ቕትለት ኢያቡስቴ
ክልተ ኻብ ሓለቕቲ ሽፍታ ኢያቡስቴ፥ ኣብ ቀትሪ ዕረፍቱ ኣብ ዓራቱ እንተሎ ወግእዎ፥ ርእሱ ኸዓ ናብ ኬብሮን ኣምፂኦም ‘ሕነ ኣቦና’ ኢሎም ፀውዕዎ። ዳዊት ግና፥ እቲ ቅድም ነቲ ‘ንሳኦል ቀቲለዮ’ ዝበለ ሰብኣይ ዝቐተለ፥ ቐተሎም። እታ ርእሲ ኸዓ ኣብ መቓብር ኣበኔር ተቐበረት።
4 1ወዲ ሳኦል ኢያቡስቴ ድማ ኣበኔር ኣብ ኬብሮን ሞይቱ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዐ፥ ኢዱ ላሕለሐ፤ ኵሉ እስራኤልውን ሰምበደ። 2ወዲ ሳኦል ድማ ክልተ ሓለቕቲ ሽፍታ ነበርዎ፤ ስም እቲ ሓደ በዓና፥ ስም እቲ ኻልእ ከዓ ሬካብ፥ ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት ካብ ደቂ ብንያም እዮም፤ ብኤሮት ድማ ናይ ብንያም ኮይና ትቑፀር ነበረት፤ 3እቶም ሰብ ብኤሮት ናብ ጊታይም ሃዲሞም፥ ክሳዕ ሎሚ ኣብኡ ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።
4ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ክልቲአን ኣእጋሩ ልሙሳት ዝኾነ ወዲ ነበሮ። ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ኢይዝራኤል ምስ መፀ፥ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ፤ መጕዚቱ ድማ ወሲዳ ክተህድሞ እናተቐላጠፈት ክትከይድ እንተላ፥ ወደቐ እሞ ተጐድአ። ስሙ ድማ ሜምፊቦስቴ ተብሃለ።
5ሬካብን በዓናን፥ ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት ድማ፥ ብሃሩር መዓልቲ ናብ ቤት ኢያቡስቴ መፁ፤ ንሱ ኸዓ ቀትሪ ይድቅስ ነበረ። 6ስርናይ ዝወስዱ ኣምሲሎም ድማ ናብ ማእኸል እታ ቤት ኣተዉ፤ ከብዱ ወግእዎ፤ ሬካብን ሓዉ በዓናን ከዓ ኣምለጡ። 7ኢያቡስቴ ኣብቲ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ እንተሎ ድማ፥ ናብታ ቤት ኣትዮም ነበሩ። ወቒዖም ከዓ ቐተልዎ፤ ርእሱ ድማ ቘሪፆም ወሰድዎ፤ ምሉእ ለይቲ ኸዓ ብመንገዲ ዓረባ ግስግስ ሓደሩ። 8ርእሲ ኢያቡስቴ ድማ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን ኣምፂኦም ነቲ ንጉስ ከምዙይ በልዎ፦ “እንሆ ርእሲ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል፥ እቲ ንህይወትካ ዝደለየ ፀላኢኻ። ሎሚ ኣቦና ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈዲዩሉ ኣሎ።” a a v8 እቶም ቐተልቲ ንበደሎም ናብ ኣቦና የሰክሙ፤ ግና መልሱ ብዳዊት ኣቢሉ ይመፅእ፤ ንሱ ድማ ከም ቐተልቲ ንፁህ ሰብ ገይሩ ይኵንኖም።
9ዳዊት ግና ንሬካብን ሓዉ በዓናን፥ ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ነቲ ንህይወተይ ካብ ኵሉ ፀበባ ዝተቤዘወኒ ህያው ኣቦና እምሕል ኣለኹ፥ 10ሓደ ሰብ ‘እንሆ፥ ሳኦል ሞይቱ’ ምስ በለኒ፥ ብስራት ዘምፅእ ዘሎ መሲልዎ ነበረ፤ ኣነ ግና ኣብ ፂቅላግ ሒዘ ቐተልክዎ። ነቲ ብስራት ዝሃብክዎ ዓስቢ እዙይ እዩ! 11ክፉኣት ሰባት ንፃድቕ ሰብ ኣብ ገዛኡ ኣብ ዓራቱ ምስ ዝቐትሉ ደኣ፥ ክንደይ ኣብ ዝበለፀ ኾን! ሕዚ ደሙ ካባኻትኩም ክደሊ፥ ንስኻትኩም ድማ ካብ ምድሪ ከጥፍአኩምዶ ኣይግብአንን?” 12ዳዊት ድማ ንመንእሰያቱ ኣዘዞም፤ ንሳቶም ከዓ ቐተልዎም፤ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ቘሪፆም ኣብ ጥቓ ቃላይ ኬብሮን ሰቐልዎም። ርእሲ ኢያቡስቴ ግና ወሲዶም ኣብ መቓብር ኣበኔር ኣብ ኬብሮን ቐበርዎ።