን ገለሰ፥ እቲ ህዝቢ ግና ኸም ብሓዱሽ ተኸተሎ፥ ካብ ሓሙሽተ እንጀራ ድማ መገቦም። ድሒሩ ጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ ማይ ናብኡ ወፀ፥ ነቲ ንፋስ ምስ ረአየ ኸዓ ኺጥሕል ጀመረ።
14 1በቲ ጊዜ እቱይ ሄሮድስ ናይ ርብዒ ግዝኣት ኣመሓዳሪ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝዝረብ ዝነበረ ወረ ሰምዐ። 2ንሓሻኽሩ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “እዙይ መጥምቕ ዮሃንስ እዩ፤ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፤ ስለዙይ እዮም እዞም ሓይልታት እዚኦም ኣብኡ ዝሰርሑ ዘለዉ።” 3ሄሮድስ ምእንቲ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ሓዉ ፊልጶስ፥ ንዮሃንስ ሒዙ ኣሲሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዳጐኖ፤ 4ዮሃንስ “ንኣኣ ክትወስዳ ኣይፍቀደልካን እዩ” ይብሎ ነበረ እሞ። 5ሄሮድስ ክቐትሎ ደለየ፤ ነቲ ህዝቢ ግና ፈርሐ፤ ንሳቶም ንዮሃንስ ከም ነቢይ ይርእይዎ ነበሩ እሞ። 6መዓልቲ ልደት ሄሮድስ ምስ በፅሐት ግና፥ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ቅድሚኦም ሰዓሰዐት፤ ንሄሮድስ ድማ ደስ ኣበሎ፤ 7ስለዙይ እቲ ዝለመነቶ ዅሉ ክህባ ብመሓላ ተመባፅዐ። 8ብኣዲኣ ተለዓዒላ ኸዓ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ሸሓነ ገይርካ ኣብዙይ ሃበኒ” በለት።
9እቲ ንጉስ ድማ ሓዘነ፤ ብሰሪ መሓላታቱን ብሰሪ እቶም ምስኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዕዱማቱን ግና፥ ክወሃባ ኣዘዘ፤ 10ልኢኹ ድማ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ርእሱ ኣቚረፆ። 11ርእሱ ኸዓ ኣብ ሸሓነ ተምፂኡ ነታ ጓል ተውሃባ፤ ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ኣምፅአቶ። 12ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መፂኦም፥ ነቲ ሬሳ ወሲዶም ቀበርዎ፤ ከይዶም ድማ ንኢየሱስ ነገርዎ።
ኢየሱስ ንሓሙሽተ ሽሕ ሰብ መገቦም
13ኢየሱስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ብጃልባ ናብ ሓደ ምድረ በዳ በይኑ ገለሰ። እቶም ህዝቢ ግና ሰሚዖም፥ ካብ ከተማታት ብእግሮም ተኸተልዎ። 14ናብ ምድሪ ምስ ወፀ ኸዓ፥ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ፤ ራህርሀሎም ድማ፤ ነቶም ሕሙማቶም ከዓ ኣሕወዮም። 15ምድሪ ምስ መሰየ ኸዓ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ መፂኦም “እዝ ቦታ እዙይ ምድረ በዳ እዩ፤ ጊዜ ኸዓ ድሮ ኣኺሉ እዩ፤ እቶም ህዝቢ ናብ ዓድታት ከይዶም ንባዕሎም ምግቢ ክዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ።
16ኢየሱስ ግና “ክኸዱ ኣየድልዮምን እዩ፤ ንስኻትኩም ምግቢ ሃብዎም” በሎም።
17ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ ብዘይ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን፥ ካልእ የብልናን” በልዎ።
18ንሱ ኸዓ “ናባይ ናብዙይ ኣምፅእዎም” በለ።
19ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ሳዕሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም። ነቲ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ድማ፥ ናብ ሰማይ ጠሚቱ ኣመስገነ፤ ነቲ እንጀራ ቈሪሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም። 20ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ፤ ካብቲ ዝተረፈ ርፍራፍ ድማ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ። 21እቶም ዝበልዑ ድማ፥ ብዘይ ኣንስትን ህፃናትን፥ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።
ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ተመላለሰ
22ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ንሱ ነቶም ህዝቢ ከሰናብት እንተሎ፥ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣእትዩ፥ ቅድሚኡ ናብ ማዕዶ ክኸዱ ኣገደዶም። 23ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ድማ፥ ክፅሊ ንበይኑ ናብ እምባ ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ኸዓ፥ ኣብኡ በይኑ ነበረ። 24እታ ጃልባ ድማ ድሮ ኻብ ምድሪ ርሒቓ፥ ንፋስ ይፃረሮም ስለ ዝነበረ፥ ብማዕበል ትህረም ነበረት። 25ኣስታት ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ ናብኣቶም መፀ። a a v25 እቲ ራብዓይ ሓለዋ ለይቲ፥ ኣስታት ካብ ትሽዓተ ሰዓት ለይቲ ክሳዕ ዓሰርተ ክልተ ሰዓት ናይ ወጋሕታ እዩ ነይሩ፤ ቅድሚ ወጋሕታ ዘሎ እቲ ዝፀልመተን ዝዝሕለን እዋን እዩ። 26እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ ምስ ረአይዎ፥ ተሸበሩ፤ “ህጅ እዩ!” እናበሉ ድማ ብፍርሒ ኣእወዩ።
27ኢየሱስ ግና ሽዑ ንሽዑ “ኣጆኹም! ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም።
28ጴጥሮስ ድማ “ኦ ጐይታ! ንስኻ እንተ ዄንካ፥ ኣብ ልዕሊ ማይ ናባኻ ክመፅእ ኣዝዘኒ” ኢሉ መለሰሉ።
29ንሱ ኸዓ “ናዓ” በሎ። ጴጥሮስ ድማ ካብ ጃልባ ወሪዱ፥ ኣብ ልዕሊ ማይ እናኸደ ናብ ኢየሱስ ከደ።
30ነቲ ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክሰጥም ምስ ጀመረ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ።
31ኢየሱስ ድማ ሽዑ ንሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ፤ “ኣታ ውሑድ እምነት ዘለካ፥ ስለምንታይ ተጠራጠርካ?” ኢሉ ድማ በሎ።
32ናብ ጃልባ ምስ ደየቡ ድማ፥ እቲ ንፋስ ዝግ በለ። 33ሽዑ እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ሰገዱሉ፤ “ብሓቂ ንስኻ ወዲ ኣቦና ኢኻ” ድማ በሉ።
34ተሳጊሮም ድማ፥ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ መፁ። 35እቶም ናይቲ ቦታ እቱይ ሰባት ከዓ ምስ ኣለልይዎ፥ ናብ ኵሉ እቲ ኸባቢ እቱይ ልኢኾም፥ ንዅሎም እቶም ሕሙማት ናብኡ ኣምፅኡ። 36ጫፍ ክዳኑ ጥራሕ ክትንክፉ ድማ ለመንዎ፤ እቶም ዝተንከፉ ዅሎም ከዓ ሓወዩ።