ዳዊት ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ንጉስ ኮይኑ ተቐብአ
ዳዊት ናበይ ከም ዝኸይድ ንኣቦና ጠየቐ፥ ናብ ኬብሮን ድማ ተላእከ፤ ኣብኡ ኸዓ ይሁዳ ንጉስ ገይሮም ቀብእዎ። ኣበኔር ድማ ንወዲ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኣንገሶ፥ ክልቲአን ኣባይቲ ኸዓ ኣብ ቓላይ ገባዖን ተራኸቡ። እቲ ውድድር ናብ ህልቒት ተቐየረ፥ ኣበኔር ድማ ንኣሳሄል፥ እቲ ቅልጡፍ ንእሽቶ ሓው ኢዮኣብ፥ ፍቓዱ ከይኮነ ቐተሎ።
2 1ድሕሪዙይ ዳዊት ንኣቦና “ናብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት ይሁዳዶ ክድይብ?” ኢሉ ጠየቐ። ኣቦና ድማ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ከዓ “ናበይ?” በለ። ንሱ ኸዓ “ናብ ኬብሮን” በሎ።
2ዳዊት ድማ ምስ ክልቲአን ኣንስቱ፥ ምስ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን ኣቢግያ መበለት ናባል በዓል ቀርሜሎስን ናብኡ ደየበ። 3ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፥ ነፍሲ ወከፍ ምስ ስድራ ቤቱ ኣደየቦም፤ ኣብ ከተማታት ኬብሮን ድማ ሰፈሩ። 4ሽዑ ሰብ ይሁዳ መፂኦም ንዳዊት ኣብኡ ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ንጉስ ገይሮም ቀብእዎ። እቶም ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ንሳኦል ከም ዝቐበርዎ ድማ ንዳዊት ነገርዎ። 5ናብቶም ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ድማ ልኡኻት ልኢኹ ከምዙይ በሎም፦ “ንጐይታኹም ሳኦል ቀቢርኩም ነዝ ሰናይ ገይርኩምዎ ኢኹም እሞ፥ ኣቦና ይባርኽኩም። 6ሕዚ ኸዓ ኣቦና ሕያዋይነትን ሓቅን ይግበረልኩም፤ ነዙይ ስለ ዝገበርኩም ኣነውን ሰናይ ክገብረልኩም እየ። 7ፅንዑ፥ ኣትብዑ፤ ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩ እሞ፤ ቤት ይሁዳውን ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ገይሮም ቀብኡኒ።”
ኣበኔር ንኢያቡስቴ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገበሮ
8እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ዝነበረ ኣበኔር ወዲ ኔር ግና፥ ንኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ሒዙ ናብ ማሓናይም ኣሳገሮ። 9ኣብ ልዕሊ ገለዓድ፥ ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያን፥ ኣብ ልዕሊ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ኤፍሬም፥ ኣብ ልዕሊ ብንያም፥ ኣብ ልዕሊ ኵሉ እስራኤል ድማ ንጉስ ገበሮ። 10ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ኣብ እስራኤል ንጉስ ምስ ኮነ፥ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ፤ ክልተ ዓመት ድማ ነገሰ። እቶም ቤት ይሁዳ ግና ንዳዊት ሰዓብዎ። 11ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ንጉስ ኮይኑ ነገሰ።
ኣብ ገባዖን ሓው ኣንፃር ሓው
12ኣበኔር ወዲ ኔር ምስ ኣገልገልቲ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ካብ ማሓናይም ናብ ገባዖን ወፁ። 13ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ኣገልገልቲ ዳዊትን ድማ ወፂኦም ኣብ ጥቓ ቓላይ ገባዖን ተራኸቡ፤ እቶም ሓደ ኣብ ሓደ ገምገም፥ እቶም ካልኦት ድማ ኣብቲ ኻልእ ገምገም ኮፍ በሉ። 14ኣበኔር ድማ ንኢዮኣብ “እዞም መንእሰያት ተሲኦም ኣብ ቅድሜና ይተፃወቱ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ይተስኡ” በለ።
15ተሲኦም ድማ ብቑፅሪ ተሳገሩ፤ ዓሰርተ ኽልተ ንብንያምን ንኢያቡስቴ ወዲ ሳኦልን፥ ዓሰርተ ኽልተ ኸዓ ካብ ኣገልገልቲ ዳዊት። 16ነፍሲ ወከፍ ድማ ርእሲ መቃልሱ ሒዙ ሰይፉ ኣብ ጎኑ ኣእተወ፤ ብሓደ ኸዓ ወደቑ። ስለዙይ እታ ኣብ ገባዖን ዘላ ቦታ “ሔልቃት ሃዙሪም” ተባህለት። a a v16 ሔልቃት ሃዙሪም ማለት “ግራት ኣፋት ሰይፊ” ማለት እዩ፤ እታ ቦታ በቲ ኣብኡ ዝተገብረ ቐታሊ ኢድ ንኢድ ውግእ ተሰምየት። 17በታ መዓልቲ እቲኣ ዝነበረ ውግእ ከዓ የመና ብርቱዕ ነበረ፤ ኣበኔርን ሰብ እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣገልገልቲ ዳዊት ወደቑ። 18ሰለስተ ደቂ ፅሩያ ድማ ኣብኡ ነበሩ፦ ኢዮኣብን ኣቢሳይን ኣሳሄልን። ኣሳሄል ከዓ ኣእጋሩ ኸም ሰስሓ በረኻ ቅልጡፍ ነበረ። 19ንኣበኔር ድማ ሰዓቦ፤ እናሰጐጎ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣይተገላገሰን። 20ኣበኔር ድማ ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ “ንስኻዶ ኢኻ ኣሳሄል?” በለ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ።
21ኣበኔር ድማ “ንየማን ወይ ንፀጋም ተገላገስ፤ ካብቶም መንእሰያት ሓደ ሒዝካ ኣፅዋሩ ውሰድ” በሎ። ኣሳሄል ግና ንኣበኔር ካብ ምስዓብ ክቋርፅ ኣበየ። 22ኣበኔር ድማ መሊሱ ንኣሳሄል “ተመለስ፤ ስለ ምንታይ ክወቕዓካ ተገድደኒ ኣለኻ? ገፅ ሓውካ ኢዮኣብ ደኣ ኸመይ ገይረ ክርኢ?” በሎ። 23ክግልስ ድማ ኣበየ፤ ስለዙይ ኣበኔር በቲ ድሕረዋይ ኲናቱ ኣብ ከብዱ ወግኦ፤ ካብ ሕቘኡ ኸዓ ወፀ። ኣብኡ ድማ ወዲቑ ኣብታ ቦታ ሞተ። ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ኣሳሄል ወዲቑ ዝሞተ ቦታ ዝመፀ ኸዓ ደው በለ። 24ኢዮኣብን ኣቢሳይን ድማ ንኣበኔር ሰዓብዎ፤ ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ኸዓ ኣብ መንገዲ ምድረ በዳ ገባዖን ኣብ ጥቓ ጊያሕ ናብ ዘሎ ዀረብታ ኣማ በፅሑ። 25ደቂ ብንያም ድማ ደድሕሪ ኣበኔር ተኣኪቦም ሓደ ጉጅለ ኾኑ፤ ኣብ ርእሲ ሓደ ዀረብታ ኸዓ ደው በሉ። 26ኣበኔር ድማ ንኢዮኣብ ፀዊዑ “ሰይፊ ንዘለኣለምዶ ክበልዕ እዩ? እዙይ ኣብ መወዳእታኡ መሪር ከም ዝኸውንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ነቲ ህዝቢ ኻብ ምስዓብ ኣሕዋቶም ክምለሱ ክሳዕ መዓዝ ኢኻ ዘይትእዝዞም?” በሎ።
27ኢዮኣብ ድማ “ኣቦና ህያው እዩ፥ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብ ነይርካ፥ እቲ ህዝቢ ኽሳዕ ንግሆ ንኣሕዋቶም ምሰጐጕዎም ነይሩ” በለ። 28ኢዮኣብ ድማ መለኸት ነፍሐ፤ ኵሉ እቲ ሰራዊት ከዓ ደው በለ፤ ድሕሪዙይ ንእስራኤል ኣይሰጐጉን ኣይተዋግኡን። 29ኣበኔርን ሰቡን ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ብዅላ ዓረባ ኸዱ፤ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ብዅሉ ቢትሮን ሓሊፎም ናብ ማሓናይም በፅሑ።
30ኢዮኣብ ድማ ካብ ምስዓብ ኣበኔር ተመሊሱ ንዅሉ እቲ ሰራዊት ኣከቦ፤ ብዘይ ኣሳሄል ከዓ ካብ ሰብ ዳዊት ዓሰርተ ትሽዓተ ሰብኣይ ከም ዝጐደሉ ረኸበ። 31ኣገልገልቲ ዳዊት ግና ካብ ደቂ ብንያም እቶም ምስ ኣበኔር ዝነበሩ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ወቕዑ። 32ንኣሳሄል ድማ ኣልዒሎም ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኣብ ቤተልሔም ቀበርዎ፤ ኢዮኣብን ሰቡን ከዓ ለይቲ ምሉእ ተጓዒዞም ጎሕ ምስ ቀደደ ናብ ኬብሮን በፅሑ።