ዲና
ዲና በቲ መስፍን እታ ምድሪ ተታሒዛ ተዓመፀት፥ ንሱ ኸዓ ክምርዓዋ ደለየ። ኣሕዋታ ድማ ብሓሰት ሰላም መለሱ — ግርዘት ጠለቡ፥ ድሕሪኡ ኵሉ ተባዕታይ እታ ኸተማ እናተሳቐየ እንተሎ ቐተልዎ። ያእቆብ ዝተማረረሉ ግና ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝመፅእ ሓደጋ ጥራሕ እዩ።
34 1ዲና፥ እታ ልያ ንያእቆብ ዝወለደት ጓል፥ ነተን ኣዋልድ እታ ምድሪ ክትርኢ ወፀት። 2ሴኬም ወዲ ኤሞር ኤዊያዊ፥ መስፍን እታ ምድሪ፥ ረአያ እሞ ሒዝዋ ምስኣ ደቀሰ፥ ኣሕሰራ ድማ። 3ልቡ ድማ ናብ ዲና ጓል ያእቆብ ተፀግዐት፤ ነታ ጓል ፈተዋ፥ ንልባ ድማ ተዛረባ። 4ሴኬም ድማ ንኣቦኡ ኤሞር “ነዛ ጓል እዚኣ ሰበይቲ ክትኮነኒ ኣምፅአለይ” በሎ።
5ያእቆብ ድማ ሴኬም ንጓሉ ዲና ኸም ዘርከሰ ሰምዐ፤ ደቁ ግና ምስ ከፍቱ ኣብ በረኻ ነበሩ እሞ፥ ያእቆብ ክሳዕ ዝመፁ ስቕ በለ። 6ኤሞር ኣቦ ሴኬም ድማ ምስኡ ክዛረብ ናብ ያእቆብ ወፀ። 7ደቂ ያእቆብ ድማ ካብ በረኻ መፁ። ምስ ሰምዑ ኸዓ፥ ሴኬም ምስ ጓል ያእቆብ ደቂሱ ኣብ እስራኤል ነውሪ ገይሩ፥ ዘይግባእ ነገር ስለ ዝገበረ፥ እቶም ሰባት የመና ተቘጢዑን ሓዘኑ። 8ኤሞር ድማ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ወደይ ሴኬም ንጓልኩም ሃረር ኢሉ ይደልያ ኣሎ። በይዛኻትኩም ሰበይቲ ክትኮኖ ሃብዎ። 9ምሳና ተዋሰቡ፤ ኣጓላትኩም ሃቡና፥ ኣጓላትና ኸዓ ንስኻትኩም ውሰዱ። 10ምሳና ተቐመጡ፤ እታ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም እያ፤ ኣብኣ ተቐመጡ፥ ነግዱላ፥ ርስቲ ድማ ኣጥርዩላ።”
11ሴኬም ድማ ንኣቦኣን ንኣሕዋታን ከምዙይ በሎም፦ “ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ሞገስ ይርከበለይ፤ ዝበልኩምኒ ዅሉ ድማ ክህብ እየ። 12ገዝምን ህያብን ክንደይ እኳ እንተ በዝሐ ለምኑኒ፥ ከምቲ እትብሉኒ ድማ ክኸፍል እየ። ነታ ጓል ጥራሕ ሰበይቲ ክትኮነኒ ሃቡኒ።”
13ደቂ ያእቆብ ድማ ሴኬም ንሓፍቶም ዲና ስለ ዘርከሰ፥ ንሴኬምን ንኣቦኡ ኤሞርን ብተንኰል መለሱሎም። 14ከምዙይ ኢሎም ድማ በልዎም፦ “ነዝ ነገር እዙይ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና፤ ንሓፍትና ንዘይግሩዝ ሰብኣይ ምሃብ ነውሪ እዩ ንዓና። 15በዝ ነገር እዙይ ጥራሕ ኢና እንሰማማዕ፦ ከማና እንተ ኾንኩም፥ ኵሉ ተባዕታይኩም እንተ ተገረዘ። 16ኣጓላትና ድማ ክንህበኩም፥ ኣጓላትኩም ከዓ ንዓና ክንወስድ ኢና፤ ምሳኻትኩም ክንነብር ሓደ ህዝቢ ድማ ክንኸውን ኢና። 17እንተ ዘይሰማዕኩምናን ዘይተገረዝኩምን ግና፥ ንጓልና ወሲድና ክንከይድ ኢና።”
18እዝ ዘረባኦም ድማ ንኤሞርን ንሴኬም ወዱን ደስ ኣበሎም። 19እቲ መንእሰይ ድማ ብጓል ያእቆብ ተሓጒሱ ነበረ እሞ፥ ነዝ ነገር ኣይደንጐየን፤ ካብ ኵሉ ቤት ኣቦኡ ኸዓ ዝኸበረ ነበረ። 20ኤሞርን ሴኬም ወዱን ድማ ናብ በሪ ኸተማኦም መፁ፤ ነቶም ሰብ ከተማኦም ከዓ ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎም፦ 21“እዞም ሰባት እዚኣቶም ምሳና ሰላም እዮም። ኣብዛ ምድሪ ይንበሩ፥ ኣብኣ ድማ ይንገዱ፤ እታ ምድሪ ንኣኣቶም ገፋሕ እያ። ኣጓላቶም ንሰበይቲ ክንወስድ፥ ኣጓላትና ድማ ክንህቦም ኢና። 22እቶም ሰባት ምሳና ሓደ ህዝቢ ኾይኖም ክነብሩ፥ በዝ ነገር እዙይ ጥራሕ እዮም ዝሰማምዑ፦ ከምቲ ንሳቶም ዝተገረዙ፥ ኵሉ ተባዕታይና እንተ ተገረዘ። 23ከፍቶምን ጥሪቶምን ኵሉ እንስሳኦምን ናትናዶ ኣይኸውንን እዩ? ንሳቶም ጥራሕ ንሰማማዕ፥ ንሳቶም ድማ ምሳና ክነብሩ እዮም።”
24ካብ በሪ ኸተማኡ ዝወፁ ዅሎም ድማ ንኤሞርን ንሴኬም ወዱን ሰምዕዎም፤ ኵሉ ተባዕታይ ከዓ ተገረዘ፤ ካብ በሪ ኸተማኡ ዝወፁ ዅሎም። 25ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፥ ገና እናሓመሙ እንተለዉ፥ ክልተ ደቂ ያእቆብ፥ ስምኦንን ሌዊን፥ ኣሕዋት ዲና፥ ነፍሲ ወከፎም ሰይፉ ወሲዱ፥ ናብታ ተኣማሚና ዝነበረት ከተማ መፁ እሞ ኵሉ ተባዕታይ ቀተሉ። 26ንኤሞርን ንሴኬም ወዱን ድማ ብስሕለት ሰይፊ ቀተልዎም፥ ንዲና ኸዓ ካብ ቤት ሴኬም ወሲዶም ከዱ። 27ደቂ ያእቆብ ድማ ነቶም ሰባት ንሓፍቶም ስለ ዘርከስዋ፥ ናብቶም ምዉታት መፁ፥ ነታ ኸተማ ኸዓ ዘመትዋ። 28ኣባጊዖምን ኣብዑሮምን ኣእዱጎምን ኣብ ከተማን ኣብ በረኻን ዝነበረ ዅሉን ድማ ወሰዱ። 29ኵሉ ሃብቶምን ኵሉ ቘልዑቶምን ኣንስቶምን ድማ ማረኹ፥ ኣብ ኣባይቲ ዝነበረ ዅሉ ኸዓ ዘመቱ። 30ያእቆብ ድማ ንስምኦንን ንሌዊን ከምዙይ በሎም፦ “ኣብ ቅድሚ እዞም ኣብዛ ምድሪ ዝነብሩ ከነዓናውያንን ፌርዛውያንን ፅሉእ ጌርኩምኒ፥ ጭንቂ ኣምፂእኩምለይ። ኣነ ውሑዳት ሰባት እየ ዘሎኒ፤ ኣብ ልዕለይ ተኣኪቦም እንተ ደየቡ፥ ክወቕዑኒ እዮም፤ ኣነን ቤተይን ድማ ክጠፍእ እየ።”
31ንሳቶም ግና “ንሓፍትና ኸም ኣመንዝራ ክገብራዶ ይግባእ?” በሉ።