ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንብልሂ እሙንነት ዓስቢ ይህብ

ክስጎጕ ዝቐረበ መጋቢ፥ ፈተውቲ ምእንቲ ኽረክብ፥ ዕዳ ጐይታኡ ይንክይ፤ ብጉርሕታቱ ድማ ብዘደንፅ ተነኣደ። ገንዘብ መትሓዚ እዩ፥ ንኣቦናን ንሃብትን ብሓንሳእ ዝግዛእ ሓደ እኳ የለን እሞ። ድሕሪኡ ኸዓ ሓደ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን፥ ድሕሪ ሞት ድማ ዋላ ሓደ ኽሰግሮ ዘይኽእል ዓብዪ ገደል።

ምዕራፍ 16።

ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ሓደ ሃብታም ሰብ መጋቢ ነበሮ፤ ንሱ ኸዓ ንብረቱ የባኽን ኣሎ ኢሎም ከሰስዎ። ፀዊዑ ኸዓ “እዝ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ? ደጊም ክትመግብ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፥ ናይ ምምጋብካ ፀብፃብ ሃብ” በሎ።

“እቲ መጋቢ ድማ ብልቡ ከምዙይ በለ፦ ‘ጐይታይ ሽመተይ ካባይ ይወስድ ኣሎ እሞ እንታይ ክገብር እየ? ክኵዒ ኣይክእልን እየ፥ ክልምን ከዓ ይሓፍር እየ።’ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ፈሊጠ ኣለኹ፥ ካብዛ ስራሕ እዚኣ ምስ ተኣለኹ፥ ናብ ኣባይቶም ምእንቲ ኽቕበሉኒ።’ ነቶም ተለቀስቲ ጐይታኡ ድማ በብሓደ ፀዊዑ፥ ነቲ ቐዳማይ “ንጐይታይ ክንደይ ዕዳ ኣለካ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ሚእቲ መስፈሪ ዘይቲ ኣውሊዕ” በለ። ንሱ ድማ “ፅሑፍ ዕዳኻ ውሰድ፥ ቀልጢፍካ ኮፍ በል እሞ ሓምሳ ፅሓፍ” በሎ። ሽዑ ንኻልእ “ንስኻኸ ክንደይ ዕዳ ኣለካ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ሚእቲ መስፈሪ ስርናይ” በለ። ንሱ ድማ “ፅሑፍ ዕዳኻ ውሰድ እሞ ሰማንያ ፅሓፍ” በሎ።

“እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ዓማፃይ መጋቢ ጐራሕ ኮይኑ ስለ ዝገበረ ነኣዶ፤ ደቂ እዝ ዓለም እዙይ ኣብ ወለዶኦም ካብ ደቂ ብርሃን ጐራሓት እዮም እሞ። ኣነ ኸዓ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ዓለማዊ ሃብቲ ምስ ወድአ ናብ ናይ ዘለኣለም ማሕደር ምእንቲ ኽቕበሉኹም፥ በቲ ዓለማዊ ሃብቲ ፈተውቲ ግበሩ። እቲ ብውሑድ እሙን ዝኾነ፥ ብብዙሕ እውን እሙን እዩ፤ እቲ ብውሑድ ዓማፃይ ዝኾነ ኸዓ፥ ብብዙሕ እውን ዓማፃይ እዩ። እምበኣር በቲ ዓለማዊ ሃብቲ እሙናት እንተ ዘይነበርኩም፥ ነቲ ሓቀኛ ሃብቲ መን ክኣምነኩም እዩ? በቲ ናይ ካልእ ሰብ ንብረት እሙናት እንተ ዘይነበርኩም ከዓ፥ ነቲ ናትኩም ዝኾነ መን ክህበኩም እዩ? ዝኾነ ኣገልጋሊ ገዛ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይክእልን እዩ። ንሓደ ይፅልእ ንሓደ ድማ የፍቅር፥ ወይ ከዓ ንሓደ ሒዙ ነቲ ካልእ ይንዕቕ። ንኣቦናን ንገንዘብን ከተገልግሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”

እቶም ገንዘብ ዘፍቅሩ ፈሪሳውያን ከዓ እዝ ዅሉ ሰሚዖም የባጭውሉ ነበሩ።

ንሱ ኸዓ ከምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ርእስኹም ተፃድቑ ኢኹም፥ ኣቦና ግና ልብኹም ይፈልጥ እዩ፤ እቲ ኣብ ማእኸል ሰብ ክቡር ዝኾነ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ፅዩፍ እዩ።”

“ሕግን ነቢያትን ክሳዕ ዮሃንስ ፀንሑ፤ ካብኡ ንደሓር ከዓ፥ ወንጌል መንግስቲ ኣቦና ይስበኽ ኣሎ፥ ኵሉ ሰብ ድማ ብሓይሉ ናብኣ ይኣቱ ኣሎ። ግና ካብ ሓንቲ ሕንፃፅ ሕጊ ምውዳቕ፥ ሰማይን ምድርን ምሕላፍ ይቐልል እዩ።”

“ኵሉ ንሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ ይዝሙ፤ ነታ ኻብ ሰብኣያ ዝተፈትሐት ሰበይቲ ዘእቱ ኸዓ ይዝሙ።”

እቲ ሃብታምን ኣልኣዛርን

“ቀይሕ ግምጃን ፅሩይ በፍታን ዝኽደኖ ሓደ ሃብታም ሰብ ነበረ፤ ንሱ ኸዓ መዓልቲ መጠን ብምቁር ብልዒ ይሕጐስ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ሓደ ድኻ ሰብ ድማ ቍስሊ መሊእዎ ኣብ ኣፍ ደገኡ ተደርቢዩ ነበረ፥ ካብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዝወድቕ ርፍራፍ ክበልዕ ይምነ ነበረ፤ ኣኽላባት እውን መፂኦም ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። እቲ ድኻ ሰብ ሞተ፤ መላእኽቲ ድማ ናብ ሕቚፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ሰብ እውን ሞተ ተቐብረውን፤ a a v22 ሕቚፊ ኣብርሃም፦ እቲ ፃድቃን ድሕሪ ሞት ትንሳኤ እናተፀበዩ ዝዓርፉሉ መፅንንዒ ቦታ ዘመልክት ኣይሁዳዊ ምስሊ እዩ። ኣብ መቓብር ኮይኑ ድማ ኣብ ስቓይ እናሃለወ፥ ቋሕ በለ እሞ ንኣብርሃም ብርሑቕ፥ ንኣልኣዛር ከዓ ኣብ ሕቚፉ ረአዮ። b b v23 ሲኦል እቲ ዓለም ምዉታት እዩ፥ ኣብ መንጎ ሞትን እታ ዳሕረወይቲ ፍርድን ዘሎ ናይ ምፅባይ ቦታ እዩ፦ ምስቲ ዳሕራዋይ ናይ ፍርዲ ቦታ ሓደ ኣይኮነን። ንሱ ኸዓ ፀዊዑ ከምዙይ በለ፦ ‘ኦ ኣቦይ ኣብርሃም፥ ራህርሃለይ፤ ኣብዝ ሃልሃልታ እዙይ እሳቐ ኣለኹ እሞ፥ ንኣልኣዛር ጫፍ ኣፃብዕቱ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ከዛሕልለለይ ልኣኸለይ።’

“ኣብርሃም ግና ከምዙይ በለ፦ ‘ወደይ፥ ንስኻ ብህይወትካ እንተለኻ ፅቡቕ ነገራት ከም ዝተቐበልካ፥ ኣልኣዛር ከዓ ኸምኡ ኽፉእ ነገራት ከም ዝተቐበለ ዘክር፤ ሕዚ ኸዓ ንሱ ኣብዙይ ይፅናናዕ ኣሎ፥ ንስኻ ድማ ኣብ ስቓይ ኢኻ ዘለኻ። ብዘይ እዙይ ዅሉ ኸዓ፥ ካብዙይ ናባኻ ክሰግሩ ዝደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፥ ካብኡ ናባና ኽሰግር ዝደሊ ሓደኳ ምእንቲ ኸይክእል፥ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻን ዓብዪ ሃጓፍ ተፈልዩ ኣሎ።’

“ንሱ ኸዓ ከምዙይ በለ፦ ‘እምበኣር ኦ ኣቦ፥ ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣለኹ፥ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፥ ንሳቶም እውን ናብዝ ናይ ስቓይ ቦታ እዙይ ምእንቲ ኸይመፁ፥ የጠንቅቖም።’

“ኣብርሃም ግና ‘ሙሴን ነቢያትን ኣለዎም እሞ፥ ንኣኣቶም ይስምዕዎም’ በለ።

ንሱ ኸዓ ‘ኣይፋሉን፥ ኦ ኣቦይ ኣብርሃም፥ ካብ ምዉታት ሓደ ሰብ ናባኣቶም እንተ ኸደ ግና፥ ንሳቶም ክንስሑ እዮም’ በለ።

ንሱ ኸዓ ‘ንሙሴን ንነቢያትን እንተ ዘይሰምዑ፥ ካብ ምዉታት ሓደ ሰብ እኳ እንተ ተንስአ ኣይኣምኑንን እዮም’ በሎ።”