ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ፈርዖን

ሙሴን ኣሮንን ንፈርዖን ኣብ በረኻ በዓል ክገብሩ ለመንዎ፥ ነዝ ኣምላኽ እዙይ ከም ዘይፈልጦ ድማ ተነግሮም። ሓሰር ተኸልከለ፥ መጠን ጡብ ግና ከምቲ ዝነበረ ተሓለወ፥ ኣሕሉቕ ተወቕዑ፥ እስራኤል ድማ ንሙሴ ከሰሱ። ሙሴ ተመሊሱ ንኣቦና ስለ ምንታይ ከም ዝለኣኾ ሓተተ።

ምዕራፍ 5።

ድሕሪዙይ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርዖን ከይዶም “ኣቦና ናይ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ህዝበይ ኣብ በረኻ በዓል ምእንቲ ኽገብሩለይ ሕደጎም ይኺዱ” በሉ።

ፈርዖን ድማ “ቃሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰዶ፥ እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን እየ፥ ንእስራኤልውን ኣይሰዶን እየ” በለ።

ንሳቶም ድማ “ኣቦና ተራኺቡና ኣሎ። ንኣቦና መስዋእቲ ምእንቲ ክንስውእ፥ ናብ በረኻ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ንኺድ፤ እንተ ዘይኮነ ብመዓት ወይ ብሴፍ ከይወቕዓና” በሉ።

ንጉስ ግብፂ ግና “ኦ ሙሴን ኣሮንን፥ ነቲ ህዝቢ ስለ ምንታይ ካብ ስርሑ ትግትትዎ ኣለኹም? ናብ ዕዮኹም ተመለሱ!” በሎም። ፈርዖን ድማ “እንሆ፥ ህዝቢ እታ ምድሪ ሕዚ በዚሖም ኣለዉ፥ ንስኻትኩም ከዓ ካብ ስራሕ ከተዕርፍዎም ትደልዩ ኣለኹም!” በለ።

በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ፈርዖን ነቶም ዘስርሕቲ ህዝብን ነቶም ኣሕሉቕን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ከምቲ ቐደም ነዚ ህዝቢ እዚ ጡብ ክሰርሑ ሓሰር ኣይትሃቡዎም። ባዕልቶም ከይዶም ሓሰር ይእከቡ።

ከምቲ ቐደም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ መጠን ጡብ ጠልቡ፤ ኣይተጕድሉ። ሃካያት እዮም፤ ስለዙይ ‘ንኣምላኽና ክንስውእ ንኺድ’ ኢሎም የእውዩ ኣለዉ። ነቶም ሰባት ስራሕ የኽብደሎም፤ ኣብኡ ምእንቲ ክፅመዱ፥ ንሓሶት ቃላት ድማ ከይሰምዑ።”

እቶም ዘስርሕቲ ህዝብን እቶም ኣሕሉቕን ወፂኦም ነቲ ህዝቢ ከምዙይ በልዎም፤ “ፈርዖን ከምዙይ ይብል፦ ‘ሓሰር ኣይህበኩምን እየ።’ ኣብ ዝረኸብኩምዎ ኸይድኩም ባዕልትኹም ሓሰር ውሰዱ፤ ካብ ስራሕኹም ግና ዝኾነ ኣይጕደል እዩ’ ” በልዎም። ስለዙይ እቲ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ሓሰር ገፀፅ ክኣክቡ፥ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ፋሕ በሉ። እቶም ዘስርሕቲ ህዝቢ ድማ “ከምቲ ሓሰር ዝነበረኩምሉ ጊዜ፥ ናይ ዕለት ዕዮኹም በብዕለቱ ፈፅሙ” እናበሉ ብፅኑዕ የጓይይዎም ነበሩ። እቶም ዘስርሕቲ ፈርዖን ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ዝሾምዎም ኣሕሉቕ ተወቕዑ፤ “ከምቲ ቐደም፥ ትማልን ሎምን ዝግብአኩም ጡብ ስለ ምንታይ ዘይወዳእኹም?” ተባሂሎም ከዓ ተሓተቱ።

ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል መፂኦም ናብ ፈርዖን ኣእወዩ፤ “ንባሮትካ ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሮም ኣለኻ? ንባሮትካ ሓሰር ኣይወሃቦን ኣሎ፥ ‘ጡብ ስርሑ!’ ግና ይብሉና ኣለዉ፤ እንሆ፥ ባሮትካ ይውቀዑ ኣለዉ፥ ጌጋ ግና ናይ ህዝብኻ እዩ” በልዎ።

ፈርዖን ድማ “ሃካያት! ሃካያት ኢኹም! ስለዙይ ‘ኬድና ንእግዚኣብሄር ንስውእ’ ትብሉ ኣለኹም። ሕዚ ኺዱ ስርሑ፤ ሓሰር ኣይወሃበኩምን እዩ፥ ዝግብአኩም ጡብ ግና ምሉእ ከተረክቡ ኣለኩም” በለ።

እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል፥ “ናይ ዕለት ጡብኩም ኣይተጕድሉ” ምስ ተባህሉ፥ ኣብ ፀገም ከም ዝወደቑ ረአዩ። ካብ ፈርዖን ምስ ወፁ ኸዓ፥ ክረኽብዎም ዝፀበዩ ዝነበሩ ንሙሴን ንኣሮንን ረኸብዎም፤ ንሳቶም ድማ “ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን መኳንንቱን ከም እንፅላእ ጌርኩም፥ ክቐትሉና ድማ ሴፍ ኣብ ኢዶም ኣንቢርኩም ኢኹም እሞ፥ ኣቦና ርእዩ ይፍረደኩም” በልዎም።

ሽዑ ሙሴ ናብ ኣቦና ተመሊሱ “ኦ ጐይታ፥ ኣቦ፥ ነዚ ህዝቢ እዚ ስለ ምንታይ ፀገም ኣምፃእካሉ? ንምንታይከ ለኣኽካኒ?

ካብታ ብስምካ ኽዛረብ ናብ ፈርዖን ዝኸድኩላ ጀሚሩ፥ ነዚ ህዝቢ እዚ በደሎ፥ ንስኻ ኸዓ ንህዝብኻ ፍፁም ኣየናገፍካዮን” በለ።