ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ትውፊት ኣንፃር ቃል ኣቦ

ኢየሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ትውፊቶም ንትእዛዝ ኣቦ ኸም ዘፍረሶ፥ ዘርክስ ድማ ካብ ልቢ ኸም ዝወፅእ እምበር ናብ ኣፍ ከም ዘይኣቱ ነገሮም። ሓንቲ ኸነዓናዊት ሰበይቲ ኽትስደድ ኣበየት፥ መለሰትሉ ድማ፥ እታ እትሳቐ ጓላ ኸዓ ሓወየት።

ምዕራፍ 15።

ሽዑ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢየሱስ መፂኦም ከምዙይ በሉ፦ “ደቀ መዛሙርትካ ስለምንታይ ትውፊት ሽማግለታት ይጥሕሱ? እንጀራ ክበልዑ እንተለዉ ኣእዳዎም ኣይሕፀቡን እዮም እሞ።”

ንሱ ኸዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ንስኻትኩምከ ስለምንታይ ምእንቲ ትውፊትኩም ትእዛዝ ኣቦና ትጥሕሱ? ኣቦና ‘ነቦኻን ነዴኻን ኣኽብር’ ከምኡውን ‘ነቦኡ ወይ ነዴኡ ዝፀረፈ፥ ብርግፅ ይቀተል’ ኢሉ እዩ እሞ። ንስኻትኩም ግና ‘ዝኾነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዴኡ “እቲ ኻባይ እትረኽቦ ዅሉ፥ ንኣቦና እተወፈየ ህያብ እዩ” ዝብል፥ ነቦኡ በዙይ ከኽብሮ ኣየድልን እዩ’ ትብሉ ኣለኹም። ምእንቲ ትውፊትኩም ኢልኩም ድማ ቃል ኣቦና ኣፍሪስኩም። ኣቱም ግብዝቲ! ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ቅኑዕ ተነበየ፥ ከምዙይ ኢሉ፦ ‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፥ ልቡ ግና ካባይ ርሒቑ ኣሎ፤ ብኸንቱ የምልኹኒ፥ ትእዛዛት ሰብ ከም ትምህርቲ እናመሃሩ።’”

ሽዑ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ስምዑ ኣስተውዕሉን፦ እቲ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣይኮነን ንሰብ ዘርክስ፥ እቲ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ደኣ እዩ ንሰብ ዘርክስ እምበር።”

ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብኡ መፂኦም “እቶም ፈሪሳውያን ነዝ ዘረባ እዙይ ሰሚዖም ከም እተዓንቀፉዶ ትፈልጥ ኢኻ?” በልዎ።

ንሱ ኸዓ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሰማያዊ ኣቦይ ዘይተኸሎ ኵሉ ተኽሊ ክንቀል እዩ። ሕደግዎም፤ ንሳቶም ዕዉራት መራሕቲ እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሐ፥ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ክወድቁ እዮም።”

ጴጥሮስ ድማ “ነዝ ምሳሌ እዙይ ግለፀልና” በሎ።

ኢየሱስ ድማ “ንስኻትኩምከ ገና ኸምቶም ካልኦት ዘይትርድኡ ዲኹም?” በሎም። “እቲ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ዅሉ ናብ ከብዲ ኸም ዝሓልፍ፥ ደሓር ከዓ ኸም ዝወፅእ ኣይትርድኡን ኢኹም? እቲ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ግና ኻብ ልቢ እዩ ዝወፅእ፤ እዙይ ከዓ ንሰብ የርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ ይወፅእ እዩ እሞ፦ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝር፥ ስርቂ፥ ሓሰት ምስክር፥ ፀርፊ። እዚኣቶም እዮም ንሰብ ዘርክሱ፤ ብዘይተሓፅበ ኢድ ምብላዕ ግና ንሰብ ኣየርክሶን እዩ።”

ፅንዕቲ እምነት ሓንቲ ሰበይቲ

ኢየሱስ ካብታ ቦታ እቲኣ ወፂኡ፥ ናብ ከባቢ ጢሮስን ሲዶንን ኣግለሰ። ካብቲ ኸባቢ እቲ ሓንቲ ከነዓናዊት ሰበይቲ መፂኣ፥ “ኦ ጐይታ፥ ወዲ ዳዊት! ራህርሃለይ፤ ጓለይ ብጋኔን የመና ትሳቐ ኣላ” ኢላ ኣእወየት።

ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ መፂኦም “ደድሕሬና እናጨደረት ትስዕበና ኣላ እሞ፥ ስደዳ” ኢሎም ለመንዎ።

ንሱ ኸዓ “ኣነ ናብተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ጥራሕ እየ ተሊአ” ኢሉ መለሰ።

ንሳ ግና መፂኣ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርኪኻ “ኦ ጐይታ፥ ርዳኣኒ!” በለቶ።

ንሱ ኸዓ “እቲ እንጀራ እቶም ውሉድ ወሲድካ ነኽላባት ምድርባዩ ቅኑዕ ኣይኮነን” ኢሉ መለሰ።

ንሳ ድማ “እወ ጐይታ፥ ኣኽላባት እኳ ኻብ ማእዲ ጐይቶቶም ዝወድቕ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለቶ።

ኢየሱስ ድማ “ኦ ሰበይቲ፥ እምነትኪ ዓባይ እያ። ከም ዝደለኽዮ ይኹነልኪ” ኢሉ መለሰላ። ጓላ ኸዓ ካብታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።

ኣቦ ነርባዕተ ሽሕ ኣበልዐ

ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ፥ ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኸደ፤ ናብ እምባ ደዪቡ ኸዓ ኣብኡ ተቐመጠ። ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሓንካሳትን ዕዉራትን ልሙሳትን ብሃማትን ካልኦት ብዙሓትን ሒዞም ናብኡ መፁ፤ ኣብ እግሩ ኣቐመጥዎም እሞ፥ ኣሕወዮም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ብሃማት ክዛረቡ፥ ልሙሳት ክሕወዩ፥ ሓንካሳት ክኸዱ፥ ዕዉራትውን ክርእዩ ምስ ረአዩ ተገረሙ፤ ንኣቦ እስራኤል ድማ ክብሪ ሃብዎ።

ኢየሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም እራርሓሎም ኣለኹ፤ ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ፀኒዖም ዝበልዕዎ ስኢኖም እዮም እሞ። ጥሙያት ክሰዶም ኣይደልን እየ፤ ኣብ መንገዲ ከይደኽሙ።”

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዓ “ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ነዝ ኽንድዙይ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘፅግብ እንጀራ ኻበይ ክንረክብ ንኽእል?” በልዎ።

ኢየሱስ ድማ “ክንደይ እንጀራ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ሸውዓተ፥ ቑሩብ ንኣሽቱ ዓሳውን” በሉ።

ሽዑ ነቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም። ነቲ ሸውዓተ እንጀራን ዓሳን ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ቈረሶ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም። ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ፤ ካብቲ ዝተረፈ ርፍራፍ ከዓ ሸውዓተ መሶብ መሊኦም ኣከቡ። እቶም ዝበልዑ ኸዓ ብዘይ ኣንስትን ህፃናትን ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ። ነቶም ህዝቢ ኣፋንዩ ኸዓ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ከባቢ መጋዳን ኸደ።