እንቍራዕቲ ንምድሪ ወረርዋ
እንቍራዕቲ ናብ እቶናትን ዓራትን ፈኽፈኽ እናበላ ይኣትዋ፤ ፈርዖን ድማ ንራህዋ ፅባሕ ጊዜኡ ገይሩ ይቝፅር፥ ምስ ረኸቦ ኸዓ ልቡ የትርር። ሓመድ ድማ፥ እቶም ጠንቈልቲ ኽመስልዎ ዘይኽእሉ፥ ቃርማ ይኸውን። ኣቦና ብዝንቢ ፍልልይ ይገብር፤ ግብፂ ናይ መን ምድሪ ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ንጌሴም ነፃ ገይሩ የትርፋ።
8 1ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ፈርዖን ኪድ፥ ‘ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።”’” 2“‘“ክትሰዶም እንተ ኣበኻ ግና፥ ንብዘላ ሃገርካ ብእንቍራዕቲ ክወቕዓ እየ። 3እቲ ሩባ ብእንቍራዕቲ ክመልእ እዩ፤ ንሳቶም ድማ ደይቦም ናብ ቤትካን ናብ ሕልፍኚ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ኣባይቲ ኣገልገልትኻን ህዝብኻን ናብ እቶናትካን መልወሲኻን ክኣትዉ እዮም። 4እቶም እንቍራዕቲ ኣባኻ ኣብ ህዝብኻን ኣብ ኵሎም ኣገልገልትኻን ክድይቡ እዮም።”’” 5ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ ‘ኢድካ ምስ በትርኻ ኣብ ልዕሊ ወሓይዝትን ሩባታትን ቀላያትን ዘርግሕ፤ ነቶም እንቍራዕቲ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ኣደዪቦም።’”
6ኣሮን ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ ማያት ግብፂ ዘርግሐ፤ እቶም እንቍራዕቲ ኸዓ ደይቦም ንምድሪ ግብፂ ሸፈንዋ። 7እቶም ኣስማተኛታት ግና ብስራዮም ከምኡ ገበሩ፤ ነቶም እንቍራዕቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ኣደየብዎም።
8ፈርዖን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ ከምዙይ በለ፦ “ነቶም እንቍራዕቲ ካባይን ካብ ህዝበይን ምእንቲ ኸርሕቖም ናብ እግዚኣብሄር ፀልዩ፤ ኣነ ድማ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክስውኡ ክሰዶም እየ።”
9ሙሴ ድማ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ “እቲ ኽብሪ ናትካ እዩ፤ እቶም እንቍራዕቲ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ርሒቖም ኣብ ሩባ ጥራሕ ምእንቲ ኽተርፉ፥ ምእንታኻን ምእንቲ ኣገልገልትኻን ምእንቲ ህዝብኻን መኣዝ ክፀሊ ከም ዘለኒ ባዕልኻ ወስን።”
10ንሱ ድማ “ፅባሕ” በለ። ሙሴ ኸዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን፤ ከም ኣቦና ዝበለ ኸም ዘየለ ክትፈልጥ ኢኻ።”
11“እቶም እንቍራዕቲ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ ኣገልገልትኻን ካብ ህዝብኻን ክርሕቑ እዮም፤ ኣብ ሩባ ጥራሕ ድማ ክተርፉ እዮም።”
12ሙሴን ኣሮንን ድማ ካብ ፈርዖን ወፁ፤ ሙሴ ኸዓ ብዛዕባ እቶም ኣቦና ኣብ ፈርዖን ዘምፅኦ እንቍራዕቲ ናብ ኣቦና ጨደረ። 13ኣቦና ድማ ከምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ። እቶም እንቍራዕቲ ኸዓ ኣብ ኣባይትን ኣብ ግራውትን ኣብ ኣፀድ ሞቱ። 14ኵምራ ኵምራ ገይሮም ኰመርዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ጨነወት። 15ፈርዖን ግና ራህዋ ኸም ዝኾነ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።
ቁማል ካብ ሓመድ
16ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ በትርኻ ዘርጊሕካ ነቲ ሓመድ ምድሪ ውቕዓዮ፤ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ቁማል ክኸውን እዩ።”
17ከምኡ ድማ ገበሩ። ኣሮን ኢዱ ምስ በትሩ ዘርጊሑ ነቲ ሓመድ ምድሪ ወቕዖ፤ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ድማ ቁማል ኮነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኵሉ ሓመድ ምድሪ ቁማል ኮነ። 18እቶም ኣስማተኛታት ድማ ቁማል ንምውፃእ ብስራዮም ፈተኑ፥ ግና ኣይከኣሉን። ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ድማ ቁማል ኮነ። 19እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይ ኣፃብዕ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ። ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።
ኣብ ጌሴም ዝተገብረ ፍልልይ
20ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንግሆ ኣንጊህኻ ተስእ፤ ፈርዖን ናብ ማይ ክወፅእ እንተሎ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ ደው በል። ንእኡ ድማ ከምዙይ በሎ፦ ‘ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።”
21“ክትሰዶም እንተ ኣበኻ ግና፥ ኣባኻ ኣብ ኣገልገልትኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ኣባይትኻን ጭፍራ ፃፃ ክሰድድ እየ፤ ኣባይቲ ግብፃውያን ድማ ብፃፃ ክመልኣ እየን፤ እታ ዝረግፅዋ ምድሪ ኸዓ ብፃፃ ክትመልእ እያ። 22በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ነታ ህዝበይ ዝነብሩላ ምድሪ ጌሴም ክፈልያ እየ፤ ኣብኣ ፃፃ ከይህሉ፥ ኣነ ኣቦኻ ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ ኸም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጥ። 23ኣብ መንጎ ህዝበይን ኣብ መንጎ ህዝብኻን ድማ ፍልልይ ክገብር እየ። ፅባሕ እዝ ምልክት እዙይ ክፍፀም እዩ።’”
24ኣቦና ድማ ከምኡ ገበረ። ብዙሕ ጭፍራ ፃፃ ድማ ንቤት ፈርዖንን ንኣባይቲ ኣገልገልቱን መልአ፤ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ እታ ምድሪ ብፃፃ ጠፍአት።
25ፈርዖን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ፥ “ኪዱ፥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንኣምላኽኩም ስውኡ” በሎም።
26ሙሴ ግና ከምዙይ በለ፦ “ከምኡ ምግባር ቅኑዕ ኣይኮነን፤ እቲ ንኣቦና እንስውኦ ንግብፃውያን ፍንፉን እዩ እሞ። ነቲ ንኣኣቶም ፍንፉን ዝኾነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እንተ ሰዋእና፥ ብእምኒ ወጊሮምዶ ኣይቀትሉናን እዮም? 27ናብ በረኻ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይድና፥ ከምቲ ዝኣዘዘና ድማ ንኣቦና ክንስውእ ኣለና።”
28ፈርዖን ድማ ከምዙይ በለ፦ “ናብ በረኻ ኸድኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትስውኡ ክሰደኩም እየ፤ ግና የመና ርሒቕኩም ኣይትኺዱ። ምእንታይ ፀልዩ።”
29ሙሴ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ካባኻ ምስ ወፃእኩ፥ ናብ ኣቦና ክልምን እየ፤ ፅባሕ ከዓ እቲ ጭፍራ ፃፃ ካብ ፈርዖንን ካብ ኣገልገልቱን ካብ ህዝቡን ክርሕቕ እዩ። ግና ፈርዖን ንህዝቢ ንኣቦና ኽስውእ ከይሰደዶም መሊሱ ኣይተዓሻሹ።” 30ሙሴ ኸዓ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ወፂኡ ናብ ኣቦና ለመነ። 31ኣቦና ድማ ከምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ፤ ነቲ ጭፍራ ፃፃ ካብ ፈርዖንን ካብ ኣገልገልቱን ካብ ህዝቡን ኣርሓቖ፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። 32ፈርዖን ግና በዛ ጊዜ እዚኣ እውን ልቡ ኣትረረ፤ ንህዝቢ ክኸዱ ኸዓ ኣይሰደዶምን።