ዞፋር መለሰ
ዞፋር ካብ ኵሎም ዝበርትዐ እዩ፦ ኢዮብ ኣዝዩ ይዛረብ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ካብቲ ንበደሉ ዝግብኦ ውሒዱ ሓቲትዎ። ‘ሓጢኣት ካብ ድንኳናትካ ኣርሕቕ’ ይብል፥ ‘ህይወትካ ከዓ ካብ ቀትሪ ክትበርህ እያ።’ ፈፂሙ ርጉፅ እዩ፥ ነዝ ድማ ንሓደ ንፁህ ሰብ ይብሎ ኣሎ።
11 1ሽዑ ዞፋር እቲ ናዓማታዊ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ 2“እዝ ብዝሒ ቃላት ከይተመለሰሉዶ ክተርፍ እዩ? እዝ ኣፉ ብዘረባ ዝመልአ ሰብከ ፃድቕ ኮይኑዶ ክረአ እዩ? 3ከንቱ ዘረባኻ ንኻልኦት ስቕ ከብሎምዶ እዩ? ዘሕፍረካ ሰብ ኣብ ዘይብሉዶ ኽትላገፅ ኢኻ? 4ንስኻ ፦ ‘ትምህርተይ ንፁህ እዩ፥ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ፅሩይ እየ’ ትብል ኣለኻ እሞ። 5እግዚኣብሄር እንተ ዝዛረብ ግና፥ ከናፍሩውን ኣብ ልዕሌኻ እንተ ዝኸፍት፥ 6ምስጢር ጥበብውን እንተ ዝገልፀልካ፤ ናይ ሓቂ ጥበብ ክልተ ገፅ ኣለዋ እያ እሞ። እምበኣር እግዚኣብሄር ካብቲ ንበደልካ ዝግብኦ ውሒዱ ኸም ዝሓተተካ ፍለጥ። 7ዓሚቝ ነገር እግዚኣብሄር ክትምርምርዶ ትኽእል ኢኻ? ፍፃሜ እቲ ዅሉ ዝኽእል ክትረኽቦዶ ትኽእል ኢኻ? 8ካብ ሰማያት ልዕል ይብሉ፤ እንታይ ክትገብር ትኽእል? ካብ መቓብር ዓሚቝ፤ እንታይከ ክትፈልጥ ትኽእል? 9መጠኖም ኻብ ምድሪ ይነውሕ፥ ካብ ባሕሪ ኸዓ ይሰፍሕ። 10ንሱ ሓሊፉ ኣብ ማእሰርቲ እንተ ኣእተወ፥ ናብ ፍርዲ ድማ እንተ ፀውዐ፥ መን ክመልሶ ይኽእል? 11ንሱ ነቶም ከንቱ ሰባት ይፈልጥ እዩ እሞ፤ ዓመፅ ምስ ረአየ፥ ኣየስተውዕለሉንዶ እዩ? 12ኣእምሮ ዘይብሉ ሰብ ግና ለባም ክኸውን እዩ፥ ዒሉ ኣድጊ በረኻ ሰብ ኮይኑ ምስ ተወለደ። 13ልብኻ እንተ ኣዳሊኻ፥ ኣእዳውካውን ናብኡ እንተ ዘርጊሕካ፥ 14ሓጢኣት ኣብ ኢድካ እንተሃልዩ፥ ካባኻ ኣርሕቕ፤ ዓመፅ ድማ ኣብ ድንኳናትካ ኣይንበር። 15ሽዑ ብርግፅ ብዘይ ሕፍረት ገፅካ ኸተልዕል ኢኻ፤ ክትፀንዕ ኢኻ፥ ኣይክትፈርሕን ድማ ኢኻ። 16ንመከራኻ ኽትርስዖ ኢኻ፤ ከም ዝሓለፈ ማይ ጌርካ ኽትዝክሮ ኢኻ። 17ህይወትካ ኻብ ቀትሪ ኽትበርህ እያ፤ እቲ ፀልማት ከም ንግሆ ክኸውን እዩ። 18ተስፋ ስለ ዘሎ፥ ክትተኣማመን ኢኻ፤ ናብ ዙርያኻ ጠሚትካ ድማ ብደሓን ክትድቅስ ኢኻ። 19ዘፍርሓካ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ኽትድቅስ ኢኻ፥ ብዙሓት ድማ ካባኻ ሞገስ ክደልዩ እዮም። 20ኣዒንቲ እቶም ረሲኣን ግና ክደኽማ እየን፤ ኵሉ ምምላጥ ካብኣቶም ክጠፍእ እዩ፥ ተስፋኦም ድማ ነፍሶም ምውፃእ ጥራሕ እዩ።”