ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዳዊት ምእንቲ እቲ ታቦት ይብገስ

ነቲ ታቦት ብሓድሽ ሰረገላ ናብ ገዛ እናምፅአ፥ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ ሞተ፤ ዳዊት ተቘጥዐ፥ ደሓር ከዓ ፈርሐ፥ ነቲ ታቦት ድማ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ቤት ዖቤድኤዶም ሓደጎ፥ ቤቱ ኸዓ ተባረኸ። መሊሱ ኸዓ ብመስዋእቲ ኣምፅኦ፥ ኤፉድ ብሃሪ ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ ኣቦና እናሳዕሰዐ፥ ሜልኮል ከዓ ነዓቐቶ።

ምዕራፍ 6።

ዳዊት ድማ መሊሱ ንዅሎም እቶም ሕሩያት ሰብ እስራኤል፥ ሰላሳ ሽሕ፥ ኣከበ። ዳዊት ድማ ምስ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ካብ ባዓለ ይሁዳ ተልዒሉ፥ ነቲ ታቦት ኣቦና፥ በቲ ስም፥ ስም እቲ ኣብ ኪሩቤል ዝተቐመጠ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ዝተፀውዐ ታቦት፥ ካብኡ ከደይቦ ኸደ። ንታቦት ኣቦና ድማ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ጌሮም ካብታ ኣብ ኰረብታ ዘላ ቤት ኣሚናዳብ ኣውፅእዎ፤ ዑዛን ኣሕዮን፥ ደቂ ኣሚናዳብ፥ ነቲ ሓድሽ ሰረገላ ይዝውርዎ ነበሩ፤ ምስቲ ታቦት ኣቦና ድማ፤ ኣሕዮ ኸዓ ቀቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ።

ዳዊትን ኵሎም ቤት እስራኤልን ድማ ብዅሉ ሓይሎም ኣብ ቅድሚ ኣቦና ተሓጐሱ፤ ብመዝሙርን ብመሰንቆን ብበገናን ብኸበሮን ብፃውራን ብፀናፅልን።

ናብ ዓውዲ ናኮን ምስ በፅሑ ድማ፥ እቶም ኣብዑር ተዓንቀፉ እሞ፥ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ንታቦት ኣቦና ሓዞ። ቍጥዓ ኣቦና ድማ ኣብ ልዕሊ ዑዛ ነደደ፤ ስለ ጌግኡ ኸዓ ኣብኡ ወቕዖ፤ ንሱ ድማ ኣብኡ ኣብ ጐኒ ታቦት ኣቦና ሞተ። a a v7 ኣቦና ነቲ ታቦት ብኸመይ ከም ዝፅዓን ብጥንቃቐ ኣዚዙ ነበረ፤ እዝ ዘሕዝን ፍፃመ እዙይ፥ ክብደት እቲ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ዘሎ ቅዱስ ህላወኡ እዩ ዝገልፅ እምበር፥ ንውሉዱ ኽወቅዕ ህንጡይ ኣቦ ኣይኮነን። ኣቦና ኣብ ልዕሊ ዑዛ ስለ ዝነተገ ድማ ዳዊት ተቘጥዐ፤ እታ ቦታ ኸዓ ክሳዕ ሎሚ ፋሬስ ዑዛ ተባሂላ ትፅዋዕ ኣላ። b b v8 ፋሬስ ዑዛ ማለት “እቲ ኣብ ልዕሊ ዑዛ ዝኾነ ምንታግ” ማለት እዩ፤ እታ ቦታ በቲ ኣብኣ ዝኾነ ነገር እያ ተሰምያ። ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣቦና ፈርሖ እሞ፥ “ታቦት ኣቦና ኸመይ ኢሉ ናባይ ክመፅእ?” በለ። ዳዊት ድማ ንታቦት ኣቦና ናብ ከተማ ዳዊት ከእትዎ ኣይፈተወን፤ ናብ ቤት ዖቤድኤዶም እቲ ጌታዊ ደኣ ኣግለሶ እምበር። ታቦት ኣቦና ድማ ኣብ ቤት ዖቤድኤዶም እቲ ጌታዊ ሰለስተ ወርሒ ገበረ፤ ኣቦና ኸዓ ንዖቤድኤዶምን ንዅሉ ቤቱን ባረኾም።

ንጉስ ዳዊት ድማ “ኣቦና ምእንቲ እቲ ታቦት ኢሉ ንቤት ዖቤድኤዶምን ንዅሉ ዘለዎን ባሪኽዎ ኣሎ” ተባሂሉ ተነገሮ። ስለዙይ ዳዊት ከይዱ ንታቦት ኣቦና ተሓጒሱ ኻብ ቤት ዖቤድኤዶም ናብ ከተማ ዳዊት ኣደየቦ።

እቶም ንታቦት ኣቦና ዝፆሩ ድማ ሽዱሽተ ስጕምቲ ምስ ከዱ፥ ዳዊት ብዕራይን ስቡሕ ዝራብዕን ሰውአ። ዳዊት ድማ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተኸዲኑ ብዅሉ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ሳዕሰዐ። c c v14 ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ቐሊል ናይ ካህን ቐሚሽ እዩ ነይሩ፤ ንኣምልኾ ዝጥዕም እኳ እንተ ኾነ፥ ካብ ንጉስ እቲ ዝድለ ወግዓዊ ልብሲ ግና ኣይኮነን። ዳዊትን ኵሎም ቤት እስራኤልን ድማ ንታቦት ኣቦና ብእልልታን ብድምፂ መለኸትን ኣደየብዎ።

ሜልኮል ንዳዊት ምንዓቓ

ታቦት ኣቦና ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ፥ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኮት ጠሚታ ንንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣቦና እናዘለለን እናሳዕሰዐን ረኣየቶ እሞ፥ ብልባ ነዓቐቶ። ንታቦት ኣቦና ድማ ኣእትዮም ኣብ ውሽጢ እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣብ ቦትኡ ኣንበርዎ፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሰላምን ኣቕረበ። ዳዊት ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሰላምን ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፥ ነቶም ህዝቢ ብስም ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ባረኾም። ንዅሎም እቶም ህዝቢ፥ ንብዘሎ ህዝቢ እስራኤል፥ ሰብኣይ ኾነ ሰበይቲ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ እንጀራን ሓደ ጎጎ ተምርን ሓደ ጎጎ ዘቢብን ሃቦም። ሽዑ ዅሉ ነፍሲ ወከፍ ናብ ገዛኡ ኸደ።

ዳዊት ድማ ንቤቱ ኽባርኽ ምስ ተመለሰ፥ ሜልኮል ጓል ሳኦል ክትቅበሎ ወፂኣ፥ “እቲ ንጉስ እስራኤል ሎሚ ኸመይ ዝበለ ክብሪ ረኺቡ! ከምቲ ሓደ ህሱር ሰብ ብዘይ ሕፍረት ነብሱ ዝቕልዕ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣግራድ ኣገልገልቱ ነብሱ ቐሊዑ!” በለቶ።

ዳዊት ድማ ንሜልኮል ከምዙይ በላ፦ “ኣብ ቅድሚ ኣቦና እዩ ነይሩ፤ ንሱ ኻብ ኣቦኺን ካብ ኵሉ ቤቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣቦና፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፥ ሓለቓ ክኸውን ሓረየኒ። ስለዙይ ኣብ ቅድሚኡ ክሕጐስ እየ። ካብዙይ ንላዕሊ እውን ርእሰይ ከዋርድ እየ፥ ኣብ ዓይነይ ድማ ትሑት ክኸውን እየ፤ ምስተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና፥ ምስኣተን ክኸብር እየ።”

ሜልኮል ጓል ሳኦል ድማ ክሳዕ ዝሞተትላ መዓልቲ ውላድ ኣይነበራን።