ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መቕሰፍቲ ኣብ ልዕሊ እንስሳት

እንስሳ ግብፂ ይመውት፥ ናይ እስራኤል ግና ብህይወት ይተርፍ፤ ሕበጥ ድማ ወፀ እሞ እቶም ጠንቈልቲ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ክብሉ ኣይከኣሉን። ቅድሚ እቲ በረድ፥ እቶም ንቓል ኣቦና ዝፈርሑ መኳንንቲ ፈርዖን ባዕልቶም ንኣገልገልቶም ናብ ኣባይቲ ኣእተዉ። ፈርዖን ሓጢኣት ከም ዝገበረ ተኣመነ፥ ነጐድጓድ ምስ ዓገተ ኸዓ ብኡብኡ ልቡ መሊሱ ኣትረረ።

ምዕራፍ 9።

ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ፈርዖን ኬድካ ንገሮ፥ ‘ኣቦ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ ከይዶም ክሰግዱለይ ስደዶም። ክትሰዶም እንተ ኣበኻ፥ ገና እንተ ሒዝካዮም፥ ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ እንስሳኻ ክትከውን እያ፦ ኣብ ኣፍራስን ኣእዱግን ኣግማልን መጓሰ ኸብትን ኣባጊዕን፤ የመና ብርቱዕ መቕሰፍቲ ኽኸውን እዩ። ኣቦና ግና ኣብ መንጎ እንስሳ እስራኤልን እንስሳ ግብፅን ክፈሊ እዩ፤ ካብ ናይ እስራኤል ሓደ እኳ ኣይመውትን።”’” ኣቦና ድማ ጊዜ ቈፂሩ “ፅባሕ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እዙይ ክገብር እየ” በለ።

ንፅባሒቱ ድማ ኣቦና እዙይ ገበረ፤ ኵሉ እንስሳ ግብፂ ሞተ፤ ካብ እንስሳ ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣይሞተን። ፈርዖን ድማ ልኢኹ ረአየ፤ ካብ እንስሳ እስራኤል ሓደ እኳ ኣይሞተን። ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ነቶም ህዝቢ ድማ ኣይሰደዶምን።

ኣብ ኵሉ ግብፃዊ ዝወፀ ሕበጥ

ኣቦና ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ “ብኽልተ ኢድኩም ዝመልአ ሓሙዅሽቲ እቶን ውሰዱ፤ ሙሴ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ናብ ሰማይ ይነስንሶ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ረቂቕ ዶሮና ኽኸውን እዩ፤ ኣብ ኵላ ግብፂ ድማ ኣብ ሰብን እንስሳን ዝረስን ሕበጥ ኮይኑ ኽወፅእ እዩ።”

ሓሙዅሽቲ እቶን ድማ ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደው በሉ፤ ሙሴ ኸዓ ናብ ሰማይ ነስነሶ፤ ኣብ ሰብን እንስሳን ድማ ዝረስን ሕበጥ ወፀ። እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብሰንኪ እቲ ሕበጥ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ክብሉ ኣይከኣሉን፤ እቲ ሕበጥ ኣባታቶምን ኣብ ኵሎም ግብፃውያንን ነበረ እሞ። ኣቦና ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።

ቕድሚ እቲ ህቦብላ ዝመፅእ መጠንቀቕታ

ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣንጊህኻ ተሲእካ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደው በል፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ ‘ኣቦ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ ከይዶም ክሰግዱለይ ስደዶም። ሕዚ ኣነ ኵሉ መዓታተይ ናብ ልዕሌኻን ናብ ልዕሊ ሹመኛታትካን ናብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ፤ ከማይ ዝበለ ኣብ ኵላ ምድሪ ከም ዘየለ ምእንቲ ክትፈልጥ። ሕዚ ኢደይ ዘርጊሐ ንኣኻን ንህዝብኻን ብመቕሰፍቲ ምወቓዕኩኹም፥ ካብ ምድሪ ድማ ምጠፋእኩም ነይርኩም። ነኣኻ ግና ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፥ ስመይ ከዓ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኽፅዋዕ፥ ኣተንሳእኩኻ። a a v16 ጳውሎስ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ሮሜ 9፥17 ይጠቕሳ — ዓመፅ ፈርዖን እኳ ስም ኣቦና ኣብ ብዘላ ምድሪ ምእንቲ ኽፍለጥ ንዕላማ ኣቦና ኣገልገለ። ገና ንህዝበይ ትቃወሞም ኣለኻ፤ ክትሰዶም ድማ ትኣቢ ኣለኻ። ፅባሕ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፥ ካብ ዝተመስረተትሉ ጊዜ ኽሳዕ ሕዚ ኣብ ግብፂ ከምኡ ዝበለ ዘይወረደ፥ የመና ብርቱዕ በረድ ከዝንም እየ። ሕዚ ድማ ልኢኽካ ንእንስሳኻን ኣብ ሜዳ ዘሎ ዅሉ ንብረትካን ናብ ውሽጢ ኣእቱ፤ እቲ በረድ ኣብ ኵሉ ኣብ ሜዳ ዝተረፈ ሰብን እንስሳን፥ ናብ ውሽጢ ዘይኣተወ ኽወድቕ እዩ እሞ፥ ክሞቱ ድማ እዮም።”’”

ካብ ሹመኛታት ፈርዖን እቶም ንቓል ኣቦና ዝፈርሑ ድማ፥ ንባሮቶምን ንእንስሳኦምን ቀልጢፎም ናብ ውሽጢ ገዛ ኣእተዉ፤ ንቓል ኣቦና ዕሽሽ ዝበለ ግና፥ ንባሮቱን ንእንስሳኡን ኣብ ሜዳ ሓደጎም።

ኣቦና ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን ኣብ ኵሉ ኣብ ሜዳ ዘሎ በቝሊ ምድሪ፥ ኣብ ኵላ ግብፂ በረድ ክወርድ እዩ” በሎ።

ሙሴ ድማ በትሩ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ ዘርግሐ፤ ኣቦና ኸዓ ነጐድጓድን በረድን ለኣኸ፤ ሓዊ ድማ ናብ ምድሪ ወረደ፤ ኣቦና ኸዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ በረድ ኣዝነመ። በረድ ድማ ነበረ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ በረድ ከዓ ዘይቋርፅ ዘንበልብል ሓዊ ነበረ፤ የመና ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ እታ ምድሪ ህዝቢ ካብ እትኸውን ጀሚሩ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ከምኡ ዝበለ ተፈጢሩ ኣይፈልጥን። በረድ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ዅሉ ወቕዐ፤ ንሰብን ንእንስሳን፤ ንዅሉ በቝሊ ሜዳ ወቕዖ፤ ንዅሉ ኣእዋም ሜዳ ኸዓ ሰበሮ። ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነበሩ ምድሪ ጎሶም ጥራሕ ግና በረድ ኣይነበረን።

ፈርዖን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኹ ፀውዖም፤ ከምዙይ ከዓ በለ፦ “ሕዚ ሓጢኣት ገይረ ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ፤ ኣነን ህዝበይን ከዓ በደለኛታት ኢና። ንኣቦኹም ለምኑለይ፤ ነጐድጓድ እግዚኣብሄርን በረድን ኣኺሉ እዩ። ኣነ ኸዓ ክሰደኩም እየ፤ ደጊም ኣይትፅንሑን።”

ሙሴ ድማ “ካብ እዛ ኸተማ ምስ ወፃእኩ፥ ኣእዳወይ ናብ ኣቦና ክዝርግሕ እየ፤ እቲ ነጐድጓድ ደው ክብል እዩ፤ እቲ በረድ ድማ ክውዳእ እዩ፤ እዛ ምድሪ ናይ ኣቦና ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥ። ንስኻን ሹመኛታትካን ግና ገና ንኣቦና ኸም ዘይትፈርሑ እፈልጥ ኣለኹ” በሎ።

(እቲ እንጣጢዕን ስገምን ተበላሸወ፤ ስገም ሰዊት ሒዙ፥ እንጣጢዕ ድማ ዓምቢቡ ነበረ እሞ። ስርናይን ዓይነት ስርናይን ግና ደሓር ዝበስሉ ስለ ዝኾኑ፥ ኣይተበላሸዉን።)። ሙሴ ድማ ካብ ፈርዖን ተፈልዩ ካብታ ኸተማ ወፀ፤ ኣእዳዉ ድማ ናብ ኣቦና ዘርግሐ፤ እቲ ነጐድጓድን በረድን ደው በለ፤ ዝናምውን ኣብ ምድሪ ደጊም ኣይወረደን። ፈርዖን ድማ ዝናምን በረድን ነጐድጓድን ደው ከም ዝበለ ምስ ረአየ፥ ከም ብሓድሽ ሓጢኣት ገበረ፤ ንሱን ሹመኛታቱን ድማ ልቦም ኣትረሩ። ልቢ ፈርዖን ድማ ተረረ፤ ከምቲ ኣቦና ብሙሴ ገይሩ ዝበሎ ድማ፥ ንእስራኤል ክኸዱ ኣይሰደዶምን።