ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሓደ ቛንቋ፥ ሓደ ህዝቢ

ሓደ ቛንቋ፥ ሓደ መደብ፦ ህዝቢ ምእንቲ ኸይበታተን፥ ግንብን ስምን። ኣቦና ግና ወሪዱ ቛንቋኦም ኣደባለቐ፥ ብዝኾነ መንገዲ ኸዓ በተኖም። ድሕሪኡ እዝ ምዕራፍ ናብ ስድራ ታራሕ፥ ካብ ኡር እናወፁ፥ ኣቕንዐ፤ ሶራ ኸዓ ክትወልድ ዘይትኽእል ነበረት።

ምዕራፍ 11።

ኵላ ምድሪ ድማ ሓደ ቛንቋን ሓደ ዓይነት ዘረባን ነበራ። ናብ ምብራቕ እናተጓዓዙ ኸለዉ ድማ፥ ኣብ ሃገር ሰናዖር ሓደ ጐልጐል ረኸቡ፤ ኣብኡ ኸዓ ተቐመጡ። ነንሓድሕዶም ድማ “ንዑናይ! ጡብ ንስራሕ እሞ ፅቡቕ ጌርና ነንድዶ” ተበሃሃሉ። ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፥ ቕጥራን ከዓ ኣብ ክንዲ ጭቃ ተጠቐሙ። ሽዑ “ንዑናይ! ከተማ፥ ርእሱ ናብ ሰማይ ዝበፅሕ ግንቢ ድማ ንስራሕ፤ ኣብ ልዕሊ ገፅ ኵላ ምድሪ ከይንበታተን ድማ ስም ንግበረልና” በሉ።

ኣቦና ግና ነታ እቶም ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግንብን ክርኢ ወረደ። a a v5 ኣብ ኵሉ ዘሎ ኣቦና፥ “ወረደ” ኢሉ ተገሊፁ ኣሎ፤ እዙይ ንሱ ሓደ ነገር ንምግባር ናብ ሰብ ብምቕራቡ፥ ብቛንቋ ደቂ ሰብ ዝተገልፀ እዩ።

ኣቦና ድማ ከምዙይ በለ፦ “እንሆ፥ ንሳቶም ሓደ ህዝቢ፥ ሓደ ቛንቋ ዘለዎም እዮም፤ እዝ ከዓ ዝገብርዎ ዘለዉ መጀመርታ ጥራሕ እዩ። ሕዚ ድማ ክገብርዎ ዝሓሰብዎ ዝኾነ ነገር ዝሰኣኖም የለን። ንዑናይ! ናብኡ ወሪድና ቛንቋኦም ነደባልቕ፤ ሓደ እኳ ቛንቋ ብፃዩ ምእንቲ ኸየስተውዕል።”

ኣቦና ድማ ካብኡ ኣብ ልዕሊ ገፅ ኵላ ምድሪ በተኖም፤ ነታ ኸተማ ምህናፅ ከዓ ገደፉ። ስለዙይ ድማ ስማ ባቢሎን ተባህለ፤ ኣቦና ኣብኡ ቛንቋ ኵላ ምድሪ ስለ ዘደባለቐ እዩ፤ ካብኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ገፅ ኵላ ምድሪ በተኖም። b b v9 እቲ ባቢሎን ዝብል ስም፥ ምስ “ደባለቐ” ዝብል ቃል ይመሳሰል፤ እዙይ ነታ ኣቦና ንቛንቋ ደቂ ሰብ ዘደባለቐላ ቦታ ዘመልክት እዩ።

ትውልዲ ሴም

ትውልዲ ሴም ከምዙይ እዩ፦ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ከሎ፥ ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ኣብ ካልኣይ ዓመት ንኣርፋክስድ ወለደ። ሴም ንኣርፋክስድ ምስ ወለደ፥ ድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ።

ኣርፋክስድ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንሳላ ወለደ። ኣርፋክስድ ንሳላ ምስ ወለደ፥ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ።

ሳላ ሰላሳ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንኤቦር ወለደ። ሳላ ንኤቦር ምስ ወለደ፥ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ።

ኤቦር ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንፋሌቅ ወለደ። ኤቦር ንፋሌቅ ምስ ወለደ፥ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ።

ፋሌቅ ሰላሳ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንራግው ወለደ። ፋሌቅ ንራግው ምስ ወለደ፥ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ነበረ፤ ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ።

ራግው ሰላሳን ክልተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንሴሮሕ ወለደ። ራግው ንሴሮሕ ምስ ወለደ፥ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ሸውዓተን ዓመት ነበረ፤ ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ።

ሴሮሕ ሰላሳ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንናኮር ወለደ። ሴሮሕ ንናኮር ምስ ወለደ፥ ድሕሪኡ ክልተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ።

ናኮር ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንታራ ወለደ። ናኮር ንታራ ምስ ወለደ፥ ድሕሪኡ ሚእትን ዓሰርተ ትሽዓተን ዓመት ነበረ፤ ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ።

ታራ ሰብዓ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሃራን ወለደ።

ስድራ ታራ

ትውልዲ ታራ እምበኣር ከምዙይ እዩ፦ ታራ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሃራን ወለደ፤ ሃራን ከዓ ንሎጥ ወለደ። ሃራን ድማ ቅድሚ ኣቦኡ ታራ፥ ኣብ መረበቱ፥ ኣብ ኡር ዓዲ ከለዳውያን ሞተ። ኣብራምን ናኮርን ኣንስቲ ኣእተዉ፤ ስም ሰበይቲ ኣብራም ሶራ፥ ስም ሰበይቲ ናኮር ድማ ጓል ሃራን ዝኾነት ሚልካ ነበረ፤ ሃራን ድማ ኣቦ ይስካ እውን እዩ። ሶራ ግና መኻን ነበረት፤ ውሉድ ድማ ኣይነበራን። ታራ ድማ ንወዱ ኣብራም፥ ንወዲ ወዱ ሎጥ ወዲ ሃራን፥ ንሰበይቲ ወዱ ሶራ ሰበይቲ ኣብራም ወሲዱ፥ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸዱ ኻብ ኡር ዓዲ ከለዳውያን ወፁ፤ ናብ ካራን ምስ በፅሑ ኸዓ ኣብኡ ተቐመጡ። ታራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ካራን ከዓ ሞተ።