ኪዳን ኣቦና ምስ ዳዊት
ዳዊት ንኣቦና ቤት ዝግባ ኺሰርሓሉ ደለየ። እቲ መልሲ ግና ይግልብጦ፦ ኣቦና ንዳዊት ቤት ክሰርሓሉ እዩ፥ ዙፋኑ ንዘለኣለም ዝፀንዕ ዘርኢ ኸዓ ኽህቦ እዩ — “ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፥ ንሱ ኸዓ ወደይ ክኸውን እዩ።” ዳዊት ድማ ኮፍ ኢሉ ብምግራም መሊሱ ፀለየ።
7 1እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፥ ኣቦና ከዓ ካብ ኵሎም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ፀላእቱ ዕረፍቲ ምስ ሃቦ፥ 2እቲ ንጉስ ድማ ንነቢይ ናታን “እንሆ ሕዚ፥ ኣነ ኣብ ቤት ዝግባ እነብር ኣለኹ፥ ታቦት ኣቦና ግና ኣብ ድንኳን ይነብር ኣሎ” በሎ።
3ናታን ድማ ነቲ ንጉስ “ኣቦና ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኪድ፥ ኵሉ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር” በሎ።
4በታ ለይቲ እቲኣ ግና፥ ቃል ኣቦና ናብ ናታን መፀ፦
5“ኪድ ንባርያይ ዳዊት ንገሮ፦ ኣቦኻ ከምዙይ ይብል፦ ‘ክነብረሉ ቤት እትሰርሓለይ ንስኻ ዲኻ? 6ንእስራኤል ካብ ግብፂ ካብ ዘውፃእኽዎም ኣትሒዘ ክሳዕ ሕዚ ኣብ ቤት ኣይነበርኩን፥ ንማሕደረይ ዝኸውን ድንኳን ሒዘ ደኣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተዛወርኩ ነበርኩ።’ 7ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ዝተዛወርኩሉ ዅሉ፥ ነቲ ንህዝበይ ክጓሲ ዝኣዘዝክዎ ሓደ ሓለቓ፥ ‘ስለ ምንታይ ቤት ዝግባ ዘይሰራሕካለይ?’ ኢለዶ ሓደ ቓል እኳ ተዛሪበ? 8ሕዚ ንባርያይ ዳዊት ንገሮ፦ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል፦ ‘ንህዝበይ እስራኤል ክትገዝእ፥ ንኣኻ ካብ መጓሰዪ፥ ካብ ደድሕሪ እቶም ኣባጊዕ ወሰድኩ። 9ኣብ ዝኸድካዮ ዅሉ ምሳኻ ነበርኩ፥ ንዅሎም ፀላእትኻ ኸዓ ኻብ ቅድሜኻ ቘረፅኩ። ስምካውን ከምቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ዓብዪ ኽገብሮ እየ። 10ንህዝበይ እስራኤል ድማ ቦታ ከዳልወሎም፥ ኣብ ቦታኦም ተረጋጊኦም ክነብሩ ኸዓ ኣብኡ ክተኽሎም እየ። ገፋዕቲ ሰባት ከዓ ኸምቲ ቐደም መሊሶም ኣይግፍዕዎምን እዮም፥ 11ካብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረድቲ ዝሸምኩላ ጀሚሩ። ካብ ኵሎም ፀላእትኻ ዕረፍቲ ኽህበካ እየ። ኣቦኻ ድማ ባዕሉ ቤት ከም ዝሰርሓልካ ይነግረካ ኣሎ። 12መዓልቲታትካ ምስ ተፈፀማ፥ ምስ ኣቦታትካ ኸዓ ምስ ዓረፍካ፥ ነቲ ብድሕሬኻ ኻብ ከብድኻ ዝወፅእ ዘርእኻ ኸተስእ እየ፥ መንግስቱውን ከፅንዓ እየ። 13ንስመይ ቤት ዝሰርሕ ንሱ እዩ፥ ዙፋን መንግስቱ ድማ ንዘለኣለም ከፅንዓ እየ። 14ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፥ ንሱ ኸዓ ወደይ ክኸውን እዩ። ንሱ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ ብበትሪ ሰብ፥ ደቂ ሰብ ብዝህብዎ ግርፋ ኸቕፅዖ እየ፥ 15ምሕረተይ ግና ከምቲ ኻብ ሳኦል ዘርሓቕክዎ፥ ካብኡ ኣይርሕቕን እዩ፤ ንሳኦል ከዓ ካብ ቅድሜኻ ኣርሓቕክዎ። 16ቤትካን መንግስትኻን ኣብ ቅድመይ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ፤ ዙፋንካ ድማ ንዘለኣለም ፅኑዕ ክኸውን እዩ።’”
17ናታን ድማ ነዝ ኵሉ ዘረባ እዙይን ነዝ ኵሉ ራእይ እዙይን ንዳዊት ነገሮ።
ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ምስጋና የቕርብ
18ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ተቐሚጡ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ክሳዕ ኣብዙይ ዘብፃሕካኒ፥ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እዩ? 19ኦ ጐይታ ኣቦ፥ እዙይ ኣብ ኣዒንትኻ ንእሽተይ ነገር ከም ዝኾነ ኾይኑ፥ ብዛዕባ ቤት ባርያኻ ንዝመፅእ ርሑቕ ጊዜ እውን ተዛሪብካ ኢኻ። ኦ ጐይታ ኣቦ፥ እዙይዶ ምስ ኵሉ ደቂ ሰብ ዘለካ ኣገባብ እዩ? 20ዳዊት ደጊሙ እንታይ ክብለካ ይኽእል? ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ንስኻ ንባርያኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ። 21ምእንቲ ቃልካ፥ ከም ልብኻ ድማ፥ ነዝ ኵሉ ዕቤት እዙይ ገይርካ፥ ንባርያኻ ኸዓ ኣፍለጥካዮ። 22ስለዙይ ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ። ከምቲ ብኣእዛንና ዝሰማዕናዮ ዅሉ፥ ከማኻ ዝበለ የለን፥ ብዘይካኻ ኸዓ ኣምላኽ የለን። 23ህዝብኻ እስራኤል ዝመስል ህዝቢ ኣብ ምድሪ መን ኣሎ? ኣቦና ንርእሱ ህዝቢ ኽገብሮ ኢሉ ኽቤዝዎ ዝኸደ፥ ንርእሱ ኸዓ ስም ዝገበረ፥ እታ ሓንቲ ህዝቢ ኣብ ምድሪ እዚኣ እያ፤ ነቲ ኻብ ግብፂ ንርእስኻ ዝተቤዘኻዮ ህዝብኻ ኸዓ ካብ ቅድሚኡ ህዝብታት ምስ ኣማልኽቶም ብምስጓጕ፥ ዓበይትን ዝፍርሑን ነገራት ገይሩልካ እዩ። 24ንህዝብኻ እስራኤል ንዘለኣለም ናትካ ገይርካዮም፥ ንስኻ ኸዓ፥ ኦ ኣቦና፥ ኣቦኦም ኮንካ።
25ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣቦና፥ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ቤቱን ዝተዛረብካዮ ቓል ንዘለኣለም ኣፅንዓዮ፥ ከምቲ ዝተዛረብካዮ ኸዓ ግበር።’ 26ስምካ ድማ ንዘለኣለም ዓብዪ ክኸውን እዩ፥ ሰባት ከዓ ‘ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣምላኽ እዩ’ ክብሉ እዮም። ቤት ባርያኻ ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሜኻ ፅንዕቲ ክትከውን እያ። 27ኦ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ንስኻ ‘ቤት ክሰርሐልካ እየ’ ኢልካ ንባርያኻ ገሊፅካሉ ኢኻ እሞ፥ ባርያኻ ነዛ ፀሎት እዚኣ ናባኻ ኽፅሊ ትብዓት ረኸበ።
28ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፥ ቃልካ ሓቂ እዩ፥ ነዝ ፅቡቕ ነገር እዙይ ድማ ንባርያኻ ተዛሪብካ ኢኻ። 29ሕዚ ኸዓ፥ በይዛኻ ንቤት ባርያኻ ባርኾ፥ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽትነብር። ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ንስኻ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ክትባረኽ እያ።”