ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኢየሱስ ጐይታ ሰንበት

ክልተ ባእሲ ሰንበት ንፀላእቱ ኣዀረዮም። ምሉእ ለይቲ ናብ ኣቦኡ ድሕሪ ምፅላይ ድማ ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ሰመየ፥ ኣብ ጐልጐል ኮይኑ ኸዓ መሃረ፦ ንድኻታትን ጥሙያትን በረኸት፥ ንፅጉባትን ብሰብ ዝንኣዱን ወይለ፥ ንፀላእቲ ፍቕሪ፥ ከምኡውን ምስማዕ ብዘይ ምግባር መሰረት ከም ዘይሃንፅ ዝሕብር መጠንቀቕታ።

ምዕራፍ 6።

ኢየሱስ ብሓደ ሰንበት ብግራት እኽሊ ይሓልፍ ነበረ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሰዊት ቘሪፆም ብኣእዳዎም ሓሺኾም በልዑ። ገለ ኻብቶም ፈሪሳውያን ድማ “እቲ ብሰንበት ዘይግባእ ስለ ምንታይ ትገብሩ ኣለኹም?” በሉ።

ኢየሱስ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ዳዊት፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ ዝገበሮ ኣየንበብኩምዶ፥ ናብ ቤት ኣቦና ኣትዩ ነቲ ኅብስተ ገፅ ወሲዱ በሊዑ፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ድማ ሃቦም፤ እዝ ኅብስቲ እዙይ ግና ብዘይ ካህናት ንዝኾነ ሰብ ክበልዖ ኣይግባእን እዩ።” ሽዑ “ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ” በሎም።

ብኻልእ ሰንበት ድማ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ መሃረ፤ ኣብኡ ኸዓ የማነይቲ ኢዱ ዝደረቐት ሰብኣይ ነበረ። ፀሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፥ ዝኸሱሉ ነገር ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ብሰንበት ኬሕዊ እንተ ኾይኑ፥ ኣፅቢቖም ይዕዘብዎ ነበሩ።

ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ ነቲ ኢዱ ዝደረቐት ሰብኣይ “ተሲእካ ኣብዙይ ደው በል” በሎ። ንሱ ኸዓ ተሲኡ ደው በለ። ሽዑ ኢየሱስ “ክሓተኩም፥ ብሰንበት ፅቡቕ ምግባር ወይ ክፉእ ምግባር፥ ህይወት ምድሓን ወይ ምጥፋእ፥ ኣየናይ እዩ ዝግባእ?” በሎም። ናብ ኵሎም ኣማዕድዩ ጠሚቱ ድማ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ ከምኡ ገበረ፤ ኢዱውን ሓወየት።

ንሳቶም ግና ብቝጥዓ መሊኦም፥ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ንስንሳቶም ተዘራረቡ።

እቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ተመርፁ

በተን መዓልቲታት እቲኣተን ድማ ኢየሱስ ክፅሊ ናብ እምባ ወፀ፤ ምሉእ ለይቲ ኸዓ ናብ ኣቦና እናፀለየ ሓደረ። ምስ ወግሐ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ ካባታቶም ዓሰርተ ኽልተ መረፀ፤ ሃዋርያት ኢሉውን ሰመዮም፦ ስምኦን፥ ነዙይ ጴጥሮስ ኢሉ ሰመዮ፥ ሓዉ እንድርያስ፥ ያእቆብ፥ ዮሃንስ፥ ፊልጶስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ማቴዎስ፥ ቶማስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ እቲ ቀናኢ ዝተብሃለ ስምኦን፥ ይሁዳ ወዲ ያእቆብ፥ እቲ ኸዳዓይ ዝኾነ ይሁዳ ኣስቆሮታውን እዮም።

