መጠንቀቕታ ካብ ውድቀት ኣቦታትና
እስራኤል እቲ ደበናን ባሕርን ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ ብልዕን ነበሮም፥ ኾይኑ ግና ኣብ ምድረ በዳ ወደቑ — ንመጠንቀቕታ ኸዓ ተፃሕፈ። ካብ ምምላኽ ጣዖት ክህደም ኣለዎ፥ ኣቦኦም ግና እሙን እዩ፥ መውፅኢ መንገዲ ኸዓ ይህብ። እቲ ዝቐርበልኩም ብልዑ፤ ኵሉ ንኽብሩ ግበሩ።
10 1ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ፦ ኣቦታትና ኵሎም ኣብ ትሕቲ እቲ ደበና ነበሩ፥ ኵሎም ድማ ነቲ ባሕሪ ተሳገሩ። 2ኵሎም ድማ ኣብ ደበናን ኣብ ባሕርን ናብ ሙሴ ተጠመቑ። 3ኵሎም ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ ብልዒ በልዑ፥ 4ኵሎም ድማ ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ፤ ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኰዅሒ ሰትዮም እዮም እሞ፤ እቲ ኰዅሒ ኸዓ ክርስቶስ ነበረ። 5ኣቦና ግና ብመብዛሕትኦም ደስ ኣይበሎን፤ ኣብ ምድረ በዳ ተቐዝፉ እሞ።
6እዞም ነገራት እዚኣቶም ድማ፥ ከምቲ ንሳቶም ዝተመነይዎ፥ ንሕና ንኽፉእ ነገር ከይንምነ፥ ኣብነትና ኾኑ። 7ከምቲ ገሊኣቶም ዝነበርዎ መምለኽቲ ጣዖት ኣይትኹኑ፤ ከምቲ ዝተፃሕፈ፦ “እቲ ህዝቢ ክበልዑን ክሰትዩን ተቐመጡ፥ ክፃወቱ ድማ ተንስኡ።” 8ከምቲ ገሊኣቶም ዝገበርዎ ኣይነመንዝር፤ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኸዓ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ሞቱ። 9ከምቲ ገሊኣቶም ዝገበርዎ ንክርስቶስ ኣይንፈትኖ፤ ብኣትማን ድማ ጠፍኡ። 10ከምቲ ገሊኣቶም ዘጕረምረሙ ድማ ኣይተጕረምርሙ፤ በቲ መጥፍኢ ድማ ጠፍኡ። 11እዞም ነገራት እዚኣቶም ንኣብነት ኮይኖም ኣጋጠምዎም፥ ነቶም መወዳእታ ዘመናት ዝበፅሐና ድማ መጠንቀቕታ ኾይኖም ተፃሕፉ። 12እምበኣር እቲ ደው ኢለ ኣለኹ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ፥ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። 13ካብ ንሰብ ዝልመድ ወፃኢ ፈተና ኣይሓዘኩምን። ኣቦና ድማ እሙን እዩ፤ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ክትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፤ ምእንቲ ኽትዕገስዎ ኸዓ፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ መንገዲ ከዳልወልኩም እዩ።
14ስለዙይ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ካብ ምምላኽ ጣዖት ህደሙ። 15ከም ንለባማት ሰባት እየ ዝዛረብ ዘለኹ፤ ነቲ ዝብሎ ባዕልኻትኩም ፍረዱ። 16እታ እንባርኻ ፅዋዕ በረኸት፥ ኣብ ደም ክርስቶስ ምክፋልዶ ኣይኮነትን? እቲ እንስብሮ እንጀራ፥ ኣብ ስጋ ክርስቶስ ምክፋልዶ ኣይኮነን? 17ሓደ እንጀራ ስለ ዘሎ፥ ንሕና ብዙሓት ሓደ ስጋ ኢና፤ ኵልና ኻብቲ ሓደ እንጀራ ንካፈል ኢና እሞ። 18ነቶም ህዝቢ እስራኤል ተመልከቱ፦ እቶም መስዋእቲ ዝበልዑ፥ ኣብ መሰውኢ መሻርኽቲዶ ኣይኮኑን? 19እንታይ ደኣ እየ ዝብል ዘለኹ? ንጣዖት ዝተሰውአ ብልዒ ገለ እዩ፥ ወይ ጣዖት ገለ እዩ ማለተይ ድዩ? 20ኣይኮነን፤ ነቲ ንኣቦ ዘይፈልጥዎ ዝስውእዎ ግና፥ ንኣቦና ዘይኮነ ንኣጋንንቲ እዮም ዝስውእዎ፤ ምስ ኣጋንንቲ ክትካፈሉ ድማ ኣይደልን እየ። 21ፅዋዕ ጐይታን ፅዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ ኣብ መኣዲ ጐይታን መኣዲ ኣጋንንትን ክትካፈሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 22ወይ ንጐይታ ከነቕንኦ ንፅዕር ኣለና ድዩ? ካብኡዶ ንሕይል ኢና?
23“ኵሉ ተፈቒዱ እዩ”፥ ኵሉ ግና ኣይጠቅምን። “ኵሉ ተፈቒዱ እዩ”፥ ኵሉ ግና ኣይሃንፅን። 24ነፍሲ ወከፍ ፅቡቕ ብፃዩ እምበር፥ ፅቡቕ ርእሱ ኣይድለ። 25ኣብ ዕዳጋ ስጋ ዝሽየጥ ኵሉ፥ ምእንቲ ሕሊና ዝኾነ ጥያቐ እንተይጠየቕኩም ብልዑ፤ 26“እታ ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎን ናይ ኣቦና እዩ” እሞ። 27ሓደ ዘይኣምን ናብ ምሳሕ እንተ ዓደመኩም ክትከዱ ድማ እንተ ደሊኹም፥ ምእንቲ ሕሊና ጥያቐ እንተይጠየቕኩም፥ ዝቐረበልኩም ኵሉ ብልዑ። 28ሓደ ሰብ ግና “እዙይ ንመስዋእቲ ዝቐረበ እዩ” እንተ በለኩም፥ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩም ሰብን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዕዎ። 29ዝብሎ ዘለኹ፥ ሕሊና እቲ ኻልእ ሰብ እምበር፥ ሕሊና ርእስኻ ኣይኮነን። ስለ ምንታይ ደኣ ነፃነተይ ብሕሊና ኻልእ ሰብ ዝፍረድ? 30ኣነ ኣመስጊነ እንተ በሊዐ፥ ብዛዕባ እቲ ዘመስግነሉ ነገር ስለ ምንታይ እፅረፍ?
31ስለዙይ እንተ በላዕኹም፥ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ገለ እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ ኣቦና ግበርዎ። 32ንኣይሁድ ኮነ ንግሪካውያን ወይ ንቤተ ክርስቲያን ኣቦና መዓንቀፊ ኣይትኹኑ፤ 33ስለዙይ ኣነ፥ ንሳቶም ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ፅቡቕ እቶም ብዙሓት እምበር ፅቡቕ ርእሰይ እንተይደለኹ፥ ንዅሉ ሰብ ብዅሉ ደስ ከብል እፅዕር ኣለኹ።