መራሕቲ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ተማኸሩ
ሓንቲ ሰበይቲ ክቡር ሽቱ ኣፍሰሰት፥ ስለዙይ ድማ ተነቐፈት፤ ይሁዳ ኸዓ ብሰላሳ ብሩር ሸጦ። ኣብ ጌቴሴማኒ ኢየሱስ ኣዕርኽቱ ተደጋጊሞም እናደቀሱ እንተለዉ፥ ንኣቦኡ እቲ ፅዋዕ ኽሓልፈሉ ለመነ። ምስ ተትሓዘ፥ ኣይተቓወመን። ጴጥሮስ ድማ ነቲ ሰብኣይ ከም ዘይፈልጦ መሓለ።
26 1ኢየሱስ እዝ ኵሉ ቃላት እዙይ ምስ ወድአ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዙይ በሎም፦
2“ፋሲካ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ኸም ዝመፅእ ትፈልጡ ኢኹም፤ ወዲ ሰብ ድማ ክስቀል ኣሕሊፉ ይውሃብ እዩ።”
3ሽዑ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ኣብ ኣፅድ እቲ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ተኣከቡ፤ 4ንኢየሱስ ብምስጢር ሒዞም ክቐትልዎ ድማ ብሓባር ተማኸሩ። 5ንሳቶም ግና “ኣብ ህዝቢ ወኻዕታ ኸይለዓል፥ በቲ በዓል ኣይኹን” በሉ።
ንኢየሱስ ንቐብሪ ቀብአቶ
6ኣብ ቢታንያ ኣብ ገዛ እቲ ለምፃም ስምኦን ኢየሱስ እንተሎ፥ 7ሓንቲ ሰበይቲ፥ ኣዝዩ ክቡር ሽቱ ዝሓዘ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ሒዛ ናብኡ መፀት፤ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ ኸዓ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 8እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ እዙይ ምስ ረአዩ፥ ኰሪዮም “እዝ ጥፍኣት እዙይ ንምንታይ እዩ? 9እዙይ ብብዙሕ ገንዘብ ተሸይጡ ንድኻታትዶ ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ” በሉ።
10ኢየሱስ ድማ እዙይ ፈሊጡ ከምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ነዛ ሰበይቲ ተፅግምዋ ኣለኹም? ንሳ ፅቡቕ ነገር እያ ዝገበረትለይ። 11ድኻታት ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለዉ እዮም፤ ንኣይ ግና ኵሉ ጊዜ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም። 12እዛ ሰበይቲ እዚኣ እዝ ሽቱ እዙይ ኣብ ሰብነተይ ብምፍሳሳ፥ ንቐብረይ ከተዳልወኒ ኢላ እያ ዝገበረት። 13ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ኵላ ዓለም ኣብ ዝስበኸሉ ስፍራ ዅሉ፥ እዝ ንሳ ዝገበረቶ እውን ንመዘከርታኣ ክንገር እዩ።”
ይሁዳ ንወልድ ብብሩር ኣሕሊፉ ሃቦ
14ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ፥ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ዝተብሃለ፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከደ፤ 15“ኣነ ኣሕሊፈ ኽህበኩም፥ ንስኻትኩም እንታይ ክትህቡኒ ትደልዩ?” ድማ በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰላሳ ብሩር ቈፂሮም ሃብዎ። 16ካብታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣሕሊፉ ኽህቦ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
ንፋሲካ ምድላው
17በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ ድማ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ፋሲካ ኽትበልዕ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
18ንሱ ኸዓ “ናብ ከተማ ናብ ሓደ ሰብኣይ ኪዱ እሞ ‘እቲ መምህር፦ ጊዜይ ቀሪቡ እዩ፤ ፋሲካ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ኣብ ቤትካ ኸብዕል እየ፥ ይብል ኣሎ’ በልዎ” በሎም።
19እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ንፋሲካ ኸዓ ኣዳለዉ።
20ምሸት ምስ ኮነ ድማ፥ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
21ክበልዑ እንተለዉ ድማ “ካባኻትኩም ሓደ ኣሕሊፉ ኽህበኒ እዩ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
22የመና ሓዚኖም ድማ፥ ነፍሲ ወከፎም “ኦ ጐይታ፥ ኣነዶ ኾን እየ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
23ንሱ ኸዓ ኢሉ መለሰ፦ “እቲ ምሳይ ኣብ ሸሓነ ኢዱ ዝጠመዐ፥ ንሱ ኣሕሊፉ ክህበኒ እዩ። 24ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ይኸይድ እዩ፤ ነቲ ዘትሕዞ ሰብኣይ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብኣይ እቱይ እንተ ዘይተወልደ ምሐሾ ነይሩ።”
25እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ “መምህር፥ ኣነዶ ኾን እየ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ባዕልኻ ኢልካ” በሎ።
26ክበልዑ እንተለዉ ድማ፥ ኢየሱስ ሕብስቲ ኣልዒሉ ባሪኹ ቘሪሱ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ “ውሰዱ፤ ብልዑ፤ እዙይ ስጋይ እዩ” ድማ በሎም። 27ፅዋዕ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሃቦም፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኵልኻትኩም ካብኣ ስተዩ፤ 28እዙይ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ፥ ደመይ ናይ ኪዳን እዩ እሞ። 29እብለኩም ኣለኹ፤ ካብ ሕዚ ጀሚረ፥ ክሳዕ እታ ምሳኻትኩም ሓድሽ ጌረ ኣብ መንግስቲ ኣቦይ ዝሰትዮ መዓልቲ፥ ካብዛ ፍረ ወይኒ እዚኣ ድጊም ኣይክሰትን እየ።”
30መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ድማ፥ ናብ ደብረ ዘይት ወፁ።
ኢየሱስ ብዛዕባ ክሕደት ጴጥሮስ ኣቐዲሙ ተዛረበ
31ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ብዛዕባይ ኵልኻትኩም በዛ ለይቲ እዚኣ ኽትዕንቀፉ ኢኹም፤ ‘ነቲ ጓሳ ኽወቕዖ እየ፥ ኣባጊዕ መጓሰ ኸዓ ክበታተና እየን’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ። 32ድሕሪ ምትንሳአይ ግና፥ ቀቅድሜኹም ናብ ገሊላ ክኸይድ እየ።”
33ጴጥሮስ ድማ “ብዛዕባኻ ኵሎም እንተ ተዓንቀፉ፥ ኣነ ኸቶ ኣይክዕንቀፍን እየ” በሎ።
34ኢየሱስ ከዓ “በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።
35ጴጥሮስ ድማ “ምሳኻ ኽመውት እኳ እንተ ኣድለየኒ፥ ኣይክሕደካን እየ” በሎ። ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ከምኡ በሉ።
ወልድ ንኣቦ ተማእዘዘ
36ሽዑ ኢየሱስ ምሳታቶም ጌቴሴማኒ ናብ እትበሃል ቦታ መፀ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ናብቱይ ከይደ ክፅሊ እንተለኹ፥ ኣብዙይ ተቐመጡ” በሎም።
37ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ምስኡ ወሲዱ ድማ፥ የመና ሓዘነ፤ ተጨነቐውን።
38ሽዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ሓዚና ኣላ፤ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ምሳይ ከዓ ትግሁ።”
39ቁሩብ ንቕድሚት ፈንተት ኢሉ ድማ፥ ብገፁ ተደፊኡ ፀለየ፤ “ኣቦይ፥ ዝከኣል እንተ ኾይኑ፥ እዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ፤ ግና ከምቲ ኣነ ዝደልዮ ዘይኮነስ፥ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ይኹን” በለ።
40ናብ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መፂኡ ድማ ደቂሶም ረኸቦም፤ ንጴጥሮስ ከዓ “እምበኣር፥ ሓንቲ ሰዓት እኳ ምሳይ ክትነቅሑ ኣይከኣልኩምን ዲኹም? 41ተጊህኹም ፀልዩ፥ ናብ ፈተና ከይትኣትዉ፤ መንፈስ ፍቓደኛ እዩ፥ ስጋ ግና ድኹም እዩ።”
42ንኻልኣይ ጊዜ ከይዱ ድማ ከምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ ኣቦይ፥ እዙይ ኣነ እንተ ዘይሰተኽዎ ኽሓልፍ ዘይኽእል እንተ ኾይኑ፥ ፍቓድካ ይኹን።”
43ተመሊሱ ኸዓ ደቂሶም ረኸቦም፤ ኣዒንቶም ከቢዱ ነይሩ እዩ እሞ። 44ደጊሙ ሓዲጉዎም ድማ ከይዱ፥ ነቲ ቐደም ዝበሎ ቓላት እናደገመ ንሳልሳይ ጊዜ ፀለየ።
45ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መፂኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ገና ትድቅሱ ተዕርፉ ኣለኹም? እንሆ፥ እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፉ ተዋሂቡ ኣሎ። 46ተልዓሉ፥ ንኺድ! እንሆ፥ እቲ ዘትሕዘኒ ኣብዙይ ኣሎ!”
ኢየሱስ ተጠሊሙ ተታሕዘ
47ንሱ ገና ኽዛረብ እንተሎ፥ እንሆ፥ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ ይሁዳ፥ ካብ ሊቃነ ካህናትን ካብ ሽማግለታት ህዝብን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሕ ህዝቢ ሒዙ ሽዑ ንሽዑ መፀ። 48እቲ ዘትሕዞ ኸዓ ኣቐዲሙ ምልክት ሂብዎም ነበረ፦ “ኣነ ዝስዕሞ ሰብ፥ ንሱ እዩ እሞ ሓዝዎ።” 49ብኡብኡ ድማ ናብ ኢየሱስ ቀሪቡ “ሰላም ንኣኻ ይኹን፥ ረቢ!” በሎ፤ ሰዓሞ ድማ።
50ኢየሱስ ድማ “ኣታ ዓርከይ፥ ነቲ ዝመፃእካሉ ግበሮ” በሎ። ሽዑ ቀሪቦም ንኢየሱስ ሒዞም ኣፅንዕዎ።
51እንሆ ድማ፥ ካብቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓደ፥ ኢዱ ዘርጊሑ ሰይፉ መዘዘ፤ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቒዑ ድማ እዝኑ ቈረፆ።
52ሽዑ ኢየሱስ “ሰይፍኻ ናብ ቦታኡ ምለሶ፤ ሰይፊ ዝሓዙ ዅሎም ብሰይፊ ኽሞቱ እዮም እሞ።” በሎ። 53“ንኣቦይ ክልምኖ ዘይኽእል ዝመስለካ ዲዩ? ንሱ ድማ ሕዚ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ጭፍራ ዝበዝሑ መላእኽቲ ምሰደለይ ነይሩ። 54ግና እዙይ ከምዙይ ክኸውን ከም ዝግባእ፥ እቲ ኣብ መፃሕፍቲ ዝተፅሓፈ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኽፍፀም እዩ?”
55በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ከም ከታሪዶ ኣስይፍትን ኣብትርትን ሒዝኩም ክትሕዙኒ መፂእኹም? ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ እቕመጥ ነይረ፥ ኣይሓዝኩምንን። 56ግና እዝ ኵሉ ዝኾነ፥ ናይ ነቢያት ፅሑፋት ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።” ሽዑ ዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ንእኡ ሓዲጎም ሃደሙ።
ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ከሰስቱ
57ሽዑ እቶም ንኢየሱስ ዝሓዙ ሰባት፥ ናብቲ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ፥ ናብ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ወሰድዎ። 58ጴጥሮስ ድማ ክሳዕ ቅፅሪ ሊቀ ካህናት ብርሑቕ ተኸተሎ፤ ኣትዩ ኸዓ፥ መወዳእታኡ ኽሳዕ ዝርኢ፥ ምስቶም ሓሻኽር ተቐመጠ።
59ሊቃነ ካህናትን ኵሉ መጋባእያን ድማ፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ምእንቲ፥ ናይ ሓሰት ምስክርነት ይደልዩ ነበሩ፤ 60ግና ብዙሓት ናይ ሓሰት መሰኻኽር ቀሪቦም እኳ እንተነበሩ፥ ኣይረኸቡን። ኣብ መወዳእታ ድማ ክልተ ቀረቡ፥ 61ከምዙይ ድማ በሉ፦ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ‘ንቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ከፍርሶ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኸዓ ክሃንፆ ይኽእል እየ’ ኢሉ ነይሩ።”
62እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ደው ኢሉ “እትምልሶ ዘይብልካ ዲኻ? እዚኣቶም ኣባኻ ዝምስክርዎ ዘለዉ እንታይ እዩ?” ኢሉ በሎ። 63ኢየሱስ ግና ስቕ በለ። እቲ ሊቀ ካህናት ድማ “ንስኻ ክርስቶስ፥ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃንካ ኽትነግረና፥ ብህያው እግዚኣብሄር ኤምሕለካ ኣለኹ።” በለ።
64ኢየሱስ ድማ “ንስኻ ኢልካዮ። ግና እብለኩም ኣለኹ፥ ካብ ሕዚ ጀሚርኩም ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፥ ኣብ ደመና ሰማይ እናመፀ ኽትርእይዎ ኢኹም።” በሎ።
65ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳውንቱ ቀዲዱ “ፃሪፉ እዩ! ደጊም ናይ ምንታይ መሰኻኽር የድልየና? እንሆ፥ ሕዚ ነቲ ፀርፊ ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም። 66እንታይ ትፈርዱ?” በለ። ንሳቶም ድማ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም መለሱ።
67ሽዑ ኣብ ገፁ እንትፍ በሉሉ፥ ወቕዕዎ ድማ፤ ገሊኣቶም ከዓ ፀፍዕዎ፥ 68“ኣታ ክርስቶስ፥ መን ከም ዝወቕዐካ ተነበየልና!” እናበሉ።
ጴጥሮስ ንኢየሱስ ከሓዶ
69ጴጥሮስ ድማ ኣብ ወፃኢ፥ ኣብቲ ቅፅሪ ተቐሚጡ ነበረ። ሓንቲ ገረድ ድማ ናብኡ ቀሪባ “ንስኻውን ምስ ኢየሱስ እቲ ገሊላዊ ነይርካ” በለቶ።
70ንሱ ግና ኣብ ቅድሚ ዅሎም “ነዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኸሓደ።
71ናብ ኣፍ ደገ ኽወፅእ እንተሎ ድማ፥ ካልእ ገረድ ረአየቶ፤ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኸዓ “እዙይ ምስ ኢየሱስ እቲ ናዝራዊ ነይሩ” በለቶም።
72ደጊሙ ድማ “ነቲ ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ብመሓላ ኸሓደ።
73ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ፥ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ናብ ጴጥሮስ መፂኦም “ኣዘራርባኻ የፍልጠካ ኣሎ እሞ፥ ብርግፅ ንስኻውን ካብኣቶም ኢኻ” በልዎ።
74ሽዑ “ነቲ ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ንባዕሉ ኽረግምን ክምሕልን ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ደርሆ ነቀወ።
75ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ኢየሱስ ዝበሎ ቓል ዘከረ፦ “ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ።” ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።