ሓይሊ ኣቦና ነቲ ህዝቢ የሕዊ

ምሳታቶም ወሪዱ ኣብ ጐልጐል ደው በለ፤ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱን፥ ካብ ኵሉ ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶንን ዝመፁ ብዙሓት ህዝብን ኣብኡ ነበሩ። ክሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ክሕወዩን ድማ መፁ፤ እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ኸዓ ሓወዩ። ካብኡ ሓይሊ ወፂኡ ንዅሎም የሕዊ ስለ ዝነበረ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ክትንክፎ ይደሊ ነበረ።

ናብ ደቀ መዛሙርቱ ቛሕ ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ንስኻትኩም ድኻታት፥ መንግስቲ ኣቦና ናትኩም እያ እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም።

“ንስኻትኩም ሕዚ እትጠምዩ ብፁኣን ኢኹም፥ ክትፀግቡ ኢኹም እሞ። ንስኻትኩም ሕዚ እትበኽዩ ብፁኣን ኢኹም፥ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ። ሰባት ምእንቲ ወዲ ሰብ ኢሎም ምስ ፀልኡኹም፥ ምስ ኣግለሉኹምን ምስ ፀረፉኹምን ስምኩም ድማ ከም እኩይ ምስ ደርበዩ፥ ብፁኣን ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ተሓጐሱ፥ ብሓጐስ ከዓ ዘሉ፤ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ዓብዪ እዩ እሞ፤ ኣቦታት እቶም ዝሰጉ ንነቢያት ከምኡ ገይሮምዎም እዮም እሞ።

ንስኻትኩም ሃብታማት ግና፥ ምፅንናዕኩም ድሮ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም። ንስኻትኩም ሕዚ ዝፀገብኩም፥ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም። ንስኻትኩም ሕዚ እትስሕቁ፥ ክትሓዝኑን ክትበኽዩን ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም። ኵሉ ሰብ ፅቡቕ ምስ ዝዛረበልኩም፥ ኣቦታት እቶም ፅቡቕ ዝዛረቡ ነቶም ናይ ሓሰት ነብያት ከምኡ ገይሮምዎም እዮም እሞ፥ ወይለኹም።

ንፀላእትኹም ኣፍቅሩ

ንስኻትኩም እትሰምዑ ግና እብለኩም ኣለኹ፦ ንፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ነቶም ዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ነቶም ዝረግሙኹም መርቑ፤ ነቶም ዝገፍዑኹም ፀልዩሎም። ኣብ ሓደ መትልሕካ ንዝፀፍዐካ፥ እታ ኻልአይቲ እውን ሃቦ፤ ነቲ ባርኖስካ ንዝወስደካ፥ ቀምሽካ እውን ኣይትኽልኣዮ። ንዝሓተካ ዅሉ ሃቦ፤ እቲ ኻባኻ ዝተወስደ ኸዓ ተመሊሱ ኣይትደልዮ። ሰብ ንኣኻትኩም ክገብረልኩም ከም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩም እውን ንሰባት ከምኡ ግበሩ።

ነቶም ዘፍቅሩኹም እንተ ኣፍቀርኩም፥ እንታይ ምስጋና ኣለኩም? ሓጥኣን እኳ ነቶም ዘፍቅርዎም የፍቅሩ እዮም። ነቶም ፅቡቕ ዝገብሩልኩም ፅቡቕ እንተ ገበርኩምሎም፥ እንታይ ምስጋና ኣለኩም? ሓጥኣን እኳ ከምኡ ይገብሩ እዮም። ክትምለሰልኩም እናተፀቤኹም እንተ ኣለቃሕኩም፥ እንታይ ምስጋና ኣለኩም? ሓጥኣን እኳ ክንድኡ ተመሊሱሎም ክቕበሉ ኢሎም ንሓጥኣን የለቅሑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ንፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ፅቡቕ ግበሩ፤ ዝኾነ ተመሊሱልኩም ከይተፀቤኹም ድማ ኣለቅሑ፤ ዓስብኹም ዓብዪ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑል ድማ ክትኮኑ ኢኹም፤ ንሱ ነቶም ዘየመስግኑን እኩያትን ለጋስ እዩ እሞ። ኣቦኹም መሓሪ ኸም ዝኾነ፥ ንስኻትኩም እውን መሓርቲ ኹኑ።

ኣይትፍረዱ

ኣይትፍረዱ፥ ኣይፍረደኩምን እዩ። ኣይትኵንኑ፥ ኣይኵነኑኹምን እዩ። ይቕረ በሉ፥ ይቕረ ክበሃለልኩም እዩ። ሃቡ፥ ክውሃበኩም ድማ እዩ፤ ፅቡቕ መለክዒ፥ ተጨቍጪቑ፥ ተነቕኒቑ፥ ተትረፍሪፉ ኸዓ ኣብ ሕቑፍኹም ክኽዓወልኩም እዩ። በቲ እትምዝኑሉ መለክዒ ተመሊሱ ክምዘነልኩም እዩ እሞ።”

ከምዙይ ኢሉ ድማ ምስላ መሰለሎም፦ “ዕዉር ንዕዉር ክመርሕ ይኽእል ድዩ? ክልቲኦም ናብ ጉድጓድ ኣይወድቁን? ካብ መምህሩ ዝበልፅ ተምሃራይ የለን፤ ፍፁም ዝሰልጠነ ዅሉ ግና ከም መምህሩ ይኸውን። ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በፍ እትርኢ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ግና እትስሕቶ ስለምንታይ ኢኻ? ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ኽነስኻ ዘይትርእዮ፥ ንሓውካ ‘ሓወይ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ በፍ ከውፅኣልካ ሕደገኒ’ ኢልካ ከመይ ኢልካ ክትብሎ ትኽእል? ኣቱ ግቡዝ! ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ኣውፅኦ፥ ሽዑ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በፍ ከተውፅእ ፅቡቕ ጌርካ ክትርኢ ኢኻ።

ብፍሪኻ ትልለ ኢኻ

ፅቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኣይፈርን እዩ፤ ከምኡውን ሕማቕ ኦም ፅቡቕ ፍረ ኣይፈርን እዩ እሞ። ኵሉ ኦም ብፍሪኡ ይልለ፤ ካብ እሾዅ በለስ ኣይልቐምን፥ ካብ ኣሻዅ ቈጥቋጥውን ወይኒ ኣይቅንጠብን። ሕያዋይ ሰብ ካብ ሕያዋይ መዝገብ ልቡ ሰናይ የውፅእ፤ ክፉእ ሰብ ከዓ ካብ ክፉእ መዝገቡ ክፉእ የውፅእ፤ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ።

ኣብ ከውሒ ህነፅ

‘ጐይታይ፥ ጐይታይ’ ኢልኩም እትፅውዑኒ፥ እቲ ዝብለኩም ድማ ዘይትገብሩ ስለምንታይ ኢኹም? ናባይ ዝመፅእ፥ ቃለይ ሰሚዑ ዝገብሮ ዅሉ፥ ንመን ከም ዝመስል ከርእየኩም እየ፦ ንሱ ገዛ ዝሰርሕ፥ ዓሚቑ ኵዒቱ ሰረቱ ኣብ ከውሒ ዘንበረ ሰብኣይ ይመስል። ውሕጅ ምስ መፀ፥ እቲ ፈለግ ነታ ገዛ እቲኣ ተላዕላ፥ ፅቡቕ ጌሩ ስለ ዝሰርሓ ግና ከንቀሳቕሳ ኣይከኣለን። ቃለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና፥ ገዛ ብዘይ ሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሐ ሰብኣይ ይመስል። እቲ ፈለግ ተላዕላ፥ ብኡብኡ ድማ ወደቐት፤ ውድቀት እታ ገዛ እቲኣ ከዓ ዓብዪ ነበረ።”