ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዓግ ክዋጋእ ወፀ

ዓግ ንጉስ ባሳንን ስሳ ዕርዲ ዘለወን ከተማታቱን፥ ከምቲ ሴዎን ዝወደቐ ወደቑ፤ እታ ኣቦና ዝሃባ ምድሪ ድማ ኣብ መንጎ ሮቤልን ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተማቐለት፤ ተዋጋእቶም ግና ገና ቐቅድሚ ኣሕዋቶም ተዓጢቖም ክሳገሩ ኣለዎም። ሙሴ ነታ ምድሪ ክርኢ ለመነ፤ ናብ ፈስጋ ኸዓ ክድይብ ተኣዘዘ።

ምዕራፍ 3።

ተመሊስና ኸዓ ብመንገዲ ባሳን ኣቢልና ደየብና። ዓግ ንጉስ ባሳን ድማ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድራይ ክዋግኡና ወፀ።

ኣቦና ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ኣይትፍራሕ፥ ንእኡን ንኵሉ ህዝቡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበካ ኣለኹ እሞ፤ ከምቲ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፥ ንእኡውን ከምኡ ግበሮ።”

ስለዙይ ኣቦና ንዓግ ንጉስ ባሳን ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኢድና ሃበና፤ ሓደ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፍ ከዓ ወቓዕናዮም። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንዅለን ከተማታቱ ሓዝናየን፤ ዘይሓዝናያ ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይተረፈን፥ ስሳ ነበራ። እዝ ኵሉ ወገን ኣርጎብ፥ ኣብ ባሳን ዝነበረ መንግስቲ ዓግ እዩ። እዚኣተን ኵለን ብነዋሕ ቅፅርን ብመሳዅትን ኣፍ ደገታትን ዝተዓረዳ ኸተማታት ነበራ፤ ብዘይ እዚኣተን ከዓ ቅፅሪ ዘይብለን ብዙሓት ዓድታት ነበራ። ንኣታቶም ከምቲ ንጉስ ሓሴቦን ንሴዎን ዝገበርናዮ ፈፂምና ኣጥፋእናዮም፤ ንነፍሲ ወከፍ ከተማ ምስ ኵሎም ሰብኡታን ኣንስታን ቈልዓን ፈፂምና ኣጥፋእናያ። ነተን ኵለን ከፍትን ምርኮ እተን ከተማታትን ግና ንርእስና ዘመትናዮ። ስለዙይ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ነታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበረት ምድሪ ኻብ ለሰ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንኤም ሓዝና። (ሲዶናውያን ንኣርሞንኤም ሲርዮን ይፅውዕዎ፥ ኣሞራውያን ከዓ ሴኒር ይፅውዕዎ፤) ኵለን ከተማታት ጐልጐል፥ ብምሉኡ ገለዓድ፥ ብምሉኡ ባሳን ክሳዕ ሳልካን ኤድራይን፥ ኣብ ባሳን ዝርከባ ኸተማታት መንግስቲ ዓግ ነበራ። (ዓግ ንጉስ ባሳን ጥራሕ ካብ ተረፍ ራፋውያን ተሪፉ ነበረ። ዓራቱ ናይ ሓፂን ዓራት ነበረ፤ ኣብ ረባት ደቂ ኣሞን የለንዶ? ንውሓቱ ዳርጋ ኣርባዕተ ሜትር፥ ግፍሑ ኸዓ ዳርጋ ክልተ ሜትር ነበረ።) a a v11 ራፋውያን ቀደም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝነብሩ ዝነበሩ፥ ብዛንታ ዝፍለጡ ዓሌት ግዙፋት ተዋጋእቲ ነበሩ።

ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝተመቕለት ምድሪ

እታ በታ ጊዜ እቲኣ ዝሓዝናያ ምድሪ ድማ እዚኣ እያ፦ ካብታ ኣብ ገምገም ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፥ ፈረቓ ደጕዓ ገለዓድን ከተማታታን፥ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሃብኩዎም። እቲ ዝተረፈ ገለዓድን ብምሉኡ ባሳንን፥ መንግስቲ ዓግ ዝኾነ ኵሉ ወገን ኣርጎብ ከዓ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ሃብኩዎ። (እዝ ኵሉ ባሳን ምድሪ ራፋውያን ይበሃል ነበረ። ያኢር ወዲ ምናሴ ኵሉ ወገን ኣርጎብ ክሳዕ ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን ሓዘ፤ ንባሳንውን ብስሙ ዓድታት ያኢር ኢሉ ሰመዮ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ከምኡ ይበሃል ኣሎ።) ንማኪር ድማ ገለዓድ ሃብኩዎ። ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ካብ ገለዓድ ክሳዕ ለሰ ኣርኖን፥ ማእኸል እቲ ለሰ ወሰን ኮይኑ፥ ክሳዕ ፈለግ ያቦቅ፥ ወሰን ደቂ ኣሞን ዘሎ ሃብኩዎም። ጐልጐል ዓረባ ድማ፥ ዮርዳኖስ ወሰኑ ኮይኑ፥ ካብ ኪኔሬት ክሳዕ ባሕሪ ዓረባ (ባሕሪ ጨው)፥ ኣብ ትሕቲ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ብወገን ምብራቕ ነበረ።

በታ ጊዜ እቲኣ ኸዓ ኸምዙይ ኢለ ኣዘዝኩኹም፦ “ኣቦኻትኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትወርስዋ ሃበኩም፤ ኵሎም ጀጋኑ ተዋጋእቲ ሰብኩም ተዓጢቖም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ይሳገሩ። ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ከፍትኹምን ጥራሕ ግና፥ ብዙሕ ከፍቲ ኸም ዘለኩም እፈልጥ እየ እሞ፥ ኣብተን ዝሃብኩኹም ከተማታት ይፀንሑ፤ ክሳዕ ኣቦና ከምቲ ንኣኻትኩም ዝገበረልኩም፥ ነሕዋትኩም ዕረፍቲ ዝህቦም፥ ንሳቶምውን ነታ ኣቦኻ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝህቦም ምድሪ ክሳዕ ዝወርስዋ ይፀንሑ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍኩም ናብቲ ዝሃብኩኹም ርስቲ ይመለስ።”

በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢለ ኣዘዝኩዎ፦ “ባዕልኻ ብኣዒንትኻ ነቲ ኣቦኻ ነዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮ ዅሉ ርኢኻዮ ኢኻ፤ ኣቦኻ ድማ ነተን ክትሳገረን እትኸይድ ኵለን መንግስታት ከምኡ ኽገብር እዩ።

ኣይትፍራሕ — ንሱ ይዋግኣልካ እዩ

ኣይትፍርሖም፥ ኣቦኻ ባዕሉ ይዋግኣልካ እዩ እሞ።”

በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኣቦና ኸምዙይ ኢለ ለመንኩዎ፦ “ኦ ጐይታይ ኣቦ፥ ንባርያኻ ዕቤትካ ምስ ሓያል ኢድካ ከተርኢ ጀሚርካ ኢኻ፤ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ፥ ከም ግብርታትካን ከም ሓያል ግብርታትካን ክገብር ዝኽእል እንታይ ኣምላኽ ኣሎ? በይዛኻ፥ ክሳገር እሞ ነታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ፅብቕቲ ምድሪ፥ ነዛ ፅብቕቲ ደጕዓን ንሊባኖስን ክርኢ ሕደገኒ።”

ኣቦና ግና ብሰርኹም ኣባይ ተቘጥዐ፤ ኣይሰምዓንን ከዓ። ኣቦና ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ይኣክል! ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ደጊምካ ኣይትዛረበኒ። ናብ ርእሲ እምባ ፈስጋ ደይብ፥ ኣዒንትኻ ኸዓ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ቋሕ ኣብል፤ ነዝ ዮርዳኖስ እዙይ ኣይትሳገሮን ኢኻ እሞ፥ ብኣዒንትኻ ርአ። ንኢያሱ ግና ሹሞ፤ ኣተባብዓዮ ድማ ኣፅንዓዮ፤ ንሱ ቀቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ ኺሳገር፥ ነታ ንስኻ እትርእያ ምድሪ ድማ ከውርሶም እዩ እሞ።”

ስለዙይ ኣብቲ ኣብ መንፅር ቤት ፌጎር ዘሎ ለሰ ተቐመጥና።