ናብ ቤቴል ምምላስ
ናብ ቤቴል ተፀዊዑ፥ ያእቆብ ነቶም ቤተ ሰቡ ገና ዝሓዝዎም ጓኖት ኣማልኽቲ ቀበሮም። ኣቦና ድማ ስም እስራኤል ኣረጋገፀ። ድሕሪኡ ኸስራ ተኸመረ፦ መጕዚቱ ሞተት፥ ራሄል ንብንያም እናሰመየት ሞተት፥ ሮቤል ዓራት ኣቦኡ ኣርከሰ፥ ይስሓቅ ድማ ተቐበረ።
35 1ሽዑ ኣቦና ንያእቆብ ከምዙይ በሎ፦ “ተሲእካ ናብ ቤቴል ደይብ፤ ኣብኡ ኸዓ ተቐመጥ። ነቲ ካብ ሓውካ ኤሳው ክትሃድም እንተለኻ ዝተገለፀልካ ድማ ኣብኡ መሰውኢ ስራሕለይ።”
2ያእቆብ ድማ ንቤተ ሰቡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ከምዙይ በሎም፦ “ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፤ ተነፃሁ፤ ክዳውንትኹምውን ቀይሩ። 3ናብ ቤቴል ንደይብ። ነቲ ብመዓልቲ ፀበባይ ዝመለሰለይ፥ ኣብ ዝኸድክዎ ዘበለ ድማ ምሳይ ዝነበረ ኣቦና ኣብኡ መሰውኢ ክሰርሕ እየ።”
4ንያእቆብ ድማ ነቶም ኣብ ኢዶም ዝነበሩ ዅሎም ጓኖት ኣማልኽትን ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ኵትሻን ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ሴኬም ዘላ ዓባይ ኦም ሓብኦም። 5ተጓዒዞም ድማ ከዱ፤ ራዕዲ ኣቦና ኸዓ ነተን ኣብ ዙርያኦም ዝነበራ ኸተማታት ስለ ዝወደቐን፥ ንደቂ ያእቆብ ዝሰዓበ ሓደኳ ኣይነበረን። 6ያእቆብ ድማ ንሱን ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን እትርከብ ሎዛ ማለት ቤቴል መፁ። 7ኣብኡ ድማ መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ሓዉ ኽሃድም እንተሎ ኣብኡ ንያእቆብ ተገሊፁሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ቦታ ኤልቤቴል ማለት ቤት ኣቦና ኢሉ ሰመዮ። 8ዲቦራ መጕዚት ርብቃ ድማ ሞተት፤ ኣብ ታሕቲ ቤቴል ኣብ ትሕቲ እታ ዓባይ ኦም ከዓ ተቐበረት፤ ስማ ድማ ኣሎንባኩት ማለት ኦም ብኽያት ተባህለ።
9ያእቆብ ካብ መስጴጦምያ ሶርያ ምስ መፀ፥ ኣቦና መሊሱ ንያእቆብ ተገለፀሉ፤ ባረኾውን።
10ኣቦና ድማ ከምዙይ በሎ፦ “ስምካ ያእቆብ እዩ፤ ግና ደጊም ያእቆብ ኣይክትበሃልን ኢኻ፤ ስምካ እስራኤል እዩ።” እስራኤል ኢሉ ድማ ሰመዮ። 11ኣቦና ድማ ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኤልሻዳይ፥ ኵሉ ዝኽእል ኣቦኻ እየ። ፍረ፤ ተባዛሕ። ህዝብን ኣኼባ ህዝብታትን ካባኻ ክወፁ እዮም፤ ነገስታት ከዓ ካብ ሕቘኻ ክወፁ እዮም። 12ነታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ዝሃብክዋ ምድሪ፥ ንኣኻ ክህበካ እየ፤ ድሕሬኻ ንዘርእኻ ድማ ክህቦ እየ።”
13ኣቦና ድማ ኣብቲ ምስኡ ዝተዛረበሉ ቦታ ኻብኡ ደየበ። 14ያእቆብ ድማ ኣብቲ ኣቦና ምስኡ ዝተዛረበሉ ቦታ ሓወልቲ ተኸለ፤ ሓወልቲ እምኒ ድማ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ መስዋእቲ መስተ ኣፍሰሰ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኣፍሰሰ። 15ያእቆብ ድማ ነቲ ኣቦና ምስኡ ዝተዛረበሉ ቦታ ቤቴል ኢሉ ሰመዮ።
ናይ መወዳእታ ወዲ ራሄል
16ካብ ቤቴል ድማ ተጓዒዞም ከዱ፤ ናብ ኤፍራታ ኽበፅሑ ቑሩብ ምስ ተረፎም ከዓ፥ ራሄል ሕርሲ ሓዛ፤ ሕርሳ ድማ ብርቱዕ ነበረ። 17ብርቱዕ ሕርሲ ኣብ ዝሓዛ ጊዜ ኸዓ፥ እታ መሕረሲት “እዝውን ወዲ እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሒ” በለታ።
18ነፍሳ ኽትወፅእ እንተላ፥ ንሳ ትመውት ስለ ዝነበረት፥ ቤንኦኒ ማለት ወዲ ሓዘነይ ኢላ ሰመየቶ፤ ኣቦኡ ግና ብንያም ማለት ወዲ የማን ኢሉ ሰመዮ። a a v18 ራሄል ኣብ ጊዜ ሞታ ንወዳ ቤንኦኒ ማለት "ወዲ ሓዘነይ" ኢላ ሰመየቶ። ኣቦኡ ያእቆብ ግና ብንያም ማለት "ወዲ የማን" ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ሓዘን ናብ ስም ሓይልን ዝተሓርየ ቦታን ለወጦ። 19ራሄል ድማ ሞተት፤ ኣብ መንገዲ ኤፍራታ ማለት ቤተ ልሔም ከዓ ተቐበረት። 20ያእቆብ ድማ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ተኸለ፤ ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ሓወልቲ መቓብር ራሄል እዩ።
21እስራኤል ድማ ተጓዒዙ ኸደ፤ ኣብ ስግር ሚግዳልዔደር ማለት ግንቢ መጓሰ ኸዓ ሰፈረ። 22እስራኤል ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥ ሮቤል ከይዱ ምስ ባላ ሰበይቲ ወሰን ኣቦኡ ደቀሰ፤ እስራኤልውን ሰምዐ። ያእቆብ ዓሰርተው ክልተ ደቂ ነበርዎ።
23ደቂ ልያ ድማ፦ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን እዮም። 24ደቂ ራሄል ድማ፦ ዮሴፍን ብንያምን እዮም። 25ደቂ ባላ ኣገልጋሊት ራሄል ድማ፦ ዳንን ንፍታሌምን እዮም። 26ደቂ ዘለፋ ኣገልጋሊት ልያ ድማ፦ ጋድን ኣሴርን እዮም። እዚኣቶም ደቂ ያእቆብ፥ ኣብ መስጴጦምያ ሶርያ ዝተወለዱሉ እዮም።
27ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ፥ ናብ መምሬ፥ ናብ ቂርያትኣርባቅ ማለት ኬብሮን፥ ናብታ ኣብርሃምን ይስሓቅን ዝተቐመጡላ መፀ።
28ይስሓቅ ድማ ሚእትን ሰማንያን ዓመት ነበረ። 29ይስሓቅ ድማ ኣሪጉ ዕድመ ፀጊቡ ነፍሱ ወፀት፤ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ። ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ድማ ቐበርዎ።