ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መሪር ነፍሲ

ቀጥታ ንእግዚኣብሄር እናተዛረበ፥ ኢዮብ እቲ ኽሲ እንታይ ምዃኑ ይሓትት። እተን ከም ፀባ ዝኸዓኣኦን ብቘርበት ዝኸደናኦን ኣእዳው፥ ሕዚ ኸም ኣንበሳ ይሃድናኦ ኣለዋ። ናብ ምድሪ ፀልማት ከይከደ ኸሎ፥ ቅሩብ ጊዜ በይኑ ኺሕደግ ጥራሕ ይልምን።

ምዕራፍ 10።

“ብህይወተይ ፀሊአ ኣለኹ። ንጥርዓነይ ሓራ ክሓድግ እየ፤ ካብ ምረት ነፍሰይ ክዛረብ እየ። ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ክብሎ እየ፦ ኣይትኹንነኒ፤ ስለ ምንታይ ከም እትማጐተኒ ኣፍልጠኒ። ምግፋዕ፥ ንግብሪ ኣእዳውካ ምንዓቕ፥ ኣብ ምኽሪ ሓጥኣን ከዓ ፍሽኽ ምባል ደስዶ ይብለካ? ዓይኒ ስጋ ኣለካዶ? ከም ሰብ መዋቲ ዝሪኦ ዲኻ እትርኢ? መዓልቲታትካዶ ኸም መዓልቲታት መዋቲ ሰብ እየን፥ ዓመታትካዶ ኸም ዓመታት ሰብ እየን፥ በደለይ ክትደሊ፥ ሓጢኣተይ ከዓ ክትሃድን፥ በደለኛ ኸም ዘይኮንኩ እናፈለጥካ፥ ካብ ኢድካ ዘድሕነኒ ከዓ የለን።

“ኣእዳውካ ንኵሉ ኣካላተይ ቀሪፀን ገበረኒ፤ ሕዚ ግና ተመሊስካ ተጥፍኣኒ ኣለኻ። ከም መሬት ከም ዝቐረፅካኒ ዘክር። ሕዚኸ ናብ ሓመድ ክትመልሰኒ ዲኻ? ከም ፀባ ኣይከዓኽኒንዶ፥ ከም ጅባና ኸዓ ኣይኣረጋእኻንን? ቘርበትን ስጋን ከደንካኒ፥ ብኣዕፅምትን ጅማውትን ከዓ ኣለምካኒ? ህይወትን ምሕረትን ሃብካኒ፤ ሓልዮትካ ኸዓ ንመንፈሰይ ሓለወ።

“ይኹን እምበር ነዙይ ኣብ ልብኻ ሓባእካዮ፥ እዙይ ናትካ ሓሳብ ምንባሩ ኸዓ እፈልጥ እየ፦ እንተ ሓጢአ፥ ትዕዘበኒ ኔርካ፤ ካብ በደለይ ከዓ ነፃ ኣይተውፅኣንን ኔርካ። በደለኛ እንተ ኾይነ፥ ወይለይ! ንፁህ እኳ እንተ ኾንኩ፥ ርእሰይ ከልዕል ኣይኽእልን እየ፤ ብሕፍረት ተመሊአ፥ ኣብ መከራይ ጥሒለ ኣለኹ። ርእሰይ ላዕሊ እንተ ኣልዒለ፥ ከም ኣንበሳ ትሃድነኒ፤ መሊስካ ኸዓ ኣባይ ተኣምራት ትገብር። ሓደስቲ መሰኻኽር ኣባይ ተምፅእ፥ ናትካ መዓት ከዓ ኣባይ ተፍስስ፤ ማዕበል መከራ ከዓ ተደጋጊሙ ይወቕዓኒ።

“እምበኣር ስለ ምንታይ ካብ ማህፀን ኣውፃእካኒ? ዝኾነ ዓይኒ ከይረኣየኒ ከለኹ ምሞትኩ ኔረ። ከም ዘይተፈጠርኩ ኾይነ ምኾንኩ፥ ካብ ማህፀን ናብ መቓብር ቀጥ ኢለ ምተወሰድኩ ኔረ። መዓልቲታተይ ውሑዳት ኣይኮናንዶ? ካባይ ኣግልስ፥ ሕደገኒ፥ ቅሩብ ጊዜ ምእንቲ ኽፀናናዕ፥ ናብቲ ዘይምለሰሉ ቦታ ከይከድኩ ከለኹ፥ ናብታ ፀልማትን ድቕድቕ ፅላሎትን ዘለዋ ምድሪ፥ ናብታ ኸም ድቕድቕ ለይቲ ጣቓ ዝመልኣ፥ ድቕድቕ ፅላሎት ዘለዋ፥ ዕግርግር ዝመልኣ፥ ብርሃን እኳ ከም ፀልማት ዝኾነ ምድሪ።”