ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሙሴን ኣሮንን ተመዝዙ

ሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ከም ኣምላኽ ኮነ፥ ኣሮን ድማ ነብዩ። ብቓል ኣቦና በትሪ ኣሮን ተመን ኮይና ነቲ ኣብትሪ እቶም ኣስማተኛታት ወሓጠቶም። ሽዑ እቲ ሩባ፥ ህይወት ግብፂ፥ ናብ ደም ተለወጠ፤ ዓሳ ሞተ፥ እቲ ሩባ ኸዓ ፀየነ። እቶም ኣስማተኛታት ድማ ከምኡ ገበሩ፥ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ።

ምዕራፍ 7።

ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ከም ኣምላኽ ጌረካ ኣለኹ፤ ኣሮን ሓውካ ድማ ነብይኻ ክኸውን እዩ። ኣነ ዝእዝዘካ ዅሉ ንስኻ ኽትዛረብ ኢኻ፤ ኣሮን ሓውካ ድማ ንፈርዖን ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኽሰዶም ክነግሮ እዩ። ኣነ ግና ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ምልክታተይን ተኣምራተይን ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸብዝሕ እየ። ፈርዖን ኣይክሰምዓኩምን እዩ እሞ፥ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ከንብር እየ፤ ብዓበይቲ ፍርዲ ድማ ንሰራዊተይ፥ ንህዝበይ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ከውፅኦም እየ። ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኢደይ ምስ ዘርጋሕኩ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፀእኩ፥ ግብፃውያን ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”

ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞም ጌሮም ገበሩ። ሙሴ ንፈርዖን ክዛረብዎ እንተለዉ፥ ወዲ ሰማንያ ዓመት ነበረ፤ ኣሮን ድማ ወዲ ሰማንያን ሰለስተን ዓመት ነበረ።

ኣቦና ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦

ፈርዖን “ተኣምራት ጌርኩም ኣርእዩ” ኢሉ ምስ ተዛረበኩም፥ ንኣሮን “በትርኻ ሒዝካ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደርብያ፤ ንሳ ኸዓ ተመን ክትከውን እያ” በሎ።

ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርዖን ኣትዮም፥ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞም ፈፀሙ። ኣሮን ድማ ነታ በትሩ ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ኣገልገልቱን ደርበያ፤ ንሳ ኸዓ ተመን ኮነት። ፈርዖን ድማ ንጠቢባንን ንጠንቈልትን ፀውዖም፤ እቶም ኣስማተኛታት ግብፂ ኸዓ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ነፍሲ ወከፎም በትሩ ናብ ምድሪ ደርበየ፤ ኣትማን ድማ ኮኑ። በትሪ ኣሮን ግና ንኣብትሮም ወሓጠቶም። ልቢ ፈርዖን ድማ ተረረ፤ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ ኸዓ ኣይሰምዖምን።

ሩባ ናብ ደም ተለወጠ

ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ልቢ ፈርዖን ተሪር እዩ፤ ነቲ ህዝቢ ኽሰዶ ኣቢሉ ኣሎ። ንግሆ ፈርዖን ናብ ማይ ክወፅእ እንተሎ፥ ናብኡ ኪድ፤ ክትረኽቦ ኸዓ ኣብ ወሰን ሩባ ደው በል፤ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ውሰድ። ከምዙይ ድማ በሎ፦ ኣቦ ዕብራውያን “ህዝበይ ኣብ በረኻ ምእንቲ ኼገልግሉኒ ሰዶም” ኢሉ ናባኻ ለኣኸኒ። ንስኻ ግና ክሳዕ ሕዚ ኣይሰማዕኻን። ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በዙይ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክትፈልጥ ኢኻ፤ እንሆ፥ በታ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ንማይ ሩባ ኽወቕዕ እየ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ደም ክልወጥ እዩ። ዓሳ ሩባ ክመውት እዩ፤ ሩባ ኸዓ ክጨኑ እዩ፤ ግብፃውያን ድማ ካብ ሩባ ማይ ክሰትዩ ኣይኽእሉን እዮም።”’” ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ በትርኻ ሒዝካ ኣብ ልዕሊ ማያት ግብፂ፥ ኣብ ልዕሊ ወሓይዝቶምን መስኖታቶምን ቀላያቶምን ኵሉ መዕቘሪ ማዮምን ኢድካ ዘርግሕ፤ ናብ ደም ድማ ክልወጡ እዮም። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ኣቑሑ ዕንፀይትን ኣእማንን እኳ ደም ክመልእ እዩ።”

ሙሴን ኣሮንን ድማ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ ኣገልገልቱን ኣሮን ነታ በትሪ ኣልዒሉ ንማይ ሩባ ወቕዖ፤ ኵሉ ማዩ ኸዓ ናብ ደም ተለወጠ። እቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ዓሳ ሞተ፤ ሩባ ኸዓ ጨነወ፤ ግብፃውያን ድማ ካብ ሩባ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ደም ኮነ። እቶም ኣስማተኛታት ግብፂ ግና ብስራዮም ከምኡ ገበሩ፤ ስለዙይ ልቢ ፈርዖን ተረረ፤ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ ኸዓ ኣይሰምዖምን። ፈርዖን ድማ ግልፅ ኢሉ ናብ ቤቱ ኣተወ፤ ነዝ ነገር እዙይ እኳ ኣብ ልቡ ኣየንበሮን። ኵሎም ግብፃውያን ድማ ካብ ማይ ሩባ ክሰትዩ ስለ ዘይከኣሉ፥ ዝሰትይዎ ማይ ክረኽቡ ኣብ ጥቓ ሩባ ኵዓቱ። ኣቦና ንሩባ ካብ ዝወቕዖ ኸዓ ሸውዓተ ምሉእ መዓልቲ ሓለፈ።