ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እቲ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ ሰብኣይ

ካብ ውልደቱ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ብጭቃ ተለኽየ፥ ተሓፂቡ ድማ ረአየ፥ ግብሪ ኣቦና ኣብኡ ምእንቲ ኽግለፅ። ክልተ ሻዕ ተጠይቑ ኻብ እምነቱ ኣይተመለሰን፦ ዕዉር ነይረ፥ ሕዚ ግና እርኢ ኣለኹ። ካብ ቤተ ፀሎት ኣውፅእዎ፥ ኢየሱስ ረኸቦ፥ እቶም ዝርእዩ ዝመስሎም ድማ ዕዉራት ኮኑ።

ምዕራፍ 9።

ኢየሱስ እናሓለፈ ኸሎ፥ ካብ ውልደቱ ዕዉር ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ ረአየ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ረቢ፥ ዕዉር ኮይኑ ክሳዕ ዝውለድ፥ እዙይ ሰብኣይ ወይ ወለዱ፥ መን ሓጢኣት ገበረ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

ኢየሱስ ድማ “እዙይ ሰብኣይ ኮነ ወለዱ ሓጢኣት ኣይገበሩን፤ ግብሪ ኣቦና ኣብኡ ምእንቲ ኽግለፅ ደኣ እዙይ ኮነ እምበር” ኢሉ መለሰ። a a v3 ኢየሱስ ንዕውርነት እቲ ሰብኣይ ከም መቕፃዕቲ ሓጢኣት ኣቢሉ ኽርእዮ ኣበየ። ኣብ ክንድኡ ናብ ኣቦና የመልክት፤ ናይ ምድሓን ግብሩ ኣብቲ ዓለም ውድቀት ጥራሕ ዝረኣየትሉ ቦታ ክግለፅ እዩ። “መዓልቲ ኸሎ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ክንገብር ይግባእ፤ ሓደ እኳ ኽሰርሕ ዘይኽእለሉ ለይቲ ይመፅእ ኣሎ። ኣብ ዓለም ክሳዕ ዘለኹ፥ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ።”

ከምዙይ ኢሉ፥ ኣብ ምድሪ ጡፍ በለ፤ ካብቲ ልዛ ጭቃ ገይሩ ድማ፥ ኣብ ኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ለኸዮ።

“ኪድ፥ ኣብ ቓላይ ሰሊሆም ተሓፀብ” በሎ፤ ትርጕሙ ኸዓ “ልኡኽ” ማለት እዩ። እቲ ሰብኣይ ድማ ከይዱ ተሓፂቡ፥ እናረአየ ተመለሰ።

ጐረባብቱን እቶም ቅድሚ ሕዚ እናለመነ ዝረኣይዎን ድማ “እዙይስ እቲ ተቐሚጡ ዝልምን ዝነበረ ኣይኮነንዶ?” በሉ። ገሊኣቶም “እዙይ እዩ” በሉ፤ ካልኦት ድማ “ኣይፋሉን፥ ንእኡ ይመስል ጥራሕ እዩ” በሉ። ንሱ ግና “ኣነ እየ እቱይ” እናበለ ነበረ።

ስለዙይ “እምበኣር ኣዒንትኻ ኸመይ ተኸፈታ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

ንሱ ድማ “እቲ ኢየሱስ ዝበሃል ሰብኣይ ጭቃ ገይሩ፥ ኣብ ኣዒንተይ ለኸየ፥ ‘ናብ ሰሊሆም ኪድ እሞ ተሓፀብ’ ድማ በለኒ። ኣነ ኸዓ ከይደ ተሓፂበ፥ ረአኹ” ኢሉ መለሰ።

“ንሱ ኣበይ ኣሎ?” በልዎ፤ “ኣይፈልጥን እየ” በሎም።

ነቲ ቅድም ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ናብ ፈሪሳውያን ኣምፅእዎ። ኢየሱስ ጭቃ ዝገበረላ ኣዒንቱ ዝኸፈተላን መዓልቲ ኸዓ ሰንበት ነበረት። ስለዙይ ፈሪሳውያን እውን ከመይ ከም ዝረኣየ መሊሶም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ “ኣብ ኣዒንተይ ጭቃ ገበረለይ፥ ተሓፀብኩ፥ ሕዚ ኸዓ እርኢ ኣለኹ” በሎም።

ካብ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “እዙይ ሰብኣይ ሰንበት ኣይሕልውን እዩ እሞ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን” በሉ። ካልኦት ግና “ሓጢኣተኛ ሰብኣይ ከመይ ኢሉ ኸምዙይ ዝበለ ተኣምራት ክገብር ይኽእል?” በሉ። ኣብ ማእኸሎም ከዓ ምፍልላይ ኮነ።

ነቲ ዕዉር ድማ መሊሶም “ኣዒንትኻ ስለ ዝኸፈተ፥ ብዛዕባኡ ንስኻ እንታይ ትብል?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ነብዪ እዩ” በለ።

ኣይሁድ ግና ነቶም ወለዱ ናይቲ ዝረኣየ ሰብኣይ ክሳዕ ዝፀውዕዎም፥ ዕዉር ኔሩ ኸም ዝረኣየ ኣይኣመኑን። ንኣኣቶም ድማ “እዙይዶ እቲ ዕዉር ኮይኑ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ? እሞ ከመይ ኢሉ ሕዚ ይርኢ ኣሎ?” ኢሎም ጠየቕዎም።

ወለዱ ድማ ከምዙይ ኢሎም መለሱ፦ “እዙይ ወድና ምዃኑ፥ ዕዉር ኮይኑ ከም ዝተወለደ ድማ ንፈልጥ ኢና። ሕዚ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝርኢ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ኣዒንቱ መን ከም ዝኸፈተ እውን ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ጠይቕዎ፤ ንሱ ዓብዪ እዩ፤ ባዕሉ ብዛዕባ ርእሱ ክዛረብ እዩ።” ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ እዮም እዙይ ዝበሉ፤ ኣይሁድ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ኢሉ ዝእመን እንተልዩ ኻብ ቤተ ፀሎት ክውፃእ ከም ዝግባእ ኣቐዲሞም ተሰማሚዖም ነበሩሞ። b b v22 ካብ ቤተ ፀሎት ምውፃእ፥ ካብ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ብማሕበራውን ብሃይማኖታውን ፈፂምካ ምግላል ማለት ነበረ። ስለዙይ እዮም ወለዱ “ዓብዪ እዩ፥ ንእኡ ጠይቕዎ” ዝበሉ።

ስለዙይ ነቲ ቅድም ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ መሊሶም ፀዊዖም “ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃብ፤ እዙይ ሰብኣይ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና” በልዎ።

ንሱ ድማ “ሓጢኣተኛ እንተ ኾይኑ ኣይፈልጥን እየ፤ ሓንቲ ነገር ግና እፈልጥ ኣለኹ፦ ዕዉር ነይረ፥ ሕዚ ኸዓ እርኢ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።

ንሳቶም ከዓ “እንታይ ገበረልካ? ኣዒንትኻ ኸመይ ኢሉ ኸፈተ?” በልዎ።

ንሱ ድማ “ድሮ ነጊረኩም እየ፥ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምን። ስለ ምንታይ መሊስኩም ክትሰምዑ ትደልዩ ኣለኹም? ንስኻትኩም እውን ደቀ መዛሙርቱ ክትኮኑ ትደልዩዶ ኣለኹም?” ኢሉ መለሰሎም።

ፀረፍዎ ድማ ከምዙይ ኢሎም፦ “ንስኻ ናይኡ ደቀ መዝሙር ኢኻ፤ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸም ዝተዛረቦ ንፈልጥ ኢና፤ እዙይ ሰብኣይ ግና ካበይ ከም ዝኾነ ኣይንፈልጥን ኢና።”

እቲ ሰብኣይ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እንሆ እቲ ዘገርም ነገር፦ ንስኻትኩም ካበይ ከም ዝኾነ ኣይትፈልጡን ኢኹም፥ ንሱ ግና ኣዒንተይ ከፈተ። እግዚኣብሄር ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዕ ንፈልጥ ኢና፤ ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሄር ዘኽብርን ፍቓዱ ዝገብርን እንተ ኾይኑ ግና፥ እግዚኣብሄር ንእኡ ይሰምዕ እዩ። ዓለም ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፥ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ ሰብ ኣዒንቱ ኸም ዝተኸፈተ፥ ሓደ እኳ ሰሚዑ ኣይፈልጥን። እዙይ ሰብኣይ ካብ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኸውን፥ ዝኾነ ነገር ክገብር ኣይምኸኣለን።”

ንሳቶም ድማ “ንስኻ ብምሉእ ብሓጢኣት ተወሊድካ፥ ንዓና ኽትምህረና?” ኢሎም መለሱሉ፤ ናብ ወፃኢ ኸዓ ኣውፅእዎ።

ንስኻ ትኣምንዶ?

ኢየሱስ ናብ ወፃኢ ኸም ዘውፅእዎ ሰምዐ፤ ረኺብዎ ኸዓ “ንስኻ ብወዲ ሰብ ትኣምንዶ?” በሎ።

ንሱ ድማ “ንሱ መን እዩ፥ ጐይታይ፥ ብእኡ ምእንቲ ኽኣምን?” ኢሉ መለሰ።

ኢየሱስ ድማ “ርኢኻዮ ኢኻ፤ እቲ ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ ኸዓ ንሱ እዩ” በሎ።

ንሱ ኸዓ “ጐይታይ፥ እኣምን እየ” በለ፤ ሰገደሉ ድማ።

ኢየሱስ ድማ “እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኽርእዩ፥ እቶም ዝርእዩ ኸዓ ዕዉራት ምእንቲ ኽኾኑ፥ ኣነ ንፍርዲ ናብዛ ዓለም እዚኣ መፂአ” በለ።

ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም እዙይ ሰሚዖም “ንሕናውን ዕዉራት ዲና?” በሉ።

ኢየሱስ ድማ “ዕዉራት እንተ ትኾኑ ኔርኩም፥ ሓጢኣት ኣይምሃለኩምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ‘ንርኢ ኣለና’ ትብሉ ስለ ዘለኹም፥ ሓጢኣትኩም ይነብር ኣሎ” በሎም።