ብኣቦና ዝመፅእ ሰላምን ተስፋን
ፃድቃን ምዃን ምስ ኣቦና ሰላም የምፅእ፥ ጳውሎስ ከዓ ነቲ መከራ ኸም ተፃራሪ ዘይኮነ ኸም መረጋገፂ ይወስዶ፦ ትዕግስቲ፥ ፅንዓት፥ ተስፋ የፍሪ። ገና ፀላእቲ እንተለና ክርስቶስ ምእንታና ሞተ። ሽዑ ኣዳምን ክርስቶስን ጎኒ ንጎኒ ይቕመጡ — ሓደ ግብሪ ዘጥፍእ፥ ሓደ ግብሪ ኸዓ ዘፍስስ።
5 1እምበኣር፥ ብእምነት ፃድቃን ካብ ኮንና፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይርና ምስ ኣቦና ሰላም ኣለና። 2ብእኡ ድማ ናብዛ ደው ዝበልናላ ፀጋ፥ ብእምነት መእተዊ ረኺብና ኢና፤ ብተስፋ ክብሪ ኣቦናውን ንሕጐስ። 3ከምኡ ጥራሕ ዘይኮነ ግና፥ መከራ ትዕግስቲ ኸም ዝፈርዮ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ ብመከራናውን ንሕበን ኢና። 4ትዕግስቲ ድማ ፅንዓት ይፈሪ፤ ፅንዓትውን ተስፋ ይፈሪ። 5እዝ ተስፋ እዙይ ኣየሕፍረናን እዩ፤ ፍቕሪ ኣቦና በቲ ንኣና ዝተውሃበ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ፈሲሱ እዩ እሞ።
6ገና ድኹማት እንተለና ኸሎ፥ ክርስቶስ በቲ ግቡእ ጊዜ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ። 7ምእንቲ ፃድቕ ሰብ ዝመውት ሳሕቲ እዩ ዝርከብ፤ ምእንቲ ሰናይ ሰብ ግና ኽመውት ዝደፍር ምናልባሽ ይህሉ ይኸውን። 8ኣቦና ግና ፍቕሩ ንኣና ኸምዙይ ይገልፅ፦ ገና ሓጥኣን እንተለና ኸሎ፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ። a a v8 ኣቦና ፍቕሩ ኣብ መስቀል የረጋግፆ፤ ገና ርሑቓት ካብኡ እንተለና ኸሎ፥ ንወዱ ምእንታና ብምሃብ።
9እምበኣር ሕዚ ብደሙ ፃድቃን ካብ ኮንና፥ ብእኡ ጌርና ኻብ ቍጥዓ ኽንድሕን ክንደይ ኣዝዩ ይበልፅ። 10ፀላእቲ ኸለና፥ ብሞት ወዱ ምስ ኣቦና ተዓሪቕና እንተ ዄንና፥ ሕዚ ተዓሪቕና ኸለና ኸ፥ ብህይወቱ ኽንድሕን ክንደይ ኣዝዩ ይበልፅ። 11ከምኡ ጥራሕ ዘይኮነ ግና፥ በቲ ሕዚ ዕርቂ ዝተቐበልናሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይርና፥ ብኣቦናውን ንሕጐስ ኢና።
ብኣዳም ዝመፅአ ሞት፥ ብክርስቶስ ዝመፅአ ህይወት
12ስለዙይ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፥ ብሓጢኣት ድማ ሞት ዝኣተወ፥ ኵሉ ሰብ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ፥ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ በፅሐ። 13ቅድሚ ሕጊ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ፤ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ግና ሓጢኣት ኣይቚፀርን እዩ። 14ይኹን እምበር፥ ሞት ካብ ኣዳም ክሳዕ ሙሴ ነገሰ፥ ኣብቶም ከም በደል ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩ እኳ፤ ኣዳም ድማ ነቲ ዝመፅእ ዘሎ ዝመስል እዩ።
15እታ ውህብቶ ግና ከም እቲ በደል ኣይኮነትን፤ ብበደል ሓደ ሰብ ብዙሓት እንተ ሞቱ፥ ፀጋ ኣቦናን እታ ብፀጋ እቲ ሓደ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመፀት ውህብቶን ናብ ብዙሓት ክንደይ ኣዝዩ ይበዝሑ። 16እታ ውህብቶ ድማ ከምቲ ብሓደ ዝበደለ ሰብ ዝመፀ ኣይኮነትን፤ እቲ ፍርዲ ኻብ ሓደ በደል ናብ ኵነኔ የብፅሕ፥ እታ ውህብቶ ግና ካብ ብዙሕ በደል ናብ ፅድቂ የብፅሕ። 17ብበደል እቲ ሓደ ሰብ፥ ብሰንኪ ሓደ በደል ሞት እንተ ነገሰ፥ እቶም ምልኣት ፀጋን ውህብቶ ፅድቅን ዝቕበሉ፥ በቲ ሓደ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሮም ኣብ ህይወት ክንደይ ኣዝዮም ይነግሱ።
18እምበኣር ከምቲ ብሓደ በደል ኣብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመፀ፥ ከምኡ ድማ ብሓደ ፅድቂ ኣብ ኵሉ ሰብ ፅድቂ ህይወትን ይመፅእ። 19ከምቲ ብዘይምእዛዝ እቲ ሓደ ሰብ ብዙሓት ሓጥኣን ዝኾኑ፥ ከምኡ ድማ ብምእዛዝ እቲ ሓደ ሰብ ብዙሓት ፃድቃን ክኾኑ እዮም። 20እቲ በደል ምእንቲ ኽበዝሕ ድማ ሕጊ ኣተወ፤ ሓጢኣት ኣብ ዝበዝሐሉ ግና፥ ፀጋ ኣዝዩ ብዙሕ በዝሐ፤ 21ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝነገሰ፥ ከምኡ ድማ ፀጋ ብፅድቂ ገይሩ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ምእንቲ ኽነግስ እዩ።