መንግስቲ ኣቦና እዝኒ ዝሰምዕ ኣለዋ
ካብ ጃልባ እናመሃረ፥ ኢየሱስ መንግስቲ ኣቦና ብኸመይ ከም እትመፅእ ነገረ፦ ዘርኢ ኣብ መንገዲ፥ ኣብ ከውሒ፥ ኣብ እሾዅን ኣብ ፅቡቕ ሓመድን ዝወድቕ፥ መብራህቲ፥ እቲ ሓረስታይ እናደቀሰ ዝዓቢ እኽሊ፥ ፍረ ኣድሪ። ሽዑ ድማ ነታ ደቀ መዛሙርቱ ከተስጥሞም ዝተኣማመኑላ ህቦብላ ኣህደአ።
4 1ኢየሱስ ድማ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እንደገና ምምሃር ጀመረ። ኣብ ዙርያኡ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝተኣከበ ድማ፥ ናብ ጃልባ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኣትዩ ተቐመጠ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ። 2ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገር መሃሮም፤ ብትምህርቱ ኸዓ ከምዙይ በሎም፦
3“ስምዑ! እንሆ፥ ሓደ ዘራኢ ኽዘርእ ወፀ። 4ክዘርእ እንተሎ ድማ፥ ገለ ዘርኢ ኣብ ጥቓ መንገዲ ወደቐ፤ ኣዕዋፍ ከዓ መፂአን በልዓኦ። 5ገለ ድማ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰረቷ ቦታ ወደቐ፤ ሓመድ ዓሚቝ ስለ ዘይነበረ ኸዓ ሽዑ ንሽዑ በቘለ። 6ፀሓይ ምስ ወፀት ግና፥ እቲ በቝሊ ነቐፀ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮ ኸዓ ደረቐ። 7ገለ ድማ ኣብ መንጎ እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ከዓ በቚሉ ሓነቖ፤ ፍረ ኸዓ ኣይሃበን። 8ገለ ድማ ኣብ ፅቡቕ ሓመድ ወደቐ፤ በቚሉ፥ ዓብዩ፥ ፍረ ሃበ፤ ሓደ ሰላሳ፥ ሓደ ስሳ፥ ሓደ ኸዓ ሚእቲ ዕፅፊ ፈረየ።” 9ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዝኒ ዝሰምዕ ዘለዎ ይስማዕ።”
10በይኑ ምስ ኮነ ድማ፥ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ኾይኖም ብዛዕባ እቶም ምስላታት ሓተትዎ።
11ንሱ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ንኣኻትኩም ምስጢር መንግስቲ ኣቦና ተውሂቡኩም ኣሎ፤ ንእቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ግና ኵሉ ነገር ብምስላታት እዩ ዝኸውን፤ 12ስለዙይ ‘እናረአዩ ኣየስተውዕሉን፥ እናሰምዑ ኸዓ ኣይርዱኡን፥ ተመሊሶም ድማ ይቕረ ኸይብሃለሎም’ ይኸውን።”
13ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ነዝ ምስላ እዙይ ዘይትፈልጥዎ? እሞ ኸመይ ኢልኩም ነቶም ምስላታት ኵሎም ክትፈልጥዎም ኢኹም? 14እቲ ዘራኢ እቲ ቓል እዩ ዝዘርእ። 15እዚኣቶም ከዓ፥ እቲ ቓል ኣብ ጥቓ መንገዲ ዝተዘርአ እዮም፤ እንተ ሰምዕዎ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ኣባታቶም ዝተዘርአ ቓል ይወስዶ። 16ከምኡ ድማ እቲ ኣብ ኰረቷ ቦታ ዝተዘርአ እዚኣቶም እዮም፤ ንሳቶም ነቲ ቓል ሰሚዖም ሽዑ ንሽዑ ብሓጐስ ይቕበልዎ፤ 17ኣባታቶም ግና ሱር የብሎምን እሞ ንቑሩብ ጊዜ ጥራሕ ይፀንሑ፤ ስለ እቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ መፀ ድማ ሽዑ ንሽዑ ይዓልዉ። 18ካልኦት ድማ እቶም ኣብ መንጎ እሾዅ ዝተዘርኡ እዮም፤ እዚኣቶም ነቲ ቓል ዝሰምዑ እዮም፤ 19ጓህይ እዛ ዓለም እዚኣን፥ ተንኰል ሃብትን፥ ትምኒት ካልእ ነገራትን ግና ኣትዮም ነቲ ቓል ይሓንቅዎ፤ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን። 20እዚኣቶም ከዓ፥ እቶም ኣብ ፅቡቕ ሓመድ ዝተዘርኡ እዮም፤ ንሳቶም ነቲ ቓል ሰሚዖም ይቕበልዎ፤ ፍረ ድማ ይህቡ፤ ሓደ ሰላሳ፥ ሓደ ስሳ፥ ሓደ ኸዓ ሚእቲ ዕፅፊ።”
ብርሃን ምእንቲ ኽበርህ እዩ ዝግበር
21ከምዙይ ድማ በሎም፦ “መብራህቲ ኣብ ቀዋሚ ቐንዲል ደኣ ይቕመጥ እምበር፥ ትሕቲ ኮፎሮ ወይ ኣብ ትሕቲ ዓራት ክቕመጥ መን መፂኡ የምፅእ? 22ኵሉ ዝተኸወለ ኽግለፅ፥ ኵሉ ስዉር ከዓ ኽቅላዕ እዩ እምበር፥ ዘይግለፅ የለን። 23እዝኒ ዝሰምዕ ዘለዎ ይስማዕ።”
24ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እትሰምዕዎ ተመልከቱ፤ በቲ እትዕቅኑሉ መዐቀኒ ኽዕቀነልኩም እዩ፤ ኽውሰኸልኩም ድማ እዩ። 25እቲ ዘለዎ ኽውሰኸሉ እዩ እሞ፤ እቲ ዘይብሉ ግና፥ እቲ ዘለዎ እኳ ኽውሰደሉ እዩ።”
እቲ ዘርኢ ባዕሉ ይዓቢ
26ከምዙይ ድማ በለ፦ “መንግስቲ ኣቦና ከምዙይ እያ፤ ሓደ ሰብ ኣብ ምድሪ ዘርኢ ይዘርእ፤ 27ለይትን መዓልትን፥ ደቂሱ ኾነ ነቂሑ፥ እቲ ዘርኢ ይበቍልን ይዓብን፤ ንሱ ግና ከመይ ከም ዝዓቢ ኣይፈልጥን። 28እታ ምድሪ ባዕላ ፍረ ተፍሪ፤ ቅድም ለምለም፥ ደሓር ጉምቦ፥ ደሓር ከዓ ዝፈረየ እኽሊ ኣብ ጉምቦ። 29እቲ ፍረ ምስ በሰለ ግና፥ ጊዜ ዓፂድ መፂኡ እዩ እሞ፥ ሽዑ ንሽዑ ማዕፀድ ይሰድድ።”
ዘርኢ ኣድሪ
30ከምዙይ ድማ በለ፦ “መንግስቲ ኣቦና ብምንታይ ክንመስላ ኢና? ወይ ብኣየናይ ምስላ ኽንገልፃ ኢና? 31ከም ዘርኢ ኣድሪ እያ፤ ንሱ ኣብ ምድሪ ኽዝራእ እንተሎ፥ ካብ ኵሉ ዘርኢ ዝንእስ እዩ፤ 32ምስ ተዘርአ ግና ይዓቢ፤ ካብ ኵሉ ኣሕምልቲ ድማ ዝዓቢ ይኸውን፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ፅላሉ ኽሰፍራ ዝኽእሉ ዓበይቲ ጨናፍር ከዓ የውፅእ።”
33ክሰምዑ ኸም ዝኽእሉ መጠን ድማ፥ ብብዙሕ ከምዙይ ዝበለ ምስላታት ነቲ ቓል ተዛረቦም። 34ብዘይ ምስላ ድማ ኣይዛረቦምን ነበረ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ግና በይኖም ኵሉ ይፈትሓሎም ነበረ።
ኢየሱስ ነቲ ህቦብላ የህድኦ
35በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ምስ መሰየ፥ “ናብታ ማዕዶ ንሰገር” በሎም።
36ንሳቶም ከዓ ነቲ ህዝቢ ሓዲጎም፥ ከምቲ ዘለዎ ኣብ ጃልባ ወሰድዎ፤ ካልኦት ጃላቡ ኸዓ ምስኡ ነበራ። 37ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ድማ ተልዓለ፤ ማዕበል ከዓ ናብ ጃልባ ኣትዩ ነታ ጃልባ ኣብ ምምላእ በፅሐ። 38ኢየሱስ ግና ኣብ ድሕሪት ጃልባ ኣብ ልዕሊ መተርኣስ ደቂሱ ነበረ፤ ንሳቶም ድማ ኣበራቢሮም “መምህር፥ ክንጠፍእ እንተለና ኣይግድሰካንዶ?” በልዎ።
39ንሱ ድማ ተሲኡ ነቲ ንፋስ ገሰፆ፤ ነቲ ባሕሪ ኸዓ “ህዱእ! ፀጥ በል!” በሎ። እቲ ንፋስ ድማ ፀጥ በለ፤ ዓብዪ ህድኣት ከዓ ኮነ። 40ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ትፈርሑ ኣለኹም? ክሳዕ ሕዚዶ እምነት የብልኩምን?”
41ብዙሕ ከዓ ፈርሑ፥ ንንሕድሕዶም ድማ “እዝ፥ ንፋስን ባሕርን እኳ ዝእዘዝዎ፥ መን ኮን ይኸውን?” ተበሃሃሉ።