ንሰብ ተስፋ ኣለዎዶ?
ዝተቖርፀ ኦም ብጨና ማይ መሊሱ ይበቍል፥ ሰብ ግና ይድቅስ፥ ኣይትስእንን። ኢዮብ እቶም ምዉታት ከም ዝነብሩ ይሓስብ፥ ቍጥዓ ኽሳዕ ዝሓልፍ ተሓቢኡ ደሓር ከዓ ኽፅዋዕ ይምነ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ከም ማይ ኣብ ልዕሊ እምኒ ንተስፋ ሰብ ከም ዘጥፍኦ ይዛረብ።
14 1“ካብ ሰበይቲ ዝተወለደ ሰብ፥ መዓልቱ ሓፃር፥ መከራ ኸዓ ዝመልኦ እዩ። 2ከም ዕምበባ ይበቊል፥ ይረግፍውን፤ ከም ፅላሎት ይሃድም፥ ኣይፀንዕን ከዓ። 3ኣብ ከምዙይ ዝበለ ሰብዶ ዓይንኻ ተንብር? ንኣይ ድማ ምሳኻ ናብ ፍርዲ ተምፅአኒ? 4ካብ ርኹስ ንፁህ ከውፅእ ዝኽእል መን እዩ? ሓደ እኳ የለን። 5መዓልቱ ስለ ዝተወሰነ፥ ብዝሒ ኣዋርሕ ኣባኻ እዩ፤ ዘይሓልፎ ወሰን ከዓ ጌርካ ኢኻ፤ 6ገፅካ ኻብኡ መልስ፥ ምእንቲ ክዐርፍ፥ ከም ዕሱብ መዓልቱ ክሳዕ ዝውድእ።
7“ንኦም ተስፋ ኣለዎ እዩ እሞ፦ እንተ ተቖሪፁ መሊሱ ክበቍል እዩ፥ ጨናፍር ኸዓ ኣይጠፍእን እዩ። 8ሱሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣረገ፥ ጕንዱውን ኣብ ሓመድ እንተ ሞተ፥ 9ብጨና ማይ ክበቍል፥ ከም ሓድሽ ተኽሊ ኸዓ ጨናፍር ከውፅእ እዩ። 10ሰብ ግና ይመውት፥ ይዋረድ ከዓ፤ ሰብ እስትንፋስ ይወፅእ፥ ኣበይከ ኣሎ? 11ከምቲ ማይ ካብ ቓላይ ዝጠፍእ፥ ሩባ ኸዓ ዝጐድል፥ ዝነፅፍ፥ 12ከምኡ ሰብ ይድቅስ፥ ኣይትስእን ከዓ፤ ሰማያት ክሳዕ ዝሓልፉ፥ ኣይበራበርን፥ ካብ ድቃሱ ኸዓ ኣይትንሳእን እዩ።
13“ኣብ መቓብር እንተ ትሓብአኒ፥ ቍጥዓኻ ክሳዕ ዝሓልፍ ከዓ እንተ ትኽውለኒ፥ ውሱን ጊዜ እንተ ትቕፅረለይ፥ እንተ ትዝክረኒ ኸዓ! 14ሰብ እንተ ሞተ፥ መሊሱ ብህይወት ክነብር እዩ? ኵሉ መዓልቲታት ከቢድ ግልጋለይ ክፅበ እየ፥ ክሳዕ ምሕዳሰይ ዝመፅእ። 15ንስኻ ትፅውዕ፥ ኣነ ኸዓ እምልሰልካ፤ ንስኻ ንስራሕ ኣእዳውካ ትናፍቕ። 16ሽዑ ስጕምተይ ክትቖፅር ኢኻ፤ ኣብ ሓጢኣተይ ከዓ ኣይትሕልውን ኢኻ። 17በደለይ ኣብ ከረጢት ተሓቲሙ፥ ሓጢኣተይ ከዓ ክትሽፍን ኢኻ።
18“ግና ከምቲ እምባ ዝወድቕ፥ ዝፈርስ፥ ኰዅሒ ኸዓ ካብ ቦታኡ ዝግዕዝ፥ 19ከምቲ ማይ ነኣእማን ዝበልዕ፥ ወሓይዝ ከዓ ንሓመድ ምድሪ ዝፅርግ፥ ከምኡ ንተስፋ ሰብ ተጥፍኦ። 20ንዘለኣለም ትስዕሮ፥ ንሱ ኸዓ ይሓልፍ፤ ገፁ ተፀምልዎ፥ ትሰዶውን። 21ደቁ ናብ ክብሪ ይመፁ፥ ንሱ ግና ኣይፈልጥን፤ ይዋረዱ፥ ንሱ ግና ኣየቕልብን። 22ቃንዛ ስጋኡ ጥራሕ ይስምዖ፥ ብዛዕባ ነፍሱ ጥራሕ ከዓ ይሓዝን።”