ንምስማዕ ቅረብ
ንምዝራብ ዘይኮነ ንምስማዕ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኪድ፤ ቃላትካ ውሑድ ይኹን፥ ነቲ ዝተመባፃዕካዮ ድማ ፈፅም። ገንዘብ ምፍቃር ከቶ ኣየፅግብን፥ ሃብቲ ብሓደ ሕማቕ ንግዲ ክጠፍእ ይኽእል፥ ከምቲ ዝመፃእካ ድማ ጥራሕካ ትኸይድ። ካብ ዕዮኻ ብፅሒትካ ምሕጓስ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ።
5 1ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትኣቱ እንተለኻ፥ ኣካይዳኻ ሓሉ። መስዋእቲ ዓያሹ ንምቕራብ ዘይኮነስ፥ ንምስማዕ ቅረብ፤ ንሳቶም ክፉእ ይገብሩ ምህላዎም ኣይፈልጡን እዮም። 2ኣፍካ ኣይተቕልጥፍ፥ ልብኻ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምዝራብ ኣይተሃወኽ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ እዩ፥ ንስኻ ድማ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፥ ቃላትካ ውሑድ ይኹን። 3ሕልሚ ካብ ብዙሕ ዕዮ፥ ድምፂ ዓሻ ድማ ካብ ብዙሕ ዘረባ ይመፅእ እዩ። 4ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ምስ ተመባፃዕኻ፥ ብዓያሹ ባህ ኣይብሎን እዩ እሞ፥ ንምፍፃም ኣይትደንጒ። ነቲ ዝተመባፃዕኻዮ ፈፅም። 5መብፅዓ ተመቢፅካ ኻብ ዘይምፍፃም፥ ዘይምምባፅዕ ይሐይሽ። 6ኣፍካ ኣብ ሓጢኣት ኣየእትወካ፤ ነቲ መልእኽተኛ ድማ “ጌጋ እዩ ነይሩ” ኣይትበሎ። እግዚኣብሄር ስለምንታይ ብድምፅኻ ተቘጢዑ፥ ንስራሕ ኢድካ የጥፍኦ? a a v6 እቲ መልእኽተኛ፥ እቲ ኣብ ክንዲ እግዚኣብሄር መብፅዓ ዝቕበልን ዝምዝግብን ሹመኛ ቤተ መቕደስ ወይ ካህን እዩ። 7ኣብ ብዙሕ ሕልምን ብዙሕ ዘረባን ጊዜያዊ ከንቱነት ኣሎ። ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ።
ግፍዕን ረብሓ እታ ምድርን
8ኣብ ሓደ ኣውራጃ ድኻ ክግፋዕ፥ ፍርድን ፅድቅን ድማ ክጥሓስ እንተ ርኢኻ፥ ኣይትገረም፤ ልዕሊ ሓደ ሹመኛ ዝለዓለ ይሕልዎ፥ ልዕሊ እዚኣቶም ድማ ዝለዓሉ ደው ኢሎም ኣለዉ። 9ረብሓ እታ ምድሪ ግና ንኹሉ እዩ፤ ንጉስ እኳ ብግራት ይግልገል።
10ገንዘብ ዘፍቅር ኣይፀግብን፤ ሃብቲ ዘፍቅር ድማ ብኣታዊ ኣይፀግብን። እዙይውን ጊዜያዊ እዩ። 11ሃብቲ እናበዝሐ፥ እቶም ዝበልዕዎ ድማ ይበዝሑ፤ ንበዓል ዋናኡ፥ ብዓይኑ ካብ ምርኣይ ብዘይካ፥ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?
12ድቃስ ሰራሕተኛ፥ ሒደት ኮነ ብዙሕ እንተ በልዐ፥ ጥዑም እዩ፤ ፅጋብ እቲ ሃብታም ግና ክድቅስ ኣይሓድጎን።
13ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሕዝን ክፉእ ነገር ርኣኹ፦ ሃብቲ ብዋናኡ ተዓቂቡ ንጉድኣቱ ኾይኑ። 14እቲ ሃብቲ ድማ ብሕማቕ ንግዲ ጠፍአ፤ ወዲ ምስ ወለደ ኸዓ፥ ዝገድፈሉ ገለ እኳ ኣይተረፎን። 15ካብ ማህፀን ኣዲኡ ኸም ዝመፀ፥ ጥራሑ ይምለስ፤ ከምቲ ዝመፀ ይኸይድ፥ ካብ ፃዕሪ ድማ ብኢዱ ዝማላእ ገለ እኳ ኣይወስድን። 16እዙይውን መሪር ክፉእ ነገር እዩ፦ ከምቲ ዝመፀ፥ ከምኡ ይኸይድ። ንንፋስ ኢሉ ካብ ምድካሙ እንታይ ይረብሕ? 17ኵሉ መዓልቲታት ህይወቱ ብፀልማት ይበልዕ፥ ብብዙሕ ጭንቀትን ሕማምን ቍጥዐን።
18እዙይ ርኣኹ፦ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ኣብቲ ዝፅዕረሉ ኵሉ ፃዕሪ፥ ምብላዕ፥ ምስታይ፥ ፅቡቕ ምርኣይን፥ በተን እግዚኣብሄር ዝህቦ ውሑዳት መዓልቲታት ህይወት፥ ፅቡቕን ዝግባእ እዩ፤ ግደ ሰብ እዙይ እዩ እሞ። 19ከምኡ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ሰብ ሃብትን ጥሪትን እንተ ሃቦ፥ ክሕጎሰሉ ድማ ስልጣን እንተ ሃቦ፥ ግደ ክቕበል፥ ብፃዕሪ ድማ ክሕጎስ፥ እዙይ ውህበት እግዚኣብሄር እዩ። 20እግዚኣብሄር ብሓጐስ ልቡ ይሕዝ ስለ ዘሎ፥ መዓልቲታት ህይወቱ ብዙሕ ኣይዝክርን እዩ።