ብዘይ መፅናንዒ ዝኾነ ንብዓት
እቲ መምህር መፅናንዒ ዘይብሉ ግፍዒ ይርኢ፥ ነቶም ምዉታት ድማ ካብ ህያዋን ይሐይሹ ይብል። ዝበዝሐ ዕዮ ኻብ ቅንኣት እዩ ዝብገስ። ይኹን እምበር ካብ ሓደ ኽልተ ይሐይሹ፦ እንተ ወደቕካ ዘተስኣካ፥ ዘውዕየካ፥ ደው ዘብለካ። ተፈታዊ ንጉስ እኳ ቀልጢፉ ዘይድለ ይኸውን።
4 1መሊሰ ጠሚተ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ዘሎ ዅሉ ግፍዒ ረአኹ፦ እቶም ግፉዓት ንብዓቶም ይፈስስ ነበረ፥ ዘፅናንዖም ዝኾነ ሰብ ከዓ ኣይነበሮምን፤ ገፋዕቶም ሓይሊ ሒዞም ነበሩ፥ መፅናንዒ ከዓ ገና ኣይነበረን። 2ስለዙይ ነቶም ድሮ ዝሞቱ ምዉታት፥ ካብቶም ገና ብህይወት ዘለዉ ህያዋን ኣዝዩ ሕጉሳት ምዃኖም ኣወጅኩ። 3ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ገና ዘይተወለደ፥ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ዘሎ ክፉእ ነገር ዘይረአየ፥ ይሐይሽ። 4ኵሉ ፃዕርን ጥበብን ካብ ቅንኣት ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ከም ዝመፅእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ከንቱ፥ ንፋስ ምስዓብ እዩ። 5እቲ ዓሻ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ንርእሱ የጥፍእ። 6ካብ ክልተ ሕፍኒ ምስ ፃዕሪ ከምኡውን ምስ ንፋስ ምስዓብ፥ ሓደ ሕፍኒ ምስ ህድኣት ይሐይሽ።
7መሊሰ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ካልእ ከንቱ ነገር ረአኹ፦
8በይኑ ዘሎ ሰብ ኣሎ፥ ብፃይ የብሉን፥ ወዲ ኾነ ሓው የብሉን፤ ፃዕሩ መወዳእታ የብሉን፥ ኣዒንቱ ግና ብሃብቲ ፈፂሙ ኣይፀግባን። “ንመን እየ ዝሰርሕ ዘለኹ፥ ንነፍሰይ ከዓ ካብ ሰናይ ዝኸልእ?” ኢሉ ይሓትት። እዙይ ከዓ ከንቱ፥ ክፉእ ተግባር እዩ።
9ንፃዕሮም ፅቡቕ ዓስቢ ኣለዎም እዩሞ፥ ካብ ሓደ ኽልተ ይሐይሹ፦ 10ሓደ እንተ ወደቐ፥ እቲ ካልኣይ የተስኦ። ነቲ በይኑ ዝወድቕ ግና፥ ዘተስኦ ዝኾነ ሰብ ስለ ዘይብሉ፥ ወይለኡ። 11ከምኡውን ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፥ ይመውቑ። ሓደ ግና በይኑ ኸመይ ጌሩ ኽመውቕ ይኽእል? 12ሓደ በይኑ ይስዓር፥ ክልተ ግና ይቃወሙ። ብሰለስተ ዝተገመደ ገመድ ከዓ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።
እቲ ጥበበኛ መንእሰይን እቲ ዓሻ ንጉስን
13ካብ እቲ ዝሸምገለ ደጊም ምኽሪ ኽቕበል ዘይፈልጥ ዓሻ ንጉስ፥ ድኻ ጥበበኛ መንእሰይ ይሐይሽ። 14እቲ መንእሰይ ክነግስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ ክኸውን ይኽእል፥ ወይ ከዓ ኣብታ መንግስቲ እቲኣ ድኻ ኾይኑ ተወሊዱ ክኸውን ይኽእል። 15ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝንቀሳቐሱ ዅሎም ህያዋን፥ ነቲ ኣብ ቦታ ንጉስ ዝትክእ መንእሰይ ክስዕቡ ረአኹ። 16ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ኵሎም ህዝቢ ቍፅሪ ኣይነበሮምን። ድሕሪኡ ዝመፁ ግና ብእኡ ኣይተሓጐሱን። እዙይ ከዓ ከንቱ፥ ንፋስ ምስዓብ እዩ።