ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ከቶ ኣይጠልምን

ኵሉ ሰብ በዳሊ እንተ ኾይኑ፥ ሕልፊ እስራኤል ከንቱዶ ኾይኑ? ኣይኮነን — ግና ሓደ እኳ ነፃ ኣይኮነን፥ ጳውሎስ ከዓ እዙይ ንምባል ጥቕስታት የደራርብ። እቲ ግልባጥ ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ፍቕዲ ይመፅእ፦ ብዘይ ሕጊ፥ ኣቦና ብክርስቶስ ገይሩ ብናፃ ያፅድቕ፥ ስለዙይ ትምክሕቲ ደው ዝብለሉ ስፍራ የብሉን።

ምዕራፍ 3።

እምበኣር ኣይሁዳዊ እንታይ ሕልፊ ኣለዎ? ወይ ግርዘት እንታይ ዋጋ ኣለዎ? ብዅሉ መገዲ ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዅሉ፥ ቃላት ኣቦና ባዕሎም ኣብ ኢዶም ተውሃቡ። እምበኣር እንታይ? ገሊኦም እሙናት እንተ ዘይኮኑ፥ ዘይእሙንነቶም ንእሙንነት ኣቦና ኼፍርሶዶ እዩ? ከቶ ኣይኮነን! ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ ኣቦና ግና ሓቀኛ ይኹን። ከምዙይ ተፂሒፉ ኣሎ፦ “ብቓላትካ ክትፀድቕ፥ ክትፍረድ እንተለኻ ድማ ክትስዕር ኢኻ።”

ግና በደልና ንፅድቂ ኣቦና እንተ ኣግሃዶ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እቲ ቍጥዓ ኼውርደልና ኣቦና ዓማፂ ድዩ? (ከም ሰብ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።) ከቶ ኣይኮነን! እንተ ኸምኡ ደኣ ኣቦና ንዓለም ከመይ ኢሉ ክፈርዳ? ግና ሓሰተይ ንሓቂ ኣቦና ናብ ክብሩ ኼብዝሖ እንተ ኾይኑ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ገና ከም ሓጥእ ዝፍረድ ዘለኹ? ከምቲ ገሊኦም “ከምዙይ ይብሉ ኣለዉ” ኢሎም ዝሐሙና፥ “ፅቡቕ ምእንቲ ኽመፅእ፥ ክፉእ ንግበር” ስለ ምንታይ ደኣ ኣይንብልን? ፍርዶም ግቡእ እዩ።

ፃድቕ ሓደ እኳ የለን

እምበኣር እንታይ? ንሕና ዝሓሸና ዲና? ከቶ ኣይኮነን፤ ኣይሁድ ኾኑ ግሪካውያን፥ ኵሎም ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ከም ዘለዉ፥ ቅድም ኢልና ኸሲስና ኢና እሞ፥ ከምዙይ ተፂሒፉ ኣሎ፦ “ፃድቕ የለን፥ ሓደ እኳ የለን፤ ዝርዳእ የለን፤ ንኣቦና ዝደሊ የለን። ኵሎም ኣግለሱ፤ ብሓደ ረብሓ ዘይብሎም ኮኑ፤ ፅቡቕ ዝገብር የለን፥ ሓደ እኳ የለን። ጎሮሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖም የታልሉ።” “ሕንዚ ኣትማን ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ኣሎ። ኣፎም መርገምን መረረን ዝመልኦ እዩ። ኣእጋሮም ደም ንምፍሳስ ቅልጥፍቲ እየን፤ ጥፍኣትን መከራን ኣብ መንገዶም ኣሎ፥ መንገዲ ሰላም ከዓ ኣይፈለጡን። ፍርሓት ኣቦና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም የለን።”

ሕጊ ዝብሎ ዅሉ፥ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ኸም ዝምልከቶም ንፈልጥ ኢና፤ ስለዙይ ኵሉ ኣፍ ስቕ ይብል፥ ብዘላ ዓለም ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ተሓታቲት ትኸውን። ብግብሪ ሕጊ ኣብ ቅድሚኡ ዝፀድቕ ዝኾነ ሰብ የለን፤ ሕጊ ንፍልጠት ሓጢኣት እዩ ዘምፅእ።

ብእምነት ኢየሱስ ምፅዳቕ

ሕዚ ግና ፅድቂ ኣቦና ብዘይ ሕጊ ተገሊፁ ኣሎ፤ ብሕግን ብነቢያት ከዓ ተመስኪሩሉ ኣሎ። እዚ ፅድቂ ኣቦና እዚ፥ ብእምነት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነቶም ዝኣምኑ ዅላቶም እዩ ዝመፅእ፤ ፍልልይ የለንሞ፥ ኵሎም ሓጢኦም፥ ካብ ክብሪ ኣቦና ድማ ጎዲሎም እዮም እሞ፥ በቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ቤዛ ኣቢሎም፥ ብፀግኡ ብነፃ ይፀድቑ። ኣቦና ፅድቁ ምእንቲ ኽገልፅ፥ ንእኡ ብእምነት ደሙ ቤዛ ገይሩ ኣቕረቦ፤ ብትዕግስቲ ኸዓ ነቲ ቀደም ዝተገብረ ሓጢኣት ገዲፉ ሓለፈ፤ ሕዚ ፅድቁ ምእንቲ ኽገልፅ፥ ባዕሉ ፃድቕ ኮይኑ፥ ነቲ ብኢየሱስ ዝኣምን ድማ ዘፅድቕ ምእንቲ ክኸውን እዩ።

እምበኣር ትምክሕቲ ኣበይ ኣሎ? ተወጊዱ እዩ። በየናይ ሕጊ? በቲ ናይ ግብሪ ድዩ? ኣይኮነን፥ በቲ ናይ እምነት ሕጊ ደኣ እዩ። ሰብ ብዘይ ግብሪ ሕጊ፥ ብእምነት ከም ዝፀድቕ ንቖፅር ኢና እሞ። ወይ ኣቦና ኣቦ ኣይሁድ ጥራሕ ድዩ? ኣቦ ኣህዛብውን ኣይኮነንዶ? እወ፥ ናይ ኣህዛብውን እዩ፥ ኣቦና ሓደ እዩ እሞ፥ ነቶም ግሩዛት ብእምነት፥ ነቶም ዘይግሩዛት ድማ ብእምነት ከፅድቖም እዩ።

እምበኣር በዛ እምነት እዚኣ ንሕጊ ነፍርሶ ዲና? ከቶ ኣይኮነን፥ ንሕጊ ደኣ ነፅንዖ ኢና።