ብዛዕባ መዐንቀፊታትን ሕድገትን
ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሳዕ ይቕረ በል። ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን እምነት እኺላ እያ። እቶም ዝተኣዘዝዎ ዝገብሩ ባሮት ዋጋ ኣይሓቱን። ዓሰርተ ለምፂ ዝነበሮም ሰባት ተሓወዩ፥ ሓደ ኻብኣቶም ድማ፥ ሳምራዊ፥ ንኣቦና እናመስገነ ተመለሰ። እታ መንግስቲ ኣቦና ናብኡ ዝሕበዩ ቦታ ኣይኮነትን፤ ድሮ ኣብ መንጎኦም እያ።
17 1ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “መዐንቀፊ ካብ ምምፃእ ኣይተርፍን እዩ፤ ነቲ ብእኡ ዝመፅእ ግና ወይለኡ! 2ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዘዐንቅፍ፥ መዲድ ኣብ ክሳዱ ተሰቒሉ ናብ ባሕሪ እንተ ተደርበየ ይሐሾ።
3“ንባዕልኻትኩም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለ ገስፆ፤ ንስሃ እንተ ገበረ ድማ ሕደገሉ። 4ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሳዕ ኣባኻ እንተ በደለ፥ ሸውዓተ ሳዕ ከዓ ተመሊሱ ‘ንስሃ ገይረ’ እንተ በለካ፥ ሕደገሉ።”
5እቶም ሃዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸልና!” በልዎ።
6ጐይታ ድማ “ከም ፍረ ኣድሪ እትኸውን እምነት እንተ ትህልወኩም፥ ነዛ ኦም ሰግሞ እዚኣ ‘ተማሕዊ ኣብ ባሕሪ ድማ ተተኸሊ’ ምበልኩምዋ፥ ንሳ ኸዓ ምተኣዘዘትኩም። 7ካባኻትኩም ዝሓርስ ወይ ኣባጊዕ ዝሕሉ ባርያ ዘለዎ መን እዩ፥ ካብ ግራት ምስ ኣተወ ‘ቀልጢፍካ ና፥ ኣብ ማእዲ ተቐመጥ’ ዝብሎ? 8እኳ ደኣ ‘ድራረይ ኣዳሉለይ፥ ኣነ እናበላዕኩን እናሰተኹን ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፥ ድሕሪዙይ ንስኻ ብላዕን ስተን’ ዶ ኣይብሎን?
9ነቲ ባርያ እቲ ዝተኣዘዞ ስለ ዝገበረ የመስግኖ ድዩ? 10ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ዝተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ‘ንሕና ዘይንረብሕ ባሮት ኢና፤ እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ጥራሕ ኢና ዝገበርና’ በሉ።”
ኣቦ ንዓሰርተ ለምፃማት የሕዊ
11ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ብማእኸል ሰማርያን ገሊላን ይሓልፍ ነበረ። 12ናብ ሓንቲ ዓዲ ምስ ኣተወ፥ ዓሰርተ ለምፂ ዝነበሮም ሰባት ተቐበልዎ። ርሕቕ ኢሎም ከዓ ቆሙ፤
13ዓው ኢሎም ድማ “ኦ ኢየሱስ መምህር፥ ምሓረና!” በሉ።
14ምስ ረአዮም ድማ “ኪዱ፥ ንባዕልኻትኩም ንኻህናት ኣርእዩ” በሎም። ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ ነፅሁ።
15ካብኣቶም ሓደ ኸዓ ኸም ዝሓወየ ምስ ረአየ፥ ዓው ኢሉ ንኣቦና እናመስገነ ተመለሰ፥ 16ኣብ እግሪ ኢየሱስ ድማ ብገፁ ተደፊኡ ኣመስገኖ። ንሱ ኸዓ ሳምራዊ ነበረ።
17ኢየሱስ ድማ “ዓሰርተ ዶ ኣይነፅሁን? እቶም ትሽዓተ ኣበይ ኣለዉ? 18ነዚ ጓና እዙይ ገዲፍካስ፥ ተመሊሱ ንኣቦና ኽብሪ ዝህብ ሓደ እኳ ኣይተረኽበን ድዩ?” 19ንእኡ ድማ “ተንሲእካ ኪድ፤ እምነትካ ኣድሒናትካ እያ” በሎ።
መንግስቲ ድሮ ኣብ ማእኸልኩም ኣላ
20እቶም ፈሪሳውያን መንግስቲ ኣቦና መዓስ ከም እትመፅእ ምስ ሓተትዎ፥ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “መንግስቲ ኣቦና ብምዕዛብ ኣይትመፅእን፥ 21‘እንሆ ኣብዙይ!’ ወይ ‘ኣብቲ!’ ኢሎም ከዓ ኣይብሉን፤ እንሆ መንግስቲ ኣቦና ኣብ ማእኸልኩም ኣላ እሞ።”
22ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ካብ መዓልቲታት ወዲ ሰብ ሓንቲ መዓልቲ ኽትርእዩ እትምነይሉ መዓልቲ ኽመፅእ እዩ፥ ግናኸ ኣይክትርእይዋን ኢኹም። 23‘እንሆ ኣብቲ!’ ወይ ‘እንሆ ኣብዙይ!’ ድማ ክብሉኹም እዮም፤ ኣይትኺዱ፥ ኣይትስዓብዎምውን። 24ከምቲ መብረቕ ካብ ሓደ ወገን ሰማይ ክሳዕ ካልእ ወገኑ ባርቒቑ ዘብርህ፥ ወዲ ሰብ ከዓ በታ መዓልቱ ኸምኡ ክኸውን እዩ። 25ግና ቅድም ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ በዚ ትውልዲ እዙይ ድማ ክንፀግ ይግባእ። 26ከምቲ ኣብ መዓልቲታት ኖህ ዝነበረ፥ ኣብ መዓልቲታት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ። 27ኖህ ናብ መርከብ ክሳዕ ዝኣተወ መዓልቲ፥ ይበልዑን ይሰትዩን ይምርዓዉን የመርዕዉን ነበሩ፤ ማይ ጥፍኣት ድማ መፂኡ ንዅሎም ኣጥፍኦም። 28ከምኡውን ኣብ መዓልቲታት ሎጥ ኮነ፦ ይበልዑን ይሰትዩን፥ ይዕድጉ፥ ይሸጡ፥ ይተኽሉ፥ ይሃንፁ ነበሩ፤ 29ሎጥ ካብ ሰዶም በታ ዝወፀ መዓልቲ ግና፥ ካብ ሰማይ ሓዊን ዲንን ዘነመ እሞ ንዅሎም ኣጥፍኦም። 30በታ ወዲ ሰብ ዝግለፀላ መዓልቲ ኸዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ። 31በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ኣብ ናሕሲ ዘሎ ጥሪቱ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኸላ፥ ከውርድ ኣይውረድ፤ ከምኡ ኸዓ እቲ ኣብ ግራት ዘሎ ንድሕሪት ኣይተመለስ። 32ሰበይቲ ሎጥ ዘክሩ። 33ህይወቱ ከድሕን ዝደሊ ዅሉ ከጥፍኣ እዩ፤ ህይወቱ ዘጥፍእ ግና ኸድሕና እዩ። 34እብለኩም ኣለኹ፥ በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓደ ዓራት ክኾኑ እዮም፤ ሓደ ክውሰድ እዩ፥ እቲ ሓደ ድማ ክተርፍ እዩ። 35ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ክጥሕና እየን፤ ሓንቲ ክትውሰድ እያ፥ እታ ሓንቲ ድማ ክትተርፍ እያ።” a a v35 እቶም ዝጠንተዩ ቅዳሓት ኣብዙይ ፍቕዲ 36 የብሎምን፤ ዳሕረዎት ቅዳሓት ግና፦ “ክልተ ሰብኡት ኣብ ግራት ክኾኑ እዮም፤ ሓደ ክውሰድ እዩ፥ እቲ ሓደ ድማ ክተርፍ እዩ” ዝብል ይውስኹ።
37“ኣበይ ኦ ጐይታ?” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ድማ “ሬሳ ኣብ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ ክእከቡ እዮም” በሎም።