ዳዊት ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ንጉስ ኮይኑ ተቐብአ
ኵሎም እስራኤል ኣብ መወዳእታ ናብ ኬብሮን መፂኦም ንዳዊት ቀብእዎ፥ ኣቦና ‘ንስኻ ንህዝበይ ክትጓስዮም ኢኻ’ ኢሉ ዝበሎ እናዘከሩ። ነቲ ዕርዲ ኢያቡሳውያን ሒዙ ኸተማ ዳዊት ገበሮ፥ ንፍልስጥኤማውያን ቅድሚ ምውግኡ ኸዓ ክልተ ጊዜ ንኣቦና ጠየቐ፥ ሓደ ጊዜ ድማ ኣብ ኣግራብ ሳጋሉ ድምፂ ምግስጋስ ክሳዕ ዝሰምዕ ፀንሐ።
5 1ኵሎም ነገዳት እስራኤል ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መፂኦም ከምዙይ በልዎ፦ “ንሕናስ ስጋኻን ደምካን ኢና። 2ቅድም፥ ሳኦል ንጉስና እንተሎ፥ ንስኻ ንእስራኤል ኣውፂእኻ ኣእተኻዮም። ኣቦና ኸዓ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓስዮም ኢኻ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ገዛኢ ክትከውን ኢኻ’ በለካ።” 3ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ንጉስ ዳዊት ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ፤ ንዳዊትውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኮይኑ ቀብእዎ።
4ዳዊት ኣብ ዝነገሰሉ ጊዜ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ ነገሰ። 5ኣብ ኬብሮን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣብ ልዕሊ ኵሉ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
ዳዊት ንኢየሩሳሌም ሓዛ
6ሽዑ ንጉስን ሰዓብቱን ናብ ኢየሩሳሌም፥ ናብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኢያቡሳውያን ወፁ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊት “ዕዉራትን ሓንካሳትን እኳ ክመልሱኻ ይኽእሉ እዮም እሞ፥ ናብዙይ ፈፂምካ ኣይትኣቱን ኢኻ” ኢሎም ፀረፍዎ፤ “ዳዊት ናብዙይ ክኣቱ ኣይኽእልን እዩ” ኢሎም ሓሲቦም። 7ዳዊት ግና ነቲ ዕርዲ ፅዮን፥ ንሳ ኸዓ ኸተማ ዳዊት፥ ሓዛ። 8በታ መዓልቲ እቲኣ ዳዊት “ንኢያቡሳዊ ዝወቅዕ ዝኾነ ሰብ፥ ነቶም ብነፍሲ ዳዊት ዝተፀልኡ ሓንካሳትን ዕዉራትን ክወቅዕ፥ ናብቲ መትረብ ማይ ይብፃሕ” በለ። ስለዙይ “ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብ ቤት ኣይኣትዉን” ይብሉ። a a v8 እቲ መትረብ ማይ፥ ነታ ኣብ ላዕሊ ዘላ ኸተማ ምስቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝነበረ መምፅኢ ማያ ዘራኽብ ቀጥ ዝበለ ዋሻ ነበረ፤ ናብ ኢየሩሳሌም መእተዊ ክኸውን ዝኽእል መንገዲ ነበረ።
9ዳዊት ኣብቲ ዕርዲ ተቐመጠ፤ ከተማ ዳዊት ድማ ኢሉ ሰመዮ። ካብ ሚሎ ጀሚሩ ናብ ውሽጢ፥ ኣብ ዙርያ ነቲ ቦታ ሃነፆ። b b v9 ሚሎ፥ ካብ መከላኸሊ ኢየሩሳሌም ሓደ ኽፋል ዝነበረ፥ ዓብዪ መደገፊ ድፋዕ ወይ ናይ ሓመድ ስራሕ ነበረ። 10ዳዊት ድማ እናዓበየ ይኸይድ ነበረ፤ ኣቦና፥ ኣምላኽ ሰራዊት ሰማይ፥ ምስኡ ነበረ እሞ። 11ኪራም ንጉስ ጢሮስ ናብ ዳዊት ልኡኻት፥ ኣእዋም ዝግባ፥ ፀረብቲ ዕንፀይትን ፀረብቲ እምንን ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ንዳዊት ቤት ሰርሑ።
12ዳዊት ድማ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኮይኑ ከም ዘጣየሶ፥ ምእንቲ ህዝቡ እስራኤልውን ንመንግስቲ ዳዊት ልዕል ከም ዘበላ፥ ፈለጠ።
13ዳዊት ካብ ኬብሮን ምስ ወፀ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ካልኦት ዕቁባትን ኣንስትን ወሰደ፤ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ተወለዱሉ። 14እዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱሉ ውሉድ ስማት ከምዙይ እዩ፦ ሰሙኤል፥ ሾባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥ 15ይብሓር፥ ኤሊሱዓ፥ ናፌግ፥ ያፊዓ፥ 16ኤሊሳማ፥ ኤልያዳዕ፥ ኤሌፋላት።
ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ዝተገብረ ኽልተ ዓወት
17ፍልስጥኤማውያን ዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኮይኑ ኸም ዝተቐብአ ምስ ሰምዑ፥ ኵሎም ክደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ግና ሰሚዑ ናብ ዕርዲ ወረደ። 18ፍልስጥኤማውያን ድማ መፂኦም ኣብ ለሰ ራፋይም ተዘርግሑ።
19ዳዊት ድማ ንኣቦና “ናብ ፍልስጥኤማውያን ክድይብ ዲየ? ኣብ ኢደይከ ኣሕሊፍካ ኽትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣቦና ከዓ ንዳዊት “ደይብ፥ ንፍልስጥኤማውያን ብርግፅ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
20ዳዊት ድማ ናብ በዓልጵራፂም ከደ፤ ኣብኡ ኸዓ ሰዓሮም። “ኣቦና ንፀላእተይ ኣብ ቅድመይ፥ ከምቲ ገንፊሉ ዝፈስስ ማይ፥ ሰንጠቖም” ድማ በለ። ስለዙይ ነታ ቦታ እቲኣ በዓልጵራፂም ኢሉ ሰመያ። c c v20 በዓልጵራፂም ማለት "ጐይታ ምፍራስ" ማለት እዩ፤ ዳዊት ነታ ቦታ ኸምኡ ዝሰመያ፥ ኣቦና ኣብኡ ንፀላእቱ ኸምቲ ዝገንፍል ማይ ጥፍኣት ስለ ዝሰንጠቖም እዩ። 21ፍልስጥኤማውያን ኣብኡ ጣዖታቶም ሓደጉ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ድማ ተሰኪሞም ወሰድዎም።
22ፍልስጥኤማውያን ከም ብሓድሽ ደዪቦም ኣብ ለሰ ራፋይም ተዘርግሑ።
23ዳዊት ንኣቦና ምስ ጠየቖ፥ ንሱ ኸዓ “ትኽ ኢልካ ኣይትደይብ። ኣብ ድሕሪኦም ዙር እሞ ኣብ መንፅር እቶም ኣእዋም በለሳን ግጠሞም። 24ኣብ ጫፍ እቶም ኣእዋም በለሳን ድምፂ ጕዕዞ ምስ ሰማዕኻ፥ ቀልጢፍካ ተንቀሳቐስ፤ ሽዑ ኣቦኻ ንሰፈር ፍልስጥኤማውያን ክወቅዕ ኣብ ቅድሜኻ ወፂኡ ኽኸውን እዩ እሞ።”
25ዳዊት ድማ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ጌሩ ገበረ፤ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ጊብዓ ክሳዕ ጌዘር ወቕዖም።