ኣቦ ነታ ዝጠፍአት ሓንቲ በጊዕ ይስዕባ
ሰለስተ ነገር ኣቦና ዝስእኖን ዝረኽቦን፥ ነፍሲ ወከፉ ብደስታ ዝውዳእ፦ በጊዕ፥ ገንዘብ፥ ከምኡውን ኵሉ ኣባኺኑ ናብ ቤቱ ዝተመለሰ ወዲ፤ ኣቦኡ ድማ ጐይዩ ብምቕባል ነቲ ዝለማመዶ ይቕረታ ኣቋረፀሉ። እታ ዛንታ ኣብኡ ኣይተወድአትን። እቲ ዓብዪ ሓዉ ተቘጢዑ ኣብ ወፃኢ ተረፈ።
15 1ኵሎም ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ድማ ክሰምዕዎ ናብኡ ይቐርቡ ነበሩ። a a v1 ተቐበልቲ ቐረፅ፥ ንሮሜ ገንዘብ ዝእክቡ ኣይሁድ ኮይኖም፥ መብዛሕትኡ ጊዜ ልዕሊ ዝግባእ እናኣከቡ ነቲ ፍልልይ ንባዕሎም እናወሰዱ ስለ ዝነበሩ፥ ከም ከሓድቲ ተቖፂሮም የመና ይፅልኡ ነበሩ። 2ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ድማ፥ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ንሓጥኣን ይቕበል፥ ምሳቶም ከዓ ይበልዕ” ኢሎም ኣጕረምረሙ።
3ሽዑ እዝ ምሳሌ እዙይ ነገሮም፦
4“ካባኻትኩም ሚእቲ በጊዕ ዘለዎ ሰብ፥ ሓንቲ ኻብኣተን እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ ምድረ በዳ ገዲፉ፥ ክሳዕ ዝረኽባ ነታ ዝጠፍአት ዘይስዕባ፥ መን እዩ? 5ምስ ረኸባ ኸዓ፥ እናተሓጐሰ ኣብ ማእገሩ ይስከማ።” 6ናብ ቤቱ ምስ ኣተወ ድማ፥ ነዕርኽቱን ጐረባብቱን ኣኪቡ፥ “ምሳይ ተሓጐሱ፤ እታ ዝጠፍአት በጊዐይ ረኺበያ ኣለኹ” ይብሎም። 7“ከምኡ ኸዓ እብለኩም ኣለኹ፥ ካብቶም ንስሃ ዘየድልዮም ተስዓን ትሽዓተን ፃድቃን ንላዕሊ፥ ብሓደ ንስሃ ዝኣቱ ሓጢኣተኛ ኣብ ሰማይ ዝዓቢ ሓጐስ ይኸውን።”
ኣቦ ነታ ዝጠፍአት ገንዘብ ይደልያ
8“ወይ ነፍሲ ወከፈን ዓስቢ ናይ ሓደ መዓልቲ ዝኾና ዓሰርተ ገንዘብ ብሩር ዘለዋ ሰበይቲ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአታ፥ መብራህቲ ኣብሪሃ፥ ገዛ ኸሪማ፥ ክሳዕ እትረኽባ ኣፅኒዓ ዘይትደልያ መን እያ?” 9ምስ ረኸበታ ኸዓ፥ ነዕርኽታን ጐረባብታን ኣኪባ፥ “እታ ዝጠፍአትኒ ገንዘብ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሳ” ትብለን። 10“ከምኡ ኸዓ እብለኩም ኣለኹ፥ ብሓደ ንስሃ ዝኣቱ ሓጢኣተኛ፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣቦና ሓጐስ ኣሎ።”
ኣቦ ንወዱ ናብ ገዛ ክቕበሎ ይጎዪ
11ከምዙይ ድማ በለ፦ “ክልተ ኣወዳት ዝነበርዎ ሓደ ሰብ ነበረ።”
12“እቲ ንእሽተይ ወዱ ድማ ነቦኡ ‘ኣቦ፥ ካብቲ ርስቲ ግደይ ሃበኒ’ በሎ። ንሱ ኸዓ ገንዘቡ ኣብ መንጎኦም ኣካፈለ። 13ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ኸዓ፥ እቲ ንእሽተይ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ፤ ኣብኡ ድማ ብምዝንጣዕ ሃብቱ በተኖ። 14ኵሉ ምስ ወድአ ኸዓ፥ ኣብታ ሃገር እቲኣ ብርቱዕ ጥሜት ኮነ፤ ንሱ ድማ ክፅገም ጀመረ። 15ከይዱ ድማ ናብ ሓደ ኻብ ሰብ እታ ሃገር እቲኣ ተቖፅረ፤ ንሱ ኸዓ ሓሰማታት ክጓሲ ናብ ግራቱ ሰደዶ። 16እተን ሓሰማታት ዝበልዓኦ ቅርፍቲ ኸብዱ ክመልእ ተመነየ፤ ዝህቦ ግና ሰብ ኣይነበረን።”
17ናብ ልቡ ተመሊሱ ኸዓ፥ “ክንደይ ዕሱባት ኣቦይ እንጀራ ተሪፍዎም እናሃለወ፥ ኣነ ግና ኣብዙይ ብጥሜት እመውት ኣለኹ?” በለ። 18“‘ተሲአ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ፥ ከምዙይ ድማ ክብሎ እየ፦ “ኣቦ፥ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢአ እየ።”’ 19“‘ደጊም ወድኻ ተባሂለ ክፅዋዕ ኣይበቅዕን እየ፤ ከም ሓደ ኻብ ዕሱባትካ ግበረኒ።’”
20“ተሲኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ከደ። ገና ርሑቕ ከሎ፥ ኣቦኡ ረአዮ፤ ራህርሀሉ ኸዓ፤ ጎዪዩ ድማ ሓቚፉ ሰዓሞ።” b b v20 ኣብ ባህሊ ኢየሱስ፥ ክቡር ሰብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይጎዪን ነበረ፤ እቲ ኣቦ ጎዪዩ ምውፅኡ ግና፥ ዘደንፅውን ብፍቓዱ ዝገበሮን ናይ ፍቕርን ርእስኻ ምትሕታትን ተግባር ነበረ።
21እቲ ወዱ ድማ፥ “ኣቦ፥ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢአ እየ። ደጊም ወድኻ ተባሂለ ክፅዋዕ ኣይበቅዕን እየ” በሎ።
22እቲ ኣቦ ግና ነገልጋልቱ፥ “እቲ ዝበለፀ ክዳን ቀልጢፍኩም ኣምፂእኹም ኣልብስዎ፤ ኣብ ኢዱ ቀለበት፥ ኣብ ኣእጋሩ ኸዓ ሳእኒ ግበሩሉ” በሎም።
23“‘እቲ ስቡሕ ምራኽ ድማ ኣምፂእኹም ሕረድዎ፤ በሊዕና ድማ ንተሓጎስ።’ 24‘እዝ ወደይ እዙይ ሞይቱ ነይሩ፥ ህያው ኮይኑ እዩ እሞ፤ ጠፊኡ ነይሩ፥ ተረኺቡ እዩ።’ ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።”
25“እቲ ዓብዪ ወዱ ድማ ኣብ ግራት ነበረ፤ ተመሊሱ ናብ ገዛ ምስ ቀረበ ኸዓ፥ ዜማን ስዕስዒትን ሰምዐ። 26ሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ፀዊዑ ድማ፥ እዙይ እንታይ ከም ዝኾነ ጠየቖ። 27እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ፥ ‘ሓውካ መፂኡ እዩ፤ ኣቦኻ ድማ ብደሓን ስለ ዝተቐበሎ፥ ነቲ ስቡሕ ምራኽ ሓሪዱሉ ኣሎ’ በሎ። 28ንሱ ግና ተቘጢዑ ኽኣቱ ኣበየ። ኣቦኡ ድማ ወፂኡ ለመኖ፤ 29ንሱ ግና ነቦኡ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ ‘እንሆ፥ ኣነ ኣብዝ ኵሉ ዓመታት ኣገልጊለካ፥ ፈፂመ ትእዛዝካ ኣይጠሓስኩን፤ ንስኻ ግና ምስ ኣዕሩኽተይ ክሕጎስ፥ ፈፂምካ ሓደ ማሕሲ እኳ ኣይሃብካንን።’ 30‘ነቲ ገንዘብካ ምስ ኣመንዝራታት ዝበልዐ እዝ ወድኻ እዙይ ምስ መፀ ግና፥ ነቲ ስቡሕ ምራኽ ሓሪድካሉ!’”
31ንሱ ድማ “ወደይ፥ ንስኻ ኵሉ ጊዜ ምሳይ ኢኻ፥ ዘለኒ ዅሉ ድማ ናትካ እዩ” በሎ።
32“‘ክንሕጎስን ክነብዕልን ይግባእ ነይሩ፤ እዝ ሓውካ እዙይ ሞይቱ ነይሩ፥ ህያው ኮይኑ እዩ፤ ጠፊኡ ነይሩ፥ ተረኺቡ እዩ።’”