ንእምባ ሴይር ብዙርያ ምኻድ
ሙሴ ነተን ናይ ዑደት ዓመታት ይደግም፦ ኤዶምን ሞኣብን ደቂ ኣሞንን ዘይትንከፉ እዮም፤ ኣቦና ነተን ምድርታት ንዘርኢ ኤሳውን ሎጥን ሂብዎም እዩ እሞ። ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ድማ ክሳዕ እቲ ተዋጋኣይ ወለዶ ዝጠፍእ ሓለፈ። ሽዑ ሴዎን መሕለፊ ኣበየ፤ መንግስቱ ኸዓ እታ እስራኤል ቀዳመይቲ ዝሓዛ ምድሪ ኾነት።
2 1ሽዑ ተመሊስና፥ ከምቲ ኣቦና ዝበለኒ፥ ብመንገዲ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ምድረ በዳ ተጓዓዝና፤ ንብዙሕ መዓልቲ ኸዓ ንእምባ ሴይር ዞርናዮ።
2ሽዑ ኣቦና ከምዙይ በለኒ፦
3“ነዝ ደጕዓ እዙይ ዝዞርኩምሉ ኣኺሉ እዩ፤ ናብ ሰሜን ተመለሱ። 4ንህዝቢ ኸዓ ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ነቲ ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትኩም ደቂ ኤሳው ወሰን ክትሓልፉ ኢኹም። ንሳቶም ድማ ክፈርሑኹም እዮም፤ ኣዚኹም ተጠንቀቑ። 5ኣይትተናኸፍዎም፤ እምባ ሴይር ርስቲ ኽኾኖ ንኤሳው ስለ ዝሃብክዎ፥ ካብ ምድሮም እግሪ እትረግፁሉ ዝኣክል ስፍራ እኳ ኣይህበኩምን እየ። 6ንምብላዕ ምግቢ ብብሩር ካብኣታቶም ሽመቱ፤ ንምስታይ ማይውን ብብሩር ካብኣታቶም ዓድጉ።
7“ኣቦኻ በቲ ዅሉ ግብሪ ኢድካ ባሪኹካ እዩ እሞ። ነዚ ዓብዪ ምድረ በዳ እዙይ ምጕዓዝካ ይፈልጥ እዩ። እዘን ኣርብዓ ዓመት እዚኣተን ኣቦኻ ምሳኻ ነይሩ፤ ሓደ እኳ ኣይጐደለካን።”
8እምበኣር ካብቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው፥ ካብታ ኻብ ኤሎትን ኤፅዮንጋብርን እትድይብ መንገዲ ዓረባ ርሒቕና ሓለፍና። ሽዑ ተመሊስና ናብ ምድረ በዳ ሞኣብ ኣቢልና ኸድና።
9ኣቦና ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ንሞኣብ ኣይተጨንቕዎ፤ ናብ ውግእውን ኣይተለዓዓልዎ፤ ንዓር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ሂበዮ እየ እሞ፥ ካብ ምድሮም ርስቲ ኣይህበኩምን እየ።”
10(ቀደም ኤሚማውያን ኣብኡ ይነብሩ ነበሩ፤ ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥ ከም ዔናቃውያን ነዋሕቲ ነበሩ። 11ከም ዔናቃውያን ንሳቶምውን ራፋውያን ተባሂሎም ይቑፀሩ፤ ሞኣባውያን ግና ኤሚም ይብልዎም። 12ቀደም ሆራውያን ኣብ ሴይር ይነብሩ ነበሩ፤ ደቂ ኤሳው ግና ሰጊጎም ኣጥፊኦምዎም፥ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ፤ ከምቲ እስራኤል ነታ ኣቦና ዝሃቦም ምድሪ ዝገበሮ።)
13“ሕዚ ተሲእኹም ንሩባ ዘሬድ ተሳገሩ።” ንሕና ድማ ንሩባ ዘሬድ ተሳገርናዮ።
14ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ንሩባ ዘሬድ ዝተሳገርናሉ፥ ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ኮነ፤ ክሳዕ እቲ ዅሉ ወሎዶ ተዋጋእቲ ሰባት ከምቲ ኣቦና ዝመሓለሎም ካብ ሰፈር ዝሞተ። 15ብሓቂ ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕሊኦም ነበረት፤ ክሳዕ ዝጠፍኡ ድማ ካብ ሰፈር ኣጥፍአቶም። 16እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኵሎም ካብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ጠፊኦም ምስ ሞቱ ድማ፥ 17ኣቦና ከምዙይ በለኒ፦
18“ሎሚ ንስኻ ኣብ ዓር ዘሎ ወሰን ሞኣብ ክትሓልፍ ኢኻ። 19ናብ ደቂ ኣሞን ምስ ቀረብካ፥ ኣይትወግኦም፤ ኣይተጨንቆምን፤ ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ሂበዮ እየ እሞ፥ ካብ ምድሮም ርስቲ ኣይህበካን እየ።”
20(እቲኣ እውን ምድሪ ራፋውያን ተባሂላ ትቑፀር፤ ቀደም ራፋውያን ኣብኣ ይነብሩ ነበሩ፤ ደቂ ኣሞን ግና ዛምዙሚም ይብልዎም፤ 21ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥ ከም ዔናቃውያን ነዋሕቲ ነበሩ። ኣቦና ግና ኣብ ቅድሚ ደቂ ኣሞን ኣጥፍኦም፤ ንሳቶም ድማ ሰጊጎምዎም ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ፤ 22ከምቲ ነቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ደቂ ኤሳው ዝገበረሎም፥ ንሆራውያን ኣብ ቅድሚኦም ኣጥፍኦም፤ ንሳቶም ድማ ሰጊጎምዎም ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ፥ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ይነብሩ ኣለዉ። 23ዓዊማውያን ክሳዕ ጋዛ ኣብ ቍሸታት ይነብሩ ነበሩ፤ ካብ ካፍቶር ዝመፁ ካፍቶራውያን ግና ኣጥፊኦምዎም ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ።) a a v23 ካፍቶር ናይ ቀደም ስም ክሬትን ነቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዞባ ኤጂያንን እዩ፤ ካፍቶራውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ጥቓ ጋዛ ዝተቐመጡ፥ በሓርቲ ህዝቢ ነበሩ።
24“ተሲእኹም ንሩባ ኣርኖን ተሳገሩ። እንሆ፥ ንሴዎን ኣሞራዊ ንጉስ ሓሴቦንን ንምድሩን ኣብ ኢድኩም ሂበኩም ኣለኹ፤ ክትወርስዎ ጀምሩ፤ ተዋግእዎ። 25ሎሚ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘለዉ ህዝብታት ፍርሕኹምን ራዕድኹምን ከውርድ ክጅምር እየ። ወረኹም ክሰምዑ፥ ክንቀጥቀጡ፥ ብሰሪኹም ድማ ቅልውላው ክሕዞም እዩ።”
ሙሴ ንሴዎን ሰላም የቕርበሉ
26ካብ ምድረ በዳ ቄዴሞት ናብ ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ቃላት ሰላም ሒዞም ዝኸዱ ልኡኻት ከምዙይ ኢለ ሰደድኩ፦ 27“ብምድርኻ ክሓልፍ ፍቐደለይ። ንየማን ወይ ንፀጋም እንተይግለስኩ ብመንገዲ ጥራሕ ክኸይድ እየ። 28ትበልዖ ምግቢ ብገንዘብ ሽጠለይ፤ ትሰትዮ ማይውን ብገንዘብ ሃበኒ፤ ብእግረይ ክሓልፍ ጥራሕ ፍቐደለይ፤ 29ከምቲ እቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ደቂ ኤሳውን እቶም ኣብ ዓር ዝነብሩ ሞኣባውያንን ዝገበሩለይ፥ ክሳዕ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊረ ናብታ ኣቦና ዝህበና ምድሪ ዝኣቱ።” 30ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ግና ክንሓልፍ ኣይፈቐደልናን፤ ከምቲ ሎሚ ዝገበሮ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽህቦ፥ ኣቦና ንመንፈሱ ኣትረሮ፥ ንልቡ ኸዓ ኣትረረ።
31ኣቦና ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “እንሆ፥ ንሴዎንን ንምድሩን ክህበካ ጀሚረ ኣለኹ፤ ንምድሩ ኽትወርሳ ሕዚ ጀምር።”
32ሽዑ ሴዎን ንሱን ኵሉ ህዝቡን ኣብ ያሃፅ ክዋግኡ ኢሎም ናባና ወፁ። 33ኣቦና ድማ ኣብ ኢድና ሃበና፤ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን ከዓ ወቐዕናዮም። 34በታ ጊዜ እቲኣ ዅለን ከተማታቱ ሓዝናየን፤ ንነፍሲ ወከፍ ከተማ ድማ ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፍና ፈፂምና ኣጥፋእናየን። 35ነቲ ከፍቲ ጥራሕ ምስ ዘመተ እተን ዝሓዝናየን ከተማታት ንርእስና ዘመትና። 36ካብታ ኣብ ወሰን ፈለግ ኣርኖን እትርከብ ዓሮዔር፥ ከምኡ ኸዓ ካብታ ኣብ ማእኸል እቲ ሩባ ዘላ ኸተማ ክሳዕ ገለዓድ፥ ካባና ዝሕይል ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይነበረትን፤ ኣቦና ንዅለን ኣብ ኢድና ሃበና። 37ናብ ምድሪ ደቂ ኣሞን፥ ናብ ኵሉ ገምገም ሩባ ያቦቅን ናብ ከተማታት ደጕዓን ግና፥ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዘና፥ ኣይቀረብካን።