ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ፍቕሪ ኣድልዎ የብላን

ንሃብታም ኣብ ፅቡቕ ቦታ፥ ንድኻ ድማ ኣብ ምድሪ ምቕማጥ፥ ነታ ጉባኤ ብኽፉእ ሓሳብ ዝምርሑ ፈራዶ ይገብራ፥ ኣቦና ግና ነቶም ድኻታት ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ ሓሪይዎም እዩ። እታ ንጥሙይ ሓው ብቓላት ጥራሕ እትምግብ እምነት ድማ ምውቲ እያ።

ምዕራፍ 2።

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ በቲ ኽቡር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመንቲ ኴንኩም፥ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ናብ ጉባኤኹም ናይ ወርቂ ቀለበት ገይሩ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፥ ዝኣረገ ክዳን ዝተኸድነ ድኻ ሰብኣይ ድማ እንተ ኣተወ፥ ነቲ ፅቡቕ ዝተኸድነ ርኢኹም “ኣብዝ ፅቡቕ ቦታ ተቐመጥ” እንተ ኢልኩም፥ ነቲ ድኻ ግና “ኣብኡ ደው በል፥” ወይ “ኣብ እግረይ ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፥” እንተ ኢልኩም፥ ኣብ ንሕድሕድኩምዶ ኣድልዎ ኣይገበርኩምን፥ ብኽፉእ ሓሳብ ዝምርሑ ፈራዶ ኸዓ ኣይኮንኩምንዶ? ስምዑ ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፦ ኣቦና ነቶም ናይ ዓለም ድኻታት፥ ብእምነት ሃብታማት፥ ነታ ነቶም ዘፍቅርዎ እተተስፈዎም መንግስቲ ወረስትን ክኾኑ፥ ኣይሓረዮምንዶ? ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ኣነኣእስኩምዎ። እቶም ሃብታማት ኣይዓምፁኹምንዶ፥ ናብ ቤት ፍርዲ ኸዓ ኣይስሕቡኹምንዶ? ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝተፀውዐ ኽቡር ስም ኣይፅርፉንዶ?

ከምቲ ፅሑፍ፥ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፥” ዝብል፥ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ፅቡቕ ትገብሩ ኣለኹም።

ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና፥ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፤ እቲ ሕጊ ኸዓ ኸም ኣፍረስቲ ሕጊ ገይሩ ይኵንነኩም። ኵሉ ሕጊ ዝሓለወ፥ ኣብ ሓደ ነገር ግና ዝዕንቀፈ፥ ናይ ኵሉ በዳሊ ኮይኑ እዩ። ኣቦና፥ እቲ ምዝማው ዝኸልከሎ፥ ምቕታልውን ከልኪሉ እዩ እሞ። እምበኣር ዘይዘሜኹም ኴንኩም እንተ ቀቲልኩም፥ ኣፍረስቲ ሕጊ ኢኹም። ብሕጊ ነፃነት ክትፍረዱ ኸም ዘለኩም ሰባት ኴንኩም፥ ተዛረቡ ድማ ግበሩ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ፍርዲ ብዘይ ምሕረት እዩ፤ ምሕረት ንፍርዲ ትስዕሮ እያ።

እታ እትሰርሕ እምነት

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ እምነት ኣለኒ እናበለ ግብሪ እንተ ዘይብሉ፥ እንታይ ይጠቕም? እታ እምነት እቲኣ ኸተድሕኖዶ ትኽእል እያ? ሓደ ሓው ወይ ሓብቲ ዝኽደንዎ ዘይብሎም፥ ናይ ዕለት ምግቢ ድማ ዝሰኣኑ እንተ ኾይኖም፥ ካባኻትኩም ሓደ ኸዓ “ብሰላም ኪዱ፥ ተመውቑን ተፀገቡን፥” እንተ በሎም፥ ነቲ ስጋኦም ዘድልዮ ግና ገለ እንተ ዘይሃቦም፥ እንታይ ይጠቕም? ከምኡ ኸዓ እምነት ብገዛእ ርእሳ፥ ግብሪ እንተ ዘይሰዓባ፥ ምውቲ እያ። ሓደ ሰብ ግና “ንስኻ እምነት ኣለካ፥ ኣነ ኸዓ ግብሪ ኣለኒ፥” ክብል እዩ። እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፥ ኣነ ኸዓ እምነተይ ካብ ግብረይ ከርእየካ እየ። ኣቦና ሓደ ምዃኑ ትኣምን ኢኻ፤ ፅቡቕ ትገብር ኣለኻ። እቶም ኣጋንንቲ እኳ ኸምኡ ይኣምኑ እዮም፥ ይርዕዱውን እዮም። ኣታ ዓሻ ሰብ፥ እምነት ብዘይ ግብሪ ኸንቱ ኸም ዝኾነት ከርእየካዶ ትደሊ? ኣቦና ኣብርሃም፥ ንወዱ ይስሓቅ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፥ ብግብሪ ኣይፀደቐንዶ? እታ እምነት ምስ ግብሩ ሓቢራ ኸም ዝሰርሐት፥ እምነትውን ብግብሩ ኸም ዝተፈፀመት፥ ትርኢ ኣለኻ። በዙይ ድማ እቲ “ኣብርሃም ብኣቦና ኣመነ፥ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ፥” ዝብል ፅሑፍ ተፈፀመ፤ ፈታዊ ኣቦናውን ተብሃለ። a a v23 ኣብርሃም ብኣቦና ኣማኒ ጥራሕ ኣይነበረን — ፈታዊኡ ተባሂሉ ደኣ እዩ። ኣቦና ንዓና ዝስዕበና ቀንዲ ምኽንያቱ እዙይ እዩ፦ ነቶም ዝፈርሕዎ ባሮት ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝፈልጥዎ ፈተውቲ ደኣ እዩ ዝደሊ። ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብግብሪ ኸም ዝፀድቕ ትርእዩ ኣለኹም። ከምኡ ኸዓ ረኣብ እታ ኣመንዝራ፥ ነቶም ልኡኻት ተቐቢላ ብኻልእ መንገዲ ምስ ሰደደቶም፥ ብግብሪ ኣይፀደቐትንዶ? ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝኾነ፥ ከምኡ ኸዓ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ።