ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቤት ዳዊት እናበርትዐ ይኸይድ

ቤት ሳኦል እናተዳኸመት ክትከይድ እንከላ፥ ኣበኔር ብዛዕባ ዕቅብቲ ተኸሰ፥ ነቲ ኣቦና ዝመሓለሉ መንግስቲ ኼረክቦ ኸዓ ናብ ዳዊት ገፁ መለሰ፥ ንእስራኤልውን ምስኡ ኣምፅአ። ኢዮኣብ ድማ ሕነ ኣሳሄል ክፈዲ ኢሉ ንኣበኔር ኣብ ጥቓ እቲ በሪ ቐተሎ። ዳዊት ከዓ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ኸደ፥ ፆመ፥ ሓዘነ፤ ኵሉ ሰብ ድማ ኣብኡ ኢድ ከም ዘይነበሮ ፈለጠ።

ምዕራፍ 3።

ውግእ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ቤት ዳዊትን ንነዊሕ ጊዜ ቀፀለ። ዳዊት እናበርትዐ ይኸይድ ነበረ፤ ቤት ሳኦል ግና እናተዳኸመት ከደት። ኣብ ኬብሮን ድማ ንዳዊት ደቂ ተወለዱሉ። በዅሩ ኣምኖን ነበረ፤ እኖኡ ኸዓ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤል እያ፤ ካልኣዩ ኪልኣብ፥ ካብ ኣቢግያ መበለት ናባል በዓል ቀርሜሎስ፤ ሳልሳይ ኣቤሴሎም፥ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ እቲ ንጉስ ጌሹር፤ ራብዓይ ኣዶንያስ ወዲ ሓጊት፤ ሓምሻይ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል፤ ሻድሻይ ድማ ይትርኣም፥ ካብ ኤግላ ሰበይቲ ዳዊት። እዚኣቶም ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱ ደቂ ዳዊት እዮም።

ኣበኔር ናብ ዳዊት ተፀንበረ

ቤት ሳኦልን ቤት ዳዊትን ኣብ ዝዋግኡሉ ዝነበሩ እዋን፥ ኣበኔር ኣብ ቤት ሳኦል ዘለዎ ስልጣን የበርትዕ ነበረ። ሳኦል ከዓ ሪፅፋ ጓል ኣያ እትብሃል ዕቅብቲ ነበረቶ። ኢያቡስቴ ድማ ንኣበኔር “ስለ ምንታይ ምስ ዕቅብቲ ኣቦይ ደቀስካ?” በሎ።

ኣበኔር ድማ በቲ ዘረባ ኢያቡስቴ የመና ተቖጢዑ ከምዙይ በለ፦ “ኣነ ንይሁዳ ዝተኣመንኩ ርእሲ ኸልቢ ድየ? ሎሚ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ነዕርኽቱን ፍቕሪ እናርኣኹ፥ ኣብ ኢድ ዳዊት ኣየሕሊፍኩኻን፤ ሕዚ ግና ብዛዕባ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ትኸሰኒ ኣለኻ! a a v8 ‘ርእሲ ኸልቢ’ ዝብል፥ ንኸንቱ ኸዳዕ ወይ ፀላኢ ዝንዓቕ ናይ ጥንቲ ፀርፊ ነበረ። ከምቲ ኣቦና ንዳዊት ዝመሓለሉ እንተ ዘይገበርኩሉ፥ ኣቦና ንኣበኔር ከምኡ ይግበሮ፥ ካብኡ ዝገደደ ድማ ይወስኸሉ፤ ነታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ኣሕሊፈ፥ ዙፋን ዳዊት ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ከፅንዖ።”

ኢያቡስቴ ድማ ንኣበኔር ስለ ዝፈርሐ፥ ካልእ ቃል ክምልሰሉ ኣይከኣለን።

ኣበኔር ድማ ብስሙ ናብ ዳዊት ልኡኻት ልኢኹ “እዛ ምድሪ ናይ መን እያ? ምሳይ ኪዳን ግበር፤ ንብዘሎ እስራኤል ናባኻ ኸምልሶ ኢደይ ምሳኻ ክትከውን እያ” በለ።

ዳዊት ድማ “ፅቡቕ፤ ምሳኻ ኪዳን ክኣቱ እየ። ግና ሓንቲ ነገር እደልየካ ኣለኹ፦ ክትመፅእ እንተለኻ፥ ቅድም ንሜልኮል ጓል ሳኦል እንተ ዘይኣምፃእካ፥ ገፀይ ኣይክትርእን ኢኻ” በለ። ዳዊት ድማ ናብ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ልኡኻት ልኢኹ “ነታ ብሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን ዝሓፀኽዋ ሰበይተይ ሜልኮል ሃበኒ” በለ።

ኢያቡስቴ ድማ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ ፋልጢኤል ወዲ ለሌሳ ወሰዳ። ሰብኣያ ድማ እናበኸየ ኽሳዕ ባሑሪም ደድሕሪኣ እናሰዓበ ምስኣ ኸደ። ሽዑ ኣበኔር “ተመለስ” በሎ። ንሱ ኸዓ ተመለሰ።

ኣበኔር ድማ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ተዛረበ፦ “ንዳዊት ንጉስ ክኾነኩም ካብ ቅድም ጀሚርኩም ትደልዩ ነበርኩም። ሕዚ ድማ ግበርዎ፤ ኣቦና ንዳዊት ‘ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኵሎም ፀላእቶምን ብኢድ ባርያይ ዳዊት ከድሕኖም እየ’ ኢሉ ተዛሪብዎ እዩ እሞ።”

ኣበኔር ድማ ንብንያም እውን ተዛረቦ፤ ድሕሪዙይ ነቲ እስራኤልን ብዘሎ ቤት ብንያምን ዝተሰማምዕሉ ዅሉ ንዳዊት ክነግሮ ናብ ኬብሮን ከደ። ኣበኔር ምስ ዕስራ ሰባት ኮይኑ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን ምስ መፀ፥ ዳዊት ንኣበኔርን ንሰቡን ድግስ ገበረሎም። ኣበኔር ድማ ንዳዊት “ከይደ ንብዘሎ እስራኤል ናብ ጐይታይ ንጉስ ክእክብ፥ ምሳኻ ኺዳን ምእንቲ ክኣትዉ፥ ንስኻ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝደለዮ ልብኻ ምእንቲ ኽትነግስ” በሎ። ዳዊት ድማ ንኣበኔር ሰደዶ፤ ንሱ ኸዓ ብሰላም ከደ።

ኢዮኣብ ንኣበኔር ቀተሎ

እንሆ ኸዓ ኣገልገልቲ ዳዊትን ኢዮኣብን ካብ ወራር ብዙሕ ምርኮ ሒዞም ተመለሱ። ኣበኔር ግና ዳዊት ሰዲድዎ ብሰላም ከይዱ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኬብሮን ምስ ዳዊት ኣይነበረን። ኢዮኣብን ብዘሎ ሰራዊቱን ምስ መፁ፥ “ኣበኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መፂኡ፤ ንሱ ኸዓ ሰዲድዎ ብሰላም ከይዱ” ኢሎም ነገርዎ።

ኢዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ከይዱ “እንታይ ገበርካ? እንሆ ኣበኔር ናባኻ መፂኡ ነበረ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ሰደድካዮ፥ ሕዚ ኸዓ ከይዱ? ኣበኔር ወዲ ኔር መፃእታኻን ኵሉ እትገብሮ ነገርን ክፈልጥ፥ ከታልለካ ኸም ዝመፀ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ።

ኢዮኣብ ድማ ካብ ዳዊት ምስ ወፀ፥ ልኡኻት ደድሕሪ ኣበኔር ሰደደ፤ ንሳቶም ከዓ ካብ ዒላ ሲራ መለስዎ። ዳዊት ግና ገለ እኳ ኣይፈለጠን። ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ፥ ኢዮኣብ ብምስጢር ክዛረቦ ዝደለየ መሲሉ ናብ ውሽጢ ደገ ኣግለሶ፤ ኣብኡ ኸዓ ብዛዕባ ደም ኣሳሄል ሓው ኢዮኣብ፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ። ድሕሪዙይ ዳዊት ምስ ሰምዐ ኸምዙይ በለ፦ “ኣነን መንግስተይን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ካብ ደም ኣበኔር ወዲ ኔር ንዘለኣለም ንፁሃት ኢና። ኣብ ርእሲ ኢዮኣብን ኣብ ብዘሎ ቤት ኣቦኡን ይውረድ! ካብ ቤት ኢዮኣብ ፈሳሲ ዘለዎ፥ ለምፃም፥ ኣብ በትሪ ዝፅጋዕ፥ ብሰይፊ ዝወድቕ፥ ወይ እንጀራ ዝስእን ሰብ ኣይጥፋእ።” ኢዮኣብን ሓዉ ኣቢሳን ድማ ኣብ ውግእ ገባዖን ንሓዎም ኣሳሄል ስለ ዝቐተለ፥ ንኣበኔር ቀተልዎ።

ዳዊት ንኣበኔር ኣልቀሰሉ

ዳዊት ድማ ንኢዮኣብን ንብዘሎ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን “ክዳውንትኹም ቅደዱ፤ ወጮ ተኸደኑ፤ ኣብ ቅድሚ ኣበኔር ድማ ኣልቅሱ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ከዓ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ኸደ። ንኣበኔር ድማ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፤ ንጉስ ከዓ ኣብ መቓብሩ ዓው ኢሉ በኸየ፤ ብዘሎ ህዝቢ እውን በኸየ። ንጉስ ድማ ነዝ መልቀስ እዙይ ብዛዕባ ኣበኔር ኣልቀሰ፦ “ኣበኔርዶ ከም ዝሞተ ዓሻ ክመውት ነበሮ? ኣእዳውካ ኣይተኣሰራን፥ ኣእጋርካ ብመቝሕ ኣይተኣሰራን። ከምቲ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ዝወድቕ ሰብ ወደቕካ።” ብዘሎ ህዝቢ ኸዓ መሊሱ በኸየሉ።

ሽዑ ብዘሎ ህዝቢ ገና መዓልቲ እንተሎ ዳዊት ገለ ኽበልዕ ከረድእዎ መፁ፤ ዳዊት ግና “ፀሓይ ቅድሚ ምዕራብ እንጀራ ወይ ካልእ ዝኾነ እንተ ጠዓምኩ፥ ኣቦና ከምኡ ይግበረኒ፥ ካብኡ ዝገደደ ድማ ይወስኸለይ” ኢሉ መሓለ።

ብዘሎ ህዝቢ ድማ ኣስተውዓለ እሞ ደስ በሎም፤ ኵሉ እቲ ንጉስ ዝገበሮ ንብዘሎ ህዝቢ ደስ ኣበሎም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብዘሎ ህዝብን ብዘሎ እስራኤልን፥ ኣበኔር ወዲ ኔር ክቕተል ንጉስ ከም ዘይፈተወ ፈለጡ። ንጉስ ድማ ነገልገልቱ “ሎሚ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን?” በሎም። “ሎሚ ኣነ ዝተቐብአ ንጉስ እኳ እንተኾንኩ፥ ድኹም እየ፤ እዚኣቶም ደቂ ፅሩያ ኸዓ ካባይ ሓያላት እዮም። ኣቦና ነቲ ክፉእ ዝገብር ከምቲ ዝገበሮ ክፉእ ይፍደዮ።”