ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንኵሉ ነገር ወቕቲ ኣለዎ

ኵሉ ነገር ወቕቱ ኣለዎ፥ ምውላድን ሞትን፥ ውግእን ሰላምን፥ ዝኾነ ሰብ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ብምልኡ ኽርድኦ ኣይኽእልን፥ ዘለኣለም ኣብ ልቢ ሰብ እኳ እንተ ኣንበረ። ኣብቲ ፍርዲ ክህሉ ዝግብኦ ስፍራ እከይ ተቐሚጡ ኣሎ። ሰብን እንስሳን ሓደ እስትንፋስ ይስሕቡ፥ ሓደ መቓብርውን ይማቐሉ።

ምዕራፍ 3።

ንኵሉ ነገር ጊዜ ኣለዎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ንኵሉ ነገር ድማ ጊዜኡ ኣለዎ፦ ጊዜ ምውላድ፥ ጊዜ ሞት፤ ጊዜ ምትካል፥ ጊዜ ነቲ ዝተኸለ ምንቃል፤ ጊዜ ምቕታል፥ ጊዜ ምሕዋይ፤ ጊዜ ምፍራስ፥ ጊዜ ምህናፅ፤ ጊዜ ምብካይ፥ ጊዜ ምስሓቕ፤ ጊዜ ምሕዛን፥ ጊዜ ምስዕሳዕ፤ ጊዜ ኣእማን ምድርባይ፥ ጊዜ ኣእማን ሓቢርካ ምእካብ፤ ጊዜ ምሕቛፍ፥ ጊዜ ካብ ምሕቛፍ ምቑጣብ፤ ጊዜ ምድላይ፥ ጊዜ ምጥፋእ፤ ጊዜ ምሕላው፥ ጊዜ ምድርባይ፤ ጊዜ ምቕዳድ፥ ጊዜ ምስፋይ፤ ጊዜ ስቕ ምባል፥ ጊዜ ምዝራብ፤ ጊዜ ምፍቃር፥ ጊዜ ምፅላእ፤ ጊዜ ውግእ፥ ጊዜ ሰላም።

እቲ ሰራሕተኛ ካብ ፃዕሩ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? ነቲ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ክፅመድሉ ዝሃቦም ዕዮ ረአኹ። ንኵሉ ነገር በብግዜኡ ፅቡቕ ገበሮ፤ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘለኣለም ኣንበረ፤ ግናኸ እቲ እግዚኣብሄር ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ዝኾነ ሰብ ክርድኦ ኣይኽእልን። ካብ ምሕጓስን ብህይወት ከለዉ ሰናይ ካብ ምግባር ዝሐይሽ ከም ዘይብሎም ፈለጥኩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክበልዕን ክሰትን ካብ ኵሉ ዕዮኡ ድማ ዕግበት ክረክብ፥ እዙይውን ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ። እቲ እግዚኣብሄር ዝገብሮ ዅሉ ንዘለኣለም ከም ዝነብር ፈለጥኩ፤ ዝውሰኾ የለን፥ ዝጒደልን የለን። ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ክፈርሑ ድማ ገበሮ። እቲ ዘሎ ድሮ ነይሩ እዩ፥ እቲ ዝኸውን ድማ ድሮ ነይሩ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዝተሰጐ ይደልዮ።

ኣብ ስፍራ ፍርዲ ዘሎ እከይ

ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ከምዙይ ረአኹ፦ ኣብ ስፍራ ፍርዲ እከይ ኣሎ፥ ኣብ ስፍራ ፅድቂ ኸዓ እከይ ኣሎ። ብልበይ ከምዙይ በልኩ፦ “እግዚኣብሄር ንፃድቕ ንረሲእን ክፈርድ እዩ፥ ንኵሉ ነገርን ንኵሉ ተግባር ኣብኡ ጊዜ ኣለዎ እሞ።” ብልበይ ከምዙይ በልኩ፦ “እግዚኣብሄር ንሰባት ይፍትኖም ኣሎ፥ ባዕልቶም ከም እንስሳ ጥራሕ ምዃኖም ምእንቲ ክርእዩ።” ደቂ ሰብን እንስሳን ሓደ ዕጫ ኣለዎም፤ ከምቲ ሓደ ዝመውት እቲ ኻልእ ድማ ይመውት፤ ክልቲኦም ሓደ እስትንፋስ ኣለዎም። ሰብ ካብ እንስሳ ዝኾነ ብልጫ የብሉን፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ እሞ። ኵሉ ናብ ሓደ ቦታ ይኸይድ፤ ኵሉ ኻብ ሓመድ መፂኡ፥ ኵሉ ድማ ናብ ሓመድ ይምለስ። መንፈስ ሰብ ንላዕሊ ከም ዝድይብ፥ መንፈስ እንስሳ ኸዓ ናብ ታሕቲ ናብ ምድሪ ከም ዝወርድ፥ መን ይፈልጥ? ስለዙይ ሰብ ብዕዮኡ ኻብ ምሕጓስ ዝሐይሽ ከም ዘይብሉ ረአኹ፤ እዙይ ግዱ እዩ እሞ። ድሕሪኡ ዝኸውን መን ከርእዮ ይኽእል?