እቲ ንምሕራድ ዝተመደበ መጓሰ
ብቓል ኣቦኡ ዘካርያስ፥ ንሕርድ ኣብ ዝተመደበ መጓሰ ኸም ጓሳ ