ካብ ሰማይ ምልክት ምሕታት
ጴጥሮስ ክርስቶስ፥ ወዲ ህያው ኣቦ ኢሉ ሰመዮ፥ ድሕሪ ቕሩብ ደቒቕ ከዓ እዝ ክርስቶስ ኺቕተል ከም ዘለዎ ኺሰምዕ ስለ ዝኣበየ ሰይጣን ተባህለ። ምስዓብ፥ ኢየሱስ ከም ዝበሎ፥ ርእስኻ ምኽሓድን መስቀል ምፅዋርን እምበር፥ ካብኡ ምድሓን ኣይኮነን።
16 1ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክፍትንዎ መፂኦም፥ ካብ ሰማይ ምልክት ከርእዮም ለመንዎ።
2ንሱ ኸዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ምሸት ምስ ኮነ፥ ‘ሰማይ ቀይሑ ኣሎ እሞ፥ ኣየር ፅቡቕ ክኸውን እዩ’ ትብሉ።”
3“ንግሆ ኸዓ፥ ‘ሰማይ ቀይሑን ፀሚልዩን ኣሎ እሞ፥ ሎሚ ህቦብላ ክኸውን እዩ’ ትብሉ። ገፅ ሰማይ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም፥ ምልክት እዋናት ግና ከተንብቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”
4“ክፉእን ዘማውን ትውልዲ ፥ ንምልክት እዩ ዝደሊ ዘሎ፤ ብዘይ ናይ ነቢይ ዮናስ ምልክት ግና ፥ ካልእ ዝወሃቦ ምልክት የብሉን።” ሽዑ ሓዲግዎም ከደ።
ማይ ብሑቕ ትምህርቲ ሓሰት
5ደቀ መዛሙርቱ ናብቲ ማዕዶ ምስ ተሳገሩ፥ እንጀራ ኽማልኡ ረሲዖም ነበሩ።
6ኢየሱስ ድማ “ተጠንቀቑ፥ ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠበቑ” በሎም።
7ንሳቶም ከዓ ንስንሳቶም እናተዘራረቡ “እንጀራ ስለ ዘይኣማሊእና እዩ” በሉ።
8ኢየሱስ ድማ ነዙይ ፈሊጡ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም እምነት ዝወሓደኩም፥ እንጀራ ስለ ዘይብልኩም ስለ ምንታይ ንስንሳትኩም ትዘራረቡ ኣለኹም? 9ገና ኣይተረዳእኩምን ዲኹም? ነቲ ሓሙሽተ እንጀራ ናይ እቶም ሓሙሽተ ሺሕ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዝኣከብኩምውን ኣይትዝክሩን ዲኹም?
10“ወይ ነቲ ሸውዓተ እንጀራ ናይ እቶም ኣርባዕተ ሺሕ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዝኣከብኩም?
11“ብዛዕባ እንጀራ ኸም ዘይተዛረብኩኹም ስለ ምንታይ ኣይተረዳእኩምን? ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑ።”
12ሽዑ ካብ ማይ ብሑቕ እንጀራ ዘይኮነስ፥ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክጥንቀቑ ኸም ዝበሎም ኣስተውዓሉ።
ጴጥሮስ ንወዲ ኣቦ መስከረ
13ኢየሱስ ናብ ከባቢ ቂሳርያ ፊልጶስ መፂኡ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ሰብ ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ?” ኢሉ ሓተቶም።
14ንሳቶም ድማ “ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፥ ገሊኦም ኤልያስ፥ ገሊኦም ድማ ኤርምያስ ወይ ሓደ ኻብ ነብያት ይብሉ” በልዎ።
15ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩምከ ንኣይ መን ትብሉኒ?” በሎም።
16ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ንስኻ ክርስቶስ፥ ወዲ ህያው ኣቦ ኢኻ” ኢሉ መለሰ።
17ኢየሱስ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኦ ስምኦን ወዲ ዮናስ፥ ብፁእ ኢኻ፤ እዙይ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፥ ስጋን ደምን ኣይገለፀልካን እዩ።
18“ኣነ ድማ እብለካ ኣለኹ፦ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፤ ኣብዛ ኽውሒ እዚኣ ድማ ቤተ ክርስቲያነይ ክሃንፅ እየ፤ ደጌታት ሲኦልውን ኣይስዕርዎን እዮም።
19“መፋትሕ መንግስቲ ኣቦና ድማ ክህበካ እየ፤ ኣብ ምድሪ ንዝኣሰርካዮ ዅሉ ፥ ኣብ ሰማይ እሱር ኮይኑ ክፀንሕ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ንዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ፥ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኮይኑ ክፀንሕ እዩ።”
20ሽዑ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ንደቀ መዛሙርቱ ኣትሪሩ ኣዘዞም።
ወልድ ክሳቐን ክትንስእን ኣለዎ
21ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ፥ ካብ ሽማግለታትን ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ብዙሕ መከራ ክቕበል፥ ክቕተል፥ ብሳልሳይ መዓልቲ ድማ ክትንስእ ከም ዘለዎ ንደቀ መዛሙርቱ ክነግሮም ጀመረ።
22ጴጥሮስ ድማ ንበይኑ ወሲዱ “ከምኡ ኣይኹን፥ ኦ ጐይታ! እዙይ ከቶ ኣይረኸበካን” ኢሉ ገሰፆ።
23ንሱ ግና ግልስ ኢሉ ንጴጥሮስ ከምዙይ በሎ፦ “ኦ ሰይጣን፥ ናብ ድሕረይ ኪድ! ንስኻ ዕንቅፋት ኢኻሞ፤ እቲ ኣቦና ዝግደሰሉ ዘይኮነስ፥ እቲ ሰብ ዝግደሰሉ ትሓስብ ኣለኻ።”
24ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዙይ በሎም፦ “ደድሕረይ ክስዕብ ዝደሊ ዅሉ፥ ንነፍሱ ይኽሓድ፥ መስቀሉ ፆይሩ ድማ ይስዓበኒ።
25“ንህይወቱ ኸድሕን ዝደሊ ዅሉ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፤ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ኺረኽባ እዩ።
26“ሓደ ሰብ ኵላ ዓለም እንተ ኣትረፈ፥ ንነፍሱ ግና እንተ ኣጥፍአ፥ እንታይ ይጠቕሞ? ወይ ሰብ ክንዲ ነፍሱ እንታይ ክህብ ይኽእል?
27“ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ሽዑ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ከም ግብሩ ክፈድዮ እዩ።
28“ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ኣብዙይ ደው ዝበሉ ኻብቶም ዘለዉ ገሊኦም፥ ወዲ ሰብ ብመንግስቱ ክመፅእ ክሳዕ ዝርእዩ፥ ሞት ኣይጥዕሙን እዮም።”