ፈተውቲ እዮብ ስቕ በሉ
እቶም ሰለስተ ፈተውቲ ይሕድጉ፥ ኤሊሁ ዝስሙ መንእሰይ ድማ፥ ኵሉ ጊዜ እናሰምዐ ፀኒሑ፥ ይቛፀ፦ ንርእሱ ስለ ዘፅደቐ ኣብ ኢዮብ ተቘጥዐ፥ መልሲ ኸይረኸቡ ስለ ዝኾነንዎ ድማ ኣብቶም ፈተውቲ ተቘጥዐ። ጥበብ ካብ እስትንፋስ እቲ ዅሉ ዝኽእል እምበር ካብ ዝሸየበ ፀጕሪ ኸም ዘይኮነ ይብል።
32 1እዞም ሰለስተ ሰባት ከዓ፥ ኢዮብ ኣብ ዓይኑ ፃድቕ ስለ ዝነበረ፥ ንኢዮብ ምምላስ ሓደጉ። 2ሽዑ ካብ ዓሌት ኣራም ዝኾነ ኤሊሁ ወዲ ባራክኤል ቡዛዊ የመና ተቘጥዐ። ካብ እግዚኣብሄር ንላዕሊ ንርእሱ ስለ ዘፅደቐ ድማ፥ ቍጥዓኡ ኣብ ኢዮብ ነደደ። 3ነቶም ሰለስተ ፈተውቲ ኢዮብ ድማ፥ መልሲ ስለ ዘይረኸቡ ንኢዮብ ግና ስለ ዝኾነንዎ፥ ቍጥዓኡ ኣብኣቶም ነደደ። 4ኤሊሁ ኸዓ፥ እቶም ካልኦት ካብኡ ዝኣረጉ ስለ ዝነበሩ፥ ንኢዮብ ክዛረቦ ተፀበየ ነበረ። 5ኤሊሁ ግና፥ እዞም ሰለስተ ሰባት ዝብልዎ ከም ዘይብሎም ምስ ረአየ፥ ተቘጥዐ። 6ኤሊሁ ወዲ ባራክኤል ቡዛዊ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ኣነ ብዕድመ ንእሽተይ እየ፥ ንስኻትኩም ድማ ኣረጋውያን ኢኹም፤ ስለዙይ ፍልጠተይ ክነግረኩም ፈሪሐ ተዓገስኩ። 7ከምዙይ ሓሰብኩ፥ ‘ዕድመ ይዛረብ፤ ብዙሕ ዓመታት ድማ ጥበብ ይምሃር።’ 8ግና ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ፥ እስትንፋስ እቲ ዅሉ ዝኽእል፥ ንሱ እዩ ምስትውዓል ዝህብ። 9ጠቢባን እቶም ኣረጋውያን ኣይኮኑን፤ ቅኑዕ ዘስተውዕሉ ኸዓ እቶም ሽማግለታት ኣይኮኑን። 10ስለዙይ ስምዑኒ እብል ኣለኹ፤ ኣነውን እቲ ዝፈልጦ ክነግር እየ። 11እንሆ፥ ንቓላትኩም ተፀበኹ፤ ንስኻትኩም እትብልዎ እናደለኹም ከለኹም፥ ንርትዕኹም ፅን ኢለ ሰማዕኹ። 12ኣፀቢቐ ኣድሃብኩልኩም፤ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ግና ንእዮብ ኣይረትዖን፤ ንዘረባኡ ዝመለሰሉውን የለን። 13ስለዙይ፥ ‘ጥበብ ረኺብና፤ ሰብ ዘይኮነ፥ እግዚኣብሄር ይረትዓዮ’ ኣይትበሉ። 14ኢዮብ ቃላቱ ኣባይ ኣይሰለፈን፤ ኣነ ኸዓ ብዘረባኹም ኣይምልሰሉን እየ። 15ተሸበሩ፤ ዝብልዎ ድማ የብሎምን፤ ቃላት ጠፍኦም። 16ሕዚ ስቕ ኢሎም ከለዉ፥ መልሲ ኸይሃቡ ደው ኢሎም ከለዉ፥ ክፅበዶ? 17ኣነውን ብወገነይ ክምልስ እየ፤ ኣነውን እቲ ዝፈልጦ ክነግር እየ። 18ቃላት መሊአ ኣለኹ እሞ፤ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ የገድደኒ ኣሎ። 19እንሆ ኣብ ውሽጠይ፥ መተንፈሲ ከም ዘይብሉ ወይኒ፥ ክቕደድ ከም ተዳለወ ሓድሽ ሓርቢ ወይኒ እየ። 20ተዛሪበ ዕረፍቲ ክረክብ እየ፤ ከናፍረይ ከፊተ ክምልስ እየ። 21ንዋላ ሓደ ኣየዳሉን እየ፤ ንዋላ ሓደ ሰብውን ኣይለጕምን እየ፤ 22ምልጓም ኣይፈልጥን እየ እሞ፤ ዝፈልጥ እንተ ዝኸውን፥ ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ምወሰደኒ ነይሩ።”