ኣብ ሰንበት ዝተመለሰ ህይወት
ኢየሱስ ብሰንበት ዝደረቐት ኢድ ኣሕወየ፥ ፈሪሳውያን ከዓ ብኸመይ ከም ዘጥፍእዎ ክማኸሩ ጀመሩ። ዓሰርተ ኽልተ ድማ ሸመ። መምህራን ሕጊ ጋኔን ሒዝዎ ይብሉ ነበሩ፥ ቤተሰቡ ድማ ዓቢዱ በሉ፤ ንሱ ኸዓ ፍቓድ ኣቦና ዝገብር ዝኾነ ሰብ ቤተሰቡ ምዃኑ መለሰ።
3 1ኢየሱስ ድማ ደጊሙ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢዱ ዝደረቐት ሰብኣይ ነበረ። 2ንኢየሱስ ክኸስዎ ምእንቲ፥ በሰንበት ነቲ ሰብኣይ ዶ ኼሕውዮ እዩ ኢሎም ኣትኲሮም ይጥምቱ ነበሩ።
3ኢየሱስ ድማ ነቲ ኢዱ ዝደረቐት ሰብኣይ “ተንስእ ናብ ማእኸል ድማ ቕረብ” በሎ። 4ሽዑ ድማ “ኣብ ሰንበት ፅቡቕ ምግባር ወይ ክፉእ ምግባር፥ ህይወት ምድሓን ወይ ምቕታል ይግባእ ዲዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ። 5ብትሪ ልቦም ድማ ሓዚኑ፥ ተቘጢዑ ኣብ ዙርያኡ ናብኣቶም ጠመተ፤ ነቲ ሰብኣይ ከዓ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ዘርግሐ፤ ኢዱ ኸዓ ሓወየት።
6ሽዑ ፈሪሳውያን ወፂኦም፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ፥ ምስ ሄሮድሳውያን ሽዑ ንሽዑ ክማኸሩ ጀመሩ።
ህዝቢ ነቲ መሕወይ ይስዕቡ
7ኢየሱስ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ፤ ካብ ገሊላ፥ ካብ ይሁዳን ድማ ብዙሕ ህዝቢ ተኸተሉ፤ 8ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ኤዶምያስን፥ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ካብ ከባቢ ጢሮስን ሲዶንን፥ ዝገብሮ ዝነበረ ዅሉ ሰሚዖም፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ መፁ። 9ህዝቢ ምእንቲ ኸይጨቕጭቕዎ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ንእሽተይ ጃልባ ኼዳልዉሉ በሎም። 10ብዙሓት ኣሕውዩ ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም እቶም ሕማም ዝነበሮም ኽትንክፍዎ ይደፋፍኡ ነበሩ። 11እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ኸዓ ምስ ረኣይዎ፥ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቁ፥ “ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” እናበሉ ድማ ይእውዩ ነበሩ። 12ንሱ ግና ከይገልፅዎ ኣትሪሩ ኣጠንቀቖም።
እቶም ዓሰርተ ኽልተ ተሸሙ
13ኢየሱስ ድማ ናብ እምባ ደየበ፤ ነቶም ዝደለዮም ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ናብኡ መፁ። 14ምስኡ ምእንቲ ኽኾኑ፥ ክሰብኩ ድማ ምእንቲ ኽልእኾም፥ ሃዋርያት ዝበሃሉ ዓሰርተ ኽልተ ሸመ፤ 15ኣጋንንቲ ኸውፅኡ ድማ ስልጣን ኪህልዎም። 16እቶም ዝሸሞም ዓሰርተ ኽልተ ኸዓ እዚኣቶም እዮም፦ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ስምኦን፤ 17ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ሓዉ ዮሃንስን፥ ነዚኣቶም ደቂ ነጐድጓድ ማለት ቦኣኔርጌስ ዝበሎም፤ 18እንድርያስ፥ ፊልጶስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ማቴዎስ፥ ቶማስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ታዴዎስ፥ ስምኦን ቀናኢ፥ 19እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን እዩ።
ዘይወድቕ መንግስቲ
20ናብ ቤት ድማ ኣተወ፤ እቲ ህዝቢ ኸዓ ደጊሙ ተኣከበ እሞ፥ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን እንጀራ እኳ ኽበልዑ ኣይከኣሉን። 21ቤተሰቡ ኸዓ ምስ ሰምዑ፥ “ኣእምሮ ስሒቱ ኣሎ” ይብሉ ስለ ዝነበሩ፥ ኪሕዝዎ ወፁ። 22እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ መምህራን ሕጊ ድማ “ብኤል ዜቡል ኣለዎ” በሉ፤ “ብሓለቓ ኣጋንንቲ ኸዓ ንኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ” ድማ በሉ።
23ኢየሱስ ድማ ፀዊዑ ብምስላ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰይጣን ከመይ ኢሉ ንሰይጣን ከውፅእ ይኽእል? 24መንግስቲ ንስንሳታ እንተ ተፈላለየት፥ እታ መንግስቲ እቲኣ ክትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 25ቤት ከዓ ንስንሳታ እንተ ተፈላለየት፥ እታ ቤት እቲኣ ክትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 26ሰይጣን ከዓ ንርእሱ እንተ ተቓወመ ተፈላሊዩውን እንተ ኾነ፥ ክቐውም ኣይክእልን እዩ፤ መወዳእታኡ ደኣ መፂኡ። 27ሓደ ሰብ ናብ ቤት ሓያል ሰብኣይ ኣትዩ ንብረቱ ኼሚ፥ ቅድም ነቲ ሓያል ሰብኣይ እንተ ዘይኣሰሮ ዘይከኣል እዩ፤ ሽዑ ድማ ነታ ቤት ክዘምታ እዩ።
28ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንደቂ ሰብ ዝዛረብዎ ኵሉ ሓጢኣትን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝብልዎ ፀርፍን ይሕደገሎም፤ 29ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ዝፀርፍ ግና ንዘለኣለም ይቕረታ የብሉን፤ ናይ ዘለኣለም ሓጢኣት ዝበደለ እዩ” በሎም፤
30“ርኹስ መንፈስ ኣለዎ” ይብሉ ስለ ዝነበሩ እዩ።
ቤተሰብ ኣቦና
31ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ መፁ፤ ኣብ ወፃኢ ደው ኢሎም ከዓ ኪፅውዕዎ ለኣኹ። 32ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጡ ነበረ፤ “እንሆ፥ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወፃኢ ኾይኖም ንዓኻ ይደልዩ ኣለዉ” ድማ በልዎ።
33ንሱ ኸዓ መሊሱ “ኣደይ መን እያ? ኣሕዋተይ መን እዮም?” በሎም። 34ኣብ ዙርያኡ ናብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸዓ “እንሆ፥ ኣደይን ኣሕዋተይን! 35ፍቓድ ኣቦና ዝገብር ዅሉ ንሱ ሓወይ፥ ሓብተይን ኣደይን እዩ” በለ።