ኢየሱስ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ፀወዐ
ጴጥሮስ ለይቲ ምሉእ ገለ እኳ ኸይሓዘ ዓሳ ገፈፈ፤ ብቓል ኢየሱስ ግና ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝሓዘ፥ ካብኡ ኽርሕቕ ለመኖ። ሕማም ቈርበት ዝነበሮ ሰብ ተተንከየ። መፃጕዕ ሰብኣይ ድማ ብናሕሲ ወሪዱ፥ ብሓይሊ ኣቦና ይቕረ ተብሃለሉ፥ እዙይ ከዓ ንፀሓፍቲ ኣቘጥዖም። ሌዊ ኸዓ መቐበሊ ቐረፁ ሓዲጉ ተኸተሎ።
5 1ሓደ መዓልቲ፥ እቶም ህዝቢ ቃል ኣቦና ክሰምዑ ናብኡ እናተጋፍዑ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ቀላይ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። a a v1 ቀላይ ጌንሳሬጥ ካልእ ስም ባሕሪ ገሊላ እዩ። 2ኣብ ጥቓ እቲ ቀላይ ደው ኢለን ዝነበራ ኽልተ ጃላቡ ረአየ፤ እቶም ኣስገርቲ ዓሳ ኸዓ ኻብተን ወፂኦም መርበቦም ይሓፅቡ ነበሩ። 3ናብ ሓንቲ ኻብተን ጃላቡ፥ ናይ ስምኦን፥ ኣትዩ ኸዓ፥ ካብ ገምገም ቅሩብ ከርሕቕ ለመኖ፤ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ካብታ ጃልባ መሃሮም።
4ዘረባኡ ምስ ወድአ ድማ ፥ ንስምኦን “ናብ ዓሚቝ ማይ ደፍእ፥ ንምግፋፍ ድማ መርበብካ ኣውርድ” በሎ።
5ስምኦን ድማ “ጐይታይ፥ ለይቲ ምሉእ ፀኒሕና ገለ እኳ ኣይሓዝናን፤ ብቓልካ ግና መርበብ ከውርድ እየ” ኢሉ መለሰ። 6ከምኡ ምስ ገበሩ ድማ ፥ ብዙሕ ዓሳ ስለ ዝሓዙ፥ መርበቦም ክቕደድ ጀመረ። 7ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብፆቶም ክመፁ እሞ ክሕግዝዎም ጠቐሱሎም፤ መፂኦም ድማ ክልቲአን ጃላቡ ክሳዕ ዝጥሕላ ኣመልአወን። 8እዙይ ምስ ረአየ፥ ስምኦን ጴጥሮስ ኣብ ኣብራኽ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ፥ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ ካባይ ርሓቕ!” በለ። 9ንእኡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ በቲ ዝገፈፍዎ ዓሳ ምግራም ሒዝዎም ነበረ እሞ፤
10ከምኡ ድማ እቶም ምስ ስምኦን ብፆት ዝነበሩ፥ ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ዮሃንስን ተገረሙ። ኢየሱስ ድማ ንስምኦን “ኣይትፍራሕ፤ ካብ ሕዚ ጀሚርካ ንሰብ ክትገፍፍ ኢኻ” በሎ።
11ጃላቡኦም ናብ ገምገም ኣደዪቦም ድማ ፥ ኵሉ ነገር ሓዲጎም ተኸተልዎ።
ዝነፅሀ ሰብኣይ
12ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኸተማታት እንተሎ፥ ሕሱም ሕማም ቈርበት ዝመልኦ ሰብኣይ መፀ። ንኢየሱስ ምስ ረአየ ድማ ፥ ብገፁ ተደፊኡ “ጐይታ፥ ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ።
13ኢየሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፥ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ” ከዓ በሎ። ሽዑ ንሽዑ ድማ እቲ ሕማም ቈርበት ካብኡ ለቐቖ።
14ኢየሱስ ድማ ንዋላ ሓደ ኸይነግር ኣዘዞ፥ “ኪድ ደኣ፥ ንርእስኻ ነቲ ኻህን ኣርኣዮ፥ ንምንፃህካ ድማ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኣቕርብ፥ ንሰብ ምስክር ክኾኖም” በሎ።
15እቲ ብዛዕባኡ ዝወፀ ወረ ግና መሊሱ ተዘርግሐ፤ ብዙሓት ህዝቢ ኸዓ ክሰምዕዎን ካብ ሕማም ክሕወዩን ተኣከቡ። 16ኢየሱስ ግና መብዛሕቲኡ ጊዜ ናብ ፅምዊ ቦታታት ኣግሊሱ ይፅሊ ነበረ።
ሓይሊ ኣቦ ሓጢኣት ንምሕዳግ
17ሓደ መዓልቲ ኸዓ ክምህር እንተሎ፥ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላ፥ ካብ ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ዝመፁ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቐሚጦም ነበሩ። ንሕሙማት ንምሕዋይ ድማ ፥ ሓይሊ ኣቦና ኣብኡ ነበረ። 18እንሆ ኸዓ ፥ ገለ ሰባት ሓደ መፃጕዕ ሰብኣይ ኣብ ዓራት ፅዒኖም መፁ፤ ኣእትዮም ድማ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ከንብርዎ ይደልዩ ነበሩ። 19ብሰንኪ እቲ ህዝቢ ኣእትዮም ዘእትውሉ መገዲ ምስ ሰኣኑ፥ ናብ ናሕሲ ደዪቦም፥ ብመንጎ ጡብ ናሕሲ ምስ ዓራቱ ናብ ማእኸል፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣውረድዎ።
20ኢየሱስ እምነቶም ምስ ረአየ፥ “ኣታ ዓርከይ፥ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።
21እቶም ፀሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ “እዝ ንእግዚኣብሄር ዝፅርፍ መን እዩ? ብዘይ እግዚኣብሄር በይኑ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ክካትዑ ጀመሩ።
22ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ትሓስቡ ኣለኹም?” ኢሉ መለሰሎም። 23“ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” ምባል፥ ወይ “ተስእ ኪድ” ምባል፥ ኣየናይ ይቐልል? 24“ወዲ ሰብ ግና ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ናይ ምሕዳግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ” በለ፥ ነቲ መፃጕዕ ሰብኣይ ከዓ “እብለካ ኣለኹ፥ ተስእ፥ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ።
25ሽዑ ንሽዑ ድማ ኣብ ቅድሚኦም ተሲኡ፥ ዝድቅሰሉ ዝነበረ ዓራቱ ኣልዒሉ፥ ንኣቦና እናኽበረ ናብ ገዛኡ ከደ። 26ንዅሎም ድማ ምግራም ሓዞም፤ ፍርሓት መሊእዎም ከዓ “ሎሚ ዜደንቕ ነገር ርኢና ኢና” እናበሉ ፥ ንኣቦና ኣኽበሩ።
ኢየሱስ ንሌዊ ፀወዐ
27ድሕሪ እዙይ ኢየሱስ ወፂኡ፥ ሌዊ ዝስሙ ተቐባሊ ቐረፅ ኣብ መቐበሊ ቐረፅ ተቐሚጡ እንተሎ ረአዮ። “ተኸተለኒ” ድማ በሎ።
28ሌዊ ኸዓ ተሲኡ፥ ኵሉ ነገር ሓዲጉ ተኸተሎ። 29ሽዑ ሌዊ ኣብ ገዛኡ ንኢየሱስ ዓብዪ ድግስ ገበረሉ፤ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን ካልኦት ሰባትን ድማ ምሳቶም ኣብ ማእዲ ተቐመጡ። 30እቶም ፈሪሳውያንን ፀሓፍቶምን ግና ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን?” እናበሉ ኣጕረምረሙ።
31ኢየሱስ ድማ “ሓኪም ዘድልዮም ሕሙማት ደኣ እምበር፥ ጥዑያት ኣይኮኑን። 32ንሓጥኣን ናብ ንስሃ ደኣ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” ኢሉ መለሰሎም።
ብዛዕባ ፆም ዝቐረበ ሕቶ
33ንሳቶም ድማ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መብዛሕቲኡ ጊዜ ይፆሙን ይፅልዩን፥ ከምኡ ኸዓ ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያን፤ ናትካ ግና ይበልዑን ይሰትዩን እዮም” በልዎ።
34ኢየሱስ ድማ “ነቶም ኣዕሩኽ መርዓዊ፥ መርዓዊ ምሳታቶም እንተሎ፥ ከተፅውሞምዶ ትኽእሉ? 35እቲ መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደሉ መዓልቲታት ግና ክመፅእ እዩ፤ ሽዑ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ክፆሙ እዮም” በሎም።
36ምስላ ኸዓ ነገሮም፦ “ዋላ ሓደ ኻብ ሓድሽ ክዳን ኵርፊት ቀዲዱ ኣብ ኣረጊት ክዳን ኣይሰፍዮን። እንተ ዘይኮነ፥ ነቲ ሓድሽ ይቐድዶ፤ እቲ ሓድሽ ኵርፊትውን ነቲ ኣረጊት ኣይሰማምዖን። 37ዋላ ሓደ ድማ ሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረጊት ሓርቢ ወይኒ ኣይገብርን፤ እንተ ዘይኮነ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ሓርቢ ይቐዶ፥ ይፈስስ፥ እቲ ሓርቢ ኸዓ ይጠፍእ። 38ሓድሽ ወይኒ ደኣ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ወይኒ ክግበር ኣለዎ እምበር። 39ኣረጊት ወይኒ ዝሰተየ ዋላ ሓደ ድማ ፥ ‘እቲ ኣረጊት ይሓይሽ’ ይብል እዩ እሞ፥ ነቲ ሓድሽ ኣይደልን።”