ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ከቶ ዘይፀግብ

ሓደ ሰብ ሃብትን ክብረትን ሚእቲ ውሉድን ክህልዎ ይኽእል፥ ካብኡ ገለ ኽፍሊ ኽበልዕ ግና ዘይተፈቕደሉ፤ እቲ መምህር ምዉት ኮይኑ ዝተወለደ ህፃን ካብኡ ኣዝዩ ዝበለፀ ዕረፍቲ ኣለዎ ይብል። ነፍሲ ኸቶ ኣይትፀግብን፥ ጥበብ ዝኾነ ረብሓ ኣይገዝእን፥ ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝስዕብ ዝፈልጥ ከዓ የለን።

ምዕራፍ 6።

ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ክፉእ ኣሎ፥ ኣብ ልዕሊ ሰብ ከዓ ኸቢድ እዩ፦ እግዚኣብሄር ንሓደ ሰብ ጥሪትን ሃብትን ክብረትን ዝህቦ፥ ነፍሱ ኻብ እትደልዮ ኸዓ ዘይጎድሎ፥ እግዚኣብሄር ግና ካብኡ ኽበልዕ ዘየፍቀደሉ፥ ጓና ደኣ ኣብ ክንድኡ ዝበልዖ እዩ። እዙይ ከንቱን ዘሕዝን ሕማምን እዩ።

ሓደ ሰብ ሚእቲ ውሉድ እንተ ወለደ፥ ብዙሕ ዓመታትውን እንተ ነበረ፥ ዕድሚኡ ኽንደይ ይንዋሕ ብዘየገድስ፥ ነፍሱ ግና ብፅቡቕ ነገር እንተ ዘይፀገበት፥ ንሱ ኸዓ እንተ ዘይተቐበረ፥ ካብኡ ምዉት ኮይኑ ዝተወልደ ህፃን ይሐይሽ እብል ኣለኹ። ብኸንቱ ይመፅእ፥ ናብ ፀልማት ድማ ይኸይድ፤ ስሙ ኸዓ ብፀልማት ይኽደን። ንፀሓይ እኳ እንተ ዘይረአየ፥ ገለ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፥ ካብቲ ሰብ እቱይ ዝበለፀ ዕረፍቲ ኣለዎ። ሽሕ ዓመት ክልተ ሻዕ እኳ እንተ ነበረ፥ ፅቡቕ ከዓ ኸቶ እንተ ዘይተሓጎሰ፥ ኵሉ ናብ ሓደ ቦታ ኣይከይድንዶ? ኵሉ ፃዕሪ ሰብ ንኣፉ እዩ፥ ነፍሱ ግና ከቶ ኣይትፀግብን። እቲ ጠቢብ ካብቲ ዓሻ እንታይ ይበልፅ? እቲ ድኻ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከመይ ኢሉ ኸም ዝመላለስ ብምፍላጥ እንታይ ይረክብ? ካብ ዝንባለ ትምኒት፥ ርእየት ኣዒንቲ ይሐይሽ። እዙይውን ከንቱ እዩ፥ ንፋስ ምስዓብ ከዓ እዩ። ዘሎ ዅሉ ቕድሚ ሕዚ ተሰምዩ እዩ፥ ሰብ እንታይ ምዃኑውን ይፍለጥ እዩ፤ ካብኡ ምስ ዝሕይል ድማ ክማጎት ኣይክእልን እዩ።

ቃላት እናበዝሐ እናኸደ፥ ከንቱነት እናበዝሐ ይኸይድ፥ ንሰብ ከዓ እንታይ ይጠቕሞ? ኣብተን ከም ፅላሎት ዝሓልፍ ውሑዳት መዓልቲታት ናይ ከንቱ ህይወቱ፥ ንሰብ እንታይ ፅቡቕ ከም ዝኾኖ ዚፈልጥ መን ኣሎ? ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንታይ ከም ዝኸውን ዚነግሮ መንከ ኣሎ?