ናይ ኢዮብ መሓላ ብዛዕባ ንፁህ ልቢ
ኢዮብ ብመሓላ ይውድእ፥ ህይወቱ ነገር ብነገር እናገለፀ፦ ፍትወት ከም ዘይነበሮ፥ ከም ዘይሓሰወ፥ ንጊልያ ፍትሒ ኸም ዘይከልአ፥ ዘኽታም እናተጠምየ በይኑ ኸም ዘይበልዐ፥ ንወርቂ ኸም ዘይተኣመነ። ፈሪሙ ኸዓ ነቲ ክሲ ይሓትት፤ ሽዑ ቃላቱ ብቐሊሉ ይቋረፅ።
31 1“ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ገበርኩ፤ እንተዀነ ደኣ ከመይ ኢለ ንድንግል እጥምታ? 2ካብ ላዕሊ ዘሎ እግዚኣብሄር እንታይ ግደ ምተረኽበኒ፥ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኵሉ ዝኽእል ከዓ እንታይ ርስቲ? 3ንዓመፀኛታት መዓት ኣይኮነን፥ ነቶም እከይ ዝገብሩ ኸዓ ጥፍኣት ኣይኮነን? 4ንመገደይዶ ኣይርእን እዩ፥ ኵሉ ስጕምተይ ከዓ ኣይቈፅርን?
5“ብሓሰት እንተ ነበርኩ፥ እግረይ ከዓ ናብ ተንኰል እንተ ቐልጢፉ፥ 6ብቕኑዕ ሚዛን ይምዘነኒ፥ ንፅህና ልበይ ድማ እግዚኣብሄር ይፍለጦ፥ 7ስጕምተይ ካብ መገዲ እንተ ኣግሊሱ፥ ልበይ ከዓ ነዒንተይ እንተ ሰዒቡ፥ ርኽሰት ድማ ኣብ ኣእዳወይ እንተ ተለጊቡ፥ 8ኣነ ክዘርእ ካልእ ከዓ ይብላዕ፥ እቲ ንዓይ ዝበቍል ድማ ይተነቀል።
9“ልበይ ብሰበይቲ እንተ ተሳሒቡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ጐረቤተይ ድማ እንተ ተሓባእኩ፥ 10ሰበይተይ ንኻልእ ሰብኣይ ተገልግል፥ ካልኦት ድማ ምስኣ ይደቅሱ። 11እዙይ ነውሪ ገበን እዩ እሞ፥ ፍርዲ ዝግብኦ ሓጢኣት እዩ፤ 12ክሳዕ ጥፍኣት ዝበልዕ ሓዊ እዩ እሞ፥ ኵሉ እቶተይ ምቓፀለ።
13“ጊልያይ ወይ ግረደይ ኣብ ልዕለይ ኣቤቱታ ኣብ ዘቕርቡለይ እዋን፥ ፍትሖም እንተ ኸላእክዎም፥ 14እግዚኣብሄር ምስ ተስአ ደኣ እንታይ ክገብር እየ? ንሱ ንተሓታትነት ምስ ፀውዐኒ፥ እንታይ ክመልሰሉ? 15እቲ ኣብ ማህፀን ዝገበረኒ፥ ንጊልያይውን ዝገበሮ ኣይኮነን? እቲ ሓደ ኣብ ማህፀን ንኽልቴና ዘቐረፀና ኣይኮነን?
16“ነቲ ድኻ ኻብ ዘድልዮ እንተ ኸልአኩ፥ ወይ ኣዒንቲ መበለት እንተ ኣድከምኩ፥ 17ወይ ምግበይ በይነይ እንተ በሊዐ፥ እቲ ደኽታም ከይበልዐ እንተሎ፥ 18ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ግና ከም ኣቦ ገይረ ኣዕብይዎ፥ ካብ ማህፀን ኣደይ ጀሚረ ድማ ንመበለትን መራሕክዋ፥ 19ሓደ ሰብ ብዘይ ክዳን ክጠፍእ እንተ ረአኹ፥ ወይ ድኻ ዝኽደኖ ዘይብሉ እንተ ረአኹ፥ 20ብምሉእ ነፍሱ እንተ ዘይባረኸኒ፥ ብፀምሪ ኣባጊዐይ ስለ ዘውዐኽዎ፥ 21ኣብ ቤት ፍርዲ ደገፈይ ስለ ዝረአኹ፥ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ደኽታም እንተ ኣልዓልኩ፥ 22መንኩበይ ካብ መትከሉ ይመለቕ፥ ቅልፅመይ ከዓ ካብ መሓውር ይስበር። 23ካብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ መዓት ፍርሓት ኮነኒ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ግርማኡ ገለ እኳ ክገብር ኣይከኣልኩን።
24“ንወርቂ ትውክልተይ እንተ ገይረ፥ ወይ ነቲ ፅሩይ ወርቂ ‘ንስኻ ውሕስነተይ ኢኻ’ እንተ ኢለ፥ 25ሃብተይ ብምብዛሑ፥ ኢደይ ብዙሕ ብምርካባ እንተ ተሓበንኩ፥ 26ነታ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ እንተ ረአኹ፥ ወይ ነቲ ወርሒ ብግርማ እናተንቀሳቐሰ እንተ ረአኹ፥ 27ልበይ ብምስጢር እንተ ተሳሒቡ፥ ኣፈይ ድማ ብኢደይ ንምምላኾም እንተ ሰዓመቶም፥ 28እዙይውን ፍርዲ ዝግብኦ ሓጢኣት እዩ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እግዚኣብሄር ክሒደ ኣለኹ እሞ።
29“ብጥፍኣት እቲ ዝፀልኣኒ እንተ ተሓጐስኩ፥ ወይ መዓት ምስ ኣርከቦ እንተ ተሓበንኩ። 30ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ርግማን ብምውራድ፥ ኣፈይ ክሓጥእ ከቶ ኣይሓደግኩን፥ 31ሰብ ቤተይ፥ ‘ካብ መኣዱ ዘይፀገበ መን ኣሎ?’ እንተ ዘይበሉ፥ 32ንሓላፊ መንገዲ ማዕፆ ገዛይ ስለ ዝኸፈትኩሉ፥ ጋሻ ኣብ ኣደባባይ ኣይሓደረን። 33ከም ካልኦት ሓጢኣተይ እንተ ኸዊለ፥ በደለይ ኣብ ውሽጢ ልበይ እንተ ሓቢአ፥ 34ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ኣዝየ ስለ ዝፈራሕኩ፥ ንዕቐት ዓሌታት ከዓ ስለ ዘሸበረኒ፥ ስቕ ኢለ ናብ ደገ ኣይወፃእኩን።
35“ዝሰምዓኒ ሰብ እንተ ዝህሉ! እንሆ ምልክት ኢደይ፥ እቲ ኵሉ ዝኽእል ይመልሰለይ! መኸሰስየይ ክሱ ይፃፍ! 36ብርግፅ ኣብ መንኵበይ ምፆርክዎ፥ ከም ኣኽሊል ገይረ ኣብ ርእሰይ ምዐሰርክዎ። 37ናይ ዅሉ ስጕምተይ ፀብፃብ ምሃብክዎ፤ ከም መስፍን ናብኡ ምቐረብክዎ።
38“ምድረይ ኣንፃረይ እንተ ጨሪሓ፥ ትልምታታ ድማ ብሓባር እንተ በኸያ፥ 39ፍሬኣ ብዘይ ዋጋ እንተ በሊዐ፥ ህይወት ዋናታት እታ ምድሪ ከዓ እንተ ኣጥፋእኩ፥ 40ኣብ ክንዲ ስርናይ ኣሜከላ፥ ኣብ ክንዲ ስገም ከዓ ክርዳድ ይብቍል።” ቃላት እዮብ ተወድኡ።