ሓደ ካልእ መቕሰፍቲ
ሓደ መቕሰፍቲ ተሪፉ ኣሎ። ኣብ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ግብፂ ዘሎ ኵሉ በዅሪ፥ ካብ ዙፋን ክሳዕ መጥሓን፥ ክመውት እዩ፤ ከምኡ ዝበለ ዘይነበረ ኣውያት ድማ ክለዓል እዩ። ኣብ እስራኤል ግና ከልቢ እኳ ኣይነብሕን—ኣቦና ነቲ ፍልልይ ብንፁር የርኢ። ሙሴ ኸዓ ብዝነደደ ቍጥዓ ካብ ቅድሚ ፈርዖን ወፀ።
11 1ኣቦና ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ሓደ ካልእ መቕሰፍቲ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ግብፅን ከምፅእ እየ። ድሕሪኡ ኻብዙይ ክሰደኩም እዩ፤ ምስ ሰደኩም ድማ ፈፂሙ ከውፅአኩም እዩ። 2ነቶም ህዝቢ ንገሮም፤ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ብፃዩ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኸዓ ኻብ ብፃያ፥ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ይለምኑ።”
3ኣቦና ድማ ነቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ሃቦም። ኣብ ርእሲ እዙይ ሙሴ ባዕሉ ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ቅድሚ ሹመኛታት ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝብን የመና ዓብዪ ነበረ።
4ሙሴ ኸዓ ከምዙይ በለ፦ “ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ኣቢ ፍርቂ ለይቲ ብማእኸል ግብፂ ክሓልፍ እየ፥
5ኵሉ በዅሪ ምድሪ ግብፂ ድማ ክመውት እዩ፥ ካብቲ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ በዅሪ ፈርዖን፥ ክሳዕ በዅሪ እታ ኣብ ድሕሪ መጥሓን ዘላ ባርያ፥ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ። 6ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ዓብዪ ኣውያት ክኸውን እዩ፥ ከምኡ ዝበለ ቅድሚ ሕዚ ኣይነበረን፥ ድሕሪ ሕዚ ድማ ከቶ ኣይክህሉን እዩ። 7ኣብ ልዕሊ ዅሎም ደቂ እስራኤል ግና፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፥ ከልቢ እኳ ኣይነብሕን እዩ፤ እዙይ ድማ ኣቦና ኣብ መንጎ ግብፅን እስራኤልን ፍልልይ ከም ዝገብር ምእንቲ ኽትፈልጡ እዩ። 8እዚኣቶም ኵሎም ኣገልገልትኻ ድማ ናባይ ወሪዶም፥ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶም፥ ‘ንስኻን እቶም ዝስዕቡኻ ኵሎም ህዝብን ውፁ’ ኽብሉ እዮም። ድሕሪኡ ድማ ክወፅእ እየ።” ሽዑ ሙሴ ብዝነደደ ቍጠዐ ካብ ፈርዖን ወፀ።
9ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብፂ ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ፈርዖን ኣይክሰምዓካን እዩ።”
10ሙሴን ኣሮንን ድማ እዝ ኵሉ ተኣምራት እዙይ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ገበሩ፤ ኣቦና ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሩ ክሰዶም ኣበየ።