ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣንበጣ ኣብ ጫፍ ሰማይ

ኣቦና ነቲ በረድ ዝሓደጎ ዅሉ ምእንቲ ኽትበልዕ ኣንበጣ ሰደደ፥ ክሳዕ ዝልምልም ነገር ዘይተርፍ፤ መኳንንቲ ፈርዖን ድማ ግብፂ ኸም ዝጠፍአት ይርኢ እንተ ኾይኑ ሓተትዎ። ሽዑ ዝድህሰስ ጥቕቡቕ ፀልማት ሰለስተ መዓልቲ ንግብፂ ሓዛ፥ እስራኤል ግና ብርሃን ነበሮም። እቲ ዋጋ ዕዳጋ ኸዓ ፈርዖን ንህይወት ሙሴ እናፈከረ ተወድአ።

ምዕራፍ 10።

ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ምልክታተይ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽገብር፥ ንልቡን ንልቢ ኣገልገልቱን ኣትሪረ እየ እሞ፥ ናብ ፈርዖን ኪድ። ኣነ ኣቦኻትኩም ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ ድማ፥ ከመይ ጌረ ንግብፃውያን ከም ዘላገፅኩሎምን ምልክታተይ ከዓ ኣብ ማእኸሎም ከም ዝገበርኩን ንወድኻን ንወዲ ወድኻን ንገሮም።”

ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርዖን ከይዶም ከምዙይ በልዎ፦ “ኣቦ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ከተትሕት ዘይትደሊ? ንዓይ ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ ንህዝበይ ሕደጎም።’ ንህዝበይ ክትሰዶም እንተ ኣቢኻ ግና፥ እንሆ ፅባሕ ኣብ ዶብካ ኣንበጣ ከምፅእ እየ። ንሳተን ገፅ እታ ምድሪ ኽሳዕ ዘይረአ ይኸድናኦ፤ ነቲ በረድ ዝሓደገልኩም ዝተረፈ ይበልዓ፤ ኣብ መሮር ዝበቍለልኩም ኵሉ ኦም ድማ ይበልዓ። ኣቦታትካን ኣቦታት ኣቦታትካን ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩሉ መዓልቲ ኽሳዕ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ፥ ነባይትኻን ነባይቲ ኣገልገልትኻን ነባይቲ ኵሎም ግብፃውያንን ክመልኣኦ እየን።” ሽዑ ተመሊሱ ካብ ፈርዖን ወፀ።

መኳንንቲ ፈርዖን ድማ ንፈርዖን “ክሳዕ መዓስ እዩ እዝ ሰብኣይ እዙይ መፈንጠር ዝኾነና? ንኣምላኾም ምእንቲ ኸገልግሉ ነቶም ህዝቢ ሕደጎም፤ ግብፂ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ?” በልዎ።

ንሙሴን ንኣሮንን ድማ ናብ ፈርዖን መሊሶም ኣምፅእዎም። ንሱ ኸዓ “ኪዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ፤ ዝኸዱ ግና መን መን እዮም?” በሎም።

ሙሴ ድማ “ናይ ኣቦና በዓል ኣለና እዩ እሞ፥ ምስ መንእሰያትናን ኣረጋውያንናን ክንከይድ ኢና፤ ምስ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ኣባጊዕናን ከፍትናን ክንከይድ ኢና።” በለ።

ንሱ ኸዓ “ንኣኻትኩምን ንቘልዑኹምን ዝሰደኩም እንተ ዀይነ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን! እንሆ፥ ክፉእ ሓሲብኩም ኢኹም።” በሎም። ኣይፋል! ዝደለኹም እዙይ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ሰብኡት ኬድኩም ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ።“ ስለዙይ ፈርዖን ካብ ቅድሚኡ ሰጐጎም።

ኣቦና ድማ ንሙሴ ‘ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኣንበጣ ምእንቲ ኽትድይብ፥ ነቲ በረድ ዝሓደጎ ኵሉ በቝሊ እታ ምድሪ ኸዓ ምእንቲ ኽትበልዕ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዘርግሕ’ በሎ።

ሙሴ ኸዓ በትሩ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዘርግሐ፤ ኣቦና ድማ ምሉእ እታ መዓልትን ምሉእ እቲ ለይትን ንፋስ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ኣንፈሰ፤ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ እቲ ንፋስ ምብራቕ ነቶም ኣንበጣ ኣምፅኦም። እቶም ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ግብፂ ደየቡ፤ ኣብ ኵሉ ዶብ ግብፂ ኸዓ ሰፈሩ፤ ቅድሚኦም ከምኡ ዘይነበረ፥ ድሕሪኦምውን ከምኡ ዘይኸውን፥ የመና ብዙሓት ነበሩ። ንዅሉ ገፅ እታ ምድሪ ኸደንዎ፤ እታ ምድሪ ድማ ፀልመተት፤ ኵሉ በቝሊ እታ ምድርን ነቲ በረድ ዝሓደጎ ኵሉ ፍረ ኦምን በልዕዎ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ኣብ ኦም ኮነ ኣብ በቝሊ መሮር ዝተረፈ ልሙዕ ነገር የለን። ሽዑ ፈርዖን ቀልጢፉ ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በዲለ እየ።’ በሎም። ሕዚ ድማ በይዛኻትኩም ነዛ ሻዕ እዚኣ ጥራሕ ሓጢኣተይ ይቕረ በሉለይ፤ ነዛ ሞት እዚኣ ጥራሕ ካባይ ምእንቲ ኼልዕል ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ለምኑ።”

ሙሴ ኸዓ ካብ ፈርዖን ወፂኡ ናብ ኣቦና ለመነ። ኣቦና ድማ ነቲ ንፋስ ናብ የመና ብርቱዕ ንፋስ ምዕራብ ለወጠ፤ እቲ ንፋስ ድማ ነቶም ኣንበጣ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደፍኦም፤ ኣብ ኵሉ ዶብ ግብፂ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን። ኣቦና ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ኣይሰደዶምን።

ሰለስተ መዓልቲ ፀልማት

ኣቦና ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ፀልማት ምእንቲ ኽኸውን፥ ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፤ እቲ ፀልማት ከዓ ክሳዕ ዝድህሰስ ይረግድ” በሎ።

ሙሴ ኸዓ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ድፉን ፀልማት ኮነ። ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ንሓደ ኣይረኣአየን፤ ሓደ እኳ ኻብ ቦታኡ ኣይተንሰአን፤ ኵሎም ደቂ እስራኤል ግና ኣብ ኣባይቶም ብርሃን ነበሮም።

ፈርዖን ድማ ንሙሴ ፀዊዑ “ኪዱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፤ ቆልዑኹም እኳ ይኺዱ፤ ኣባጊዕኹምን ከፍትኹምን ጥራሕ ኣብዙይ ሕደጉ” በሎ።

ሙሴ ድማ “ንኣቦና ኸነቕርቦ፥ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን እውን ንስኻ ኽትህበና ኣለካ። እንስሳትና እውን ምሳና ክኸዱ እዮም፤ ሓደ ሽዀና እኳ ኣይተርፍን እዩ፤ ንኣቦና ኸነገልግለሉ ካባታቶም ክንወስድ ኢና፤ ኣብኡ ኽሳዕ እንበፅሕ ከዓ ንእኡ ኸነገልግለሉ ብምንታይ ከም ዘድልየና ኣይንፈልጥን ኢና።”

ኣቦና ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ክሰዶም ከዓ ኣይደለየን። ፈርዖን ድማ “ካባይ ርሓቕ! ገፀይ ዳግማይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ፤ ንገፀይ ብዝረኣኻላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ።” በሎ።

ሙሴ ድማ “ቅኑዕ ተዛሪብካ፤ ገፅካ ዳግማይ ኣይርእን እየ።” በለ።