ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንሓጢኣት ምዉታን፥ ንኣቦ ህያዋን

ፀጋ ንኵሉ እንተ ሸፊኑ፥ ስለ ምንታይ ብናፃ ሓጢኣት ኣይንገብርን? መልሲ ጳውሎስ ሕጊ ዘይኮነ ሞት እዩ፦ ጥምቀት ምስ ሞት ክርስቶስ ኣወሃሃደና፥ ስለዙይ ናብ ሓጢኣት ምምላስ ማለት ናብቲ ድሮ ዝሓደግናዮ መቓብር ምምላስ እዩ። ሰብነትኩም ንኣቦና ወፍይዎ — ነቲ እትእዘዝዎ ባሮት ክትኮኑ ኢኹም እሞ።

ምዕራፍ 6።

እምበኣር እንታይ ክንብል ኢና? ፀጋ ምእንቲ ኽበዝሕ ኣብ ሓጢኣት ክንቕፅል ዲና? ኣይኹን ከቶ! ንሕና እቶም ንሓጢኣት ዝሞትና፥ ከመይ ጌርና ደጊም ኣብኣ ክንነብር ንኽእል? ወይ ንሕና ዅላትና እቶም ናብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝተጠመቕና፥ ናብ ሞቱ ኸም ዝተጠመቕና ኣይትፈልጡን ዲኹም? እምበኣር ብጥምቀት ናብ ሞት ምስኡ ተቐበርና፤ ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦና ካብ ምዉታን ዝተስአ፥ ንሕናውን ከምኡ ብሓዳስ ህይወት ክንመላለስ ኢና።

ምስ ምስሊ ሞቱ ሕቡራት እንተ ዀይንና፥ ምስ ትንሳኤኡ ድማ ብርግፅ ሕቡራት ክንኸውን ኢና። እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና፤ እዙይ ከዓ ሰብነት ሓጢኣት ምእንቲ ኽጠፍእ፥ ደጊም ንሓጢኣት ባሮት ከይንኸውን እዩ። እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወፂኡ እዩ እሞ። ምስ ክርስቶስ ዝሞትና እንተ ዀይንና ኸዓ፥ ምስኡ ድማ ከም እንነብር ንኣምን ኢና። ክርስቶስ ካብ ምዉታን ተሲኡ ደጊም ከም ዘይመውት፥ ሞትውን ደጊም ከም ዘይመልኮ ንፈልጥ ኢና። እቲ ዝሞቶ ሞት፥ ንሓጢኣት ሓንሳእ ንዅሉ ሞቶ፤ እታ ዝነብራ ህይወት ግና፥ ንኣቦና ይነብር። ከምኡውን ንስኻትኩም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ኴንኩም፥ ንሓጢኣት ምዉታት፥ ንኣቦና ግና ህያዋን ከም ዝዀንኩም ጌርኩም ንርእስኹም ቚፀርዋ።

ስለዙይ ንትምኒቱ ምእንቲ ኸይትእዘዙ፥ ሓጢኣት ኣብ መዋቲ ስጋኹም ኣይንገስ። ኣካላት ሰብነትኩም ኣፅዋር ዓመፃ ጌርኩም ንሓጢኣት ኣይተወፍይዎ፤ የግዳስ ከም ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝመፁ ኾይንኩም፥ ንርእስኹም ንኣቦና ወፍይዋ፤ ኣካላት ሰብነትኩምውን ኣፅዋር ፅድቂ ጌርኩም ንእኡ ወፍይዎ። ንስኻትኩም ኣብ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣይኮንኩምን እሞ፥ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ።

እምበኣር እንታይ እሞ? ኣብ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኮንና ዲና ሓጢኣት እንገብር? ኣይኹን ከቶ! ንርእስኹም ንሓደ ሰብ ባሮት ኴንኩም ክትእዘዝዎ እንተ ወፊኹም፥ ናይቲ እትእዘዝዎ ባሮት ከም እትኾኑ፥ ወይ ናይ ሓጢኣት ባሮት ኴንኩም ናብ ሞት፥ ወይ ናይ ምእዛዝ ባሮት ኴንኩም ናብ ፅድቂ ከም ዘብፅሕ፥ ኣይትፈልጡን ዲኹም? ንኣቦና ምስጋና ይኹን፤ ባሮት ሓጢኣት ኔርኩም፥ ነቲ ዝተዋሃብኩምዎ ኣርኣያ ትምህርቲ ግና ብልብኹም ተኣዘዝኩምዎ። ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ባሮት ፅድቂ ኾንኩም።

ስጋኹም ድኹም ስለ ዝኾነ፥ ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣለኹ። ከምቲ ኣካላት ሰብነትኩም ንርኽሰትን ንዓመፅን ባሮት ጌርኩም ዘቕረብኩምዎ፥ ዓመፅውን እናበዝሐ ዝኸደ፥ ሕዚ ድማ ኣካላት ሰብነትኩም ናብ ቅድስና ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ባሮት ፅድቂ ጌርኩም ኣቕርብዎ። ባሮት ሓጢኣት ከለኹም፥ ካብ ፅድቂ ሓራ ኔርኩም እሞ። እምበኣር ሕዚ ኻብቲ እትሓፍሩሉ ነገር እንታይ ጥቕሚ ረኺብኩም? መወዳእታ እዞም ነገራት እዚኣቶም ሞት እዩ እሞ። ሕዚ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንኣቦና ባሮት ኴንኩም፥ ፍሪኹም ናብ ቅድስና ይበፅሕ፤ መወዳእታኡ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ እሞ፤ ውህብቶ ኣቦና ግና ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።