ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ኣምልኾን ስርዓትን ዝግበር ክብሪ

ኣብ እቲ ጉባኤ ኽልተ ፀገማት፦ ናብ ኣቦና ኣብ ዝፅለየሉ ርእሲ ምኽዳንን ዘይምኽዳንን፥ ከምኡ ድማ ሃብታማት እናቐደሙ ዝበልዑሉ፥ ድኻታት ከዓ ዝጠምዩሉ ድራር ጐይታ። እዝ ናይ መወዳእታ፥ ገሊኦም ድኹማትን ሕሙማትን ዝኾኑሉ ምኽንያት እዩ — ነቲ ስጋ ከይለለዩ ይበልዑ እዮም እሞ። ንሕድሕድኩም ተፃፀዉ።

ምዕራፍ 11።

ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስል፥ ንስኻትኩም ድማ ንኣይ ምሰሉ።

ብዅሉ ስለ እትዝክሩኒ፥ ከምቲ ኣነ ዘረከብኩኹም ከዓ ነቲ ስርዓት ስለ እትሕዝዎ፥ ሕዚ አመጉሰኩም ኣለኹ። ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ክርስቶስ ከም ዝኾነ፥ ርእሲ ሰበይቲ ድማ ሰብኣይ ከም ዝኾነ፥ ርእሲ ክርስቶስ ከዓ ኣቦና ከም ዝኾነ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተኸዲኑ ዝፅልን ዝንበን ሰብኣይ፥ ንርእሱ የዋርዶ። ነፍሲ ወከፍ ርእሳ ከይተኸደነት እትፅልን እትንበን ሰበይቲ ግና፥ ንርእሳ ተዋርዳ፤ እዙይ ከዓ ርእሳ ከም ዝተላፀየት ሓደ እዩ። ሰበይቲ ርእሳ ክትክደን እንተ ኣበየት፥ ፀጕሪ ርእሳ ይቑረፅ፤ ግና ሰበይቲ ፀጕሪ ርእሳ ምቕራፅ ወይ ርእሳ ምልፃይ የሕፍራ እዩ እሞ፥ ርእሳ ትከደን። ሰብኣይ ምስልን ክብርን ኣቦና እዩ እሞ፥ ርእሱ ክኽደን ኣይግብኦን፤ ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኮነን፥ ሰበይቲ ደኣ ካብ ሰብኣይ እያ እምበር። ሰብኣይ ከዓ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጠረን፥ ሰበይቲ ደኣ ምእንቲ ሰብኣይ ተፈጠረት እምበር። ስለዙይ ሰበይቲ ስለ መላእኽቲ ኢላ፥ ኣብ ርእሳ ምልክት ስልጣን ክህልዋ ይግብኦ።

ኾይኑ ግና ብጐይታ፥ ሰበይቲ ካብ ሰብኣይ፥ ሰብኣይውን ካብ ሰበይቲ ነፃ ኣይኮኑን። ከምቲ ሰበይቲ ካብ ሰብኣይ ዝኾነት፥ ከምኡ ድማ ሰብኣይ ብሰበይቲ ይኸውን፤ ኵሉ ግና ካብ ኣቦና እዩ። ባዕልኻትኩም ፍረዱ፤ ሰበይቲ ርእሳ ከይተኸደነት ናብ ኣቦና ክትፅሊ ይግብኣዶ? ባህርይ ባዕሉ፥ ሰብኣይ ፀጕሩ እንተ ነውሐ ውርደት ከም ዝኾኖ፥ ኣይምህረኩምንዶ? ሰበይቲ ግና ፀጕሪ ርእሳ እንተ ነውሐ፥ ፀጕሪ ርእሳ ኣብ ክንዲ መኸደኒ ተዋሂቡዋ እዩ እሞ፥ ንእኣ ክብሪ እዩ። ብዛዕባ እዙይ ክጓየቕ ዝደሊ እንተሃለወ ግና፥ ንሕና ኸምዙይ ዝበለ ልማድ የብልናን፤ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣቦናውን የብለንን።

ዝተዋረደ መኣዲ ጐይታ

እዝ ትእዛዝ እዙይ እናሃብኩኹም ከዓ፥ ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ስለ እትእከቡ፥ ኣይውድሰኩምን እየ። ቅድም ከም ቤተ ክርስቲያን ኴንኩም ክትእከቡ እንተለኹም፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ከም ዘሎ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብገለ ድማ እኣምኖ እየ። እቶም ቅኑዓት ካባኻትኩም ምእንቲ ኽግለፁ፥ ኣብ ማእኸልኩም ፍልልይ ክህሉ ግድን እዩ። እምበኣር ኣብ ሓደ ቦታ ክትእከቡ እንተለኹም፥ እትበልዕዎ ድራር ጐይታ ኣይኮነን። ክትበልዑ እንተለኹም ነፍሲ ወከፍ ናቱ ድራር ቀዲሙ ይበልዕ እዩ እሞ፥ ሓደ ይጠሚ፥ ካልእ ከዓ ይሰክር። እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን? ወይ ንቤተ ክርስቲያን ኣቦና ትንዕቕዋ፥ ነቶም ዘይብሎም ከዓ ተሕፍሩዶ ኣለኹም? እንታይ እብለኩም? ክውድሰኩምዶ? በዙይ ኣይውድሰኩምን እየ።

ኣነ እቲ ዘረከብኩኹም፥ ካብ ጐይታ ተቐቢለዮ እየ፤ ጐይታ ኢየሱስ በታ ኣሕሊፎም ዝሃብዎ ለይቲ፥ እንጀራ ኣልዒሉ፥

ኣመስጊኑ ቆረሶ እሞ፦ “እዝ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ ንመዘከርታይ እዙይ ግበሩ” በለ። ድሕሪ ድራር ከዓ ኸምኡ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ ከምዙይ በለ፦ “እዝ ፅዋዕ እዙይ በቲ ደመይ ዝግበር ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኵሉ ጊዜ ክትሰትይዎ እንተለኹም፥ ንመዘከርታይ እዙይ ግበሩ።”

ነዝ እንጀራ እዙይ ክትበልዑ፥ ነዝ ፅዋዕ እዙይ ክትሰትዩ እንተለኹም ኵሉ ጊዜ፥ ሞት ጐይታ ክሳዕ ዝመፅእ ትእውጁ ኣለኹም።

ስለዙይ ነቲ እንጀራ ዝበልዕ ወይ ነቲ ፅዋዕ ጐይታ ብዘይግቡእ ዝሰቲ ዅሉ፥ በደለኛ ስጋን ደምን ጐይታ እዩ። ሰብ ባዕሉ ንርእሱ ይፈትን እሞ፥ ካብቲ እንጀራ ይብላዕ፥ ካብቲ ፅዋዕ ድማ ይስተ። ነቲ ስጋ ከይፈለየ ዝበልዕን ዝሰቲን ዅሉ፥ ኣብ ርእሱ ፍርዲ ይበልዕን ይሰቲን ኣሎ እሞ። ስለዙይ ብዙሓት ካባኻትኩም ድኹማትን ሕሙማትን እዮም፤ ገሊኦምውን ደቂሶም እዮም። ንባዕልትና ብቕንዕና እንተ ዝፈርድ ኔርና፥ ኣይምተፈረድናን። ጐይታ ክፈርደና እንተሎ ግና፥ ምስ ዓለም ከይንኹነን፥ ይገስፀና ኣሎ። እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ክትበልዑ ክትእከቡ እንተለኹም፥ ንሓድሕድኩም ተፀበዩ። ዝጠመየ እንተሃለወ፥ ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፥ ኣብ ገዛኡ ይብላዕ። እቲ ዝተረፈ ድማ ምስ መፃእኹ ኸስተኻኽሎ እየ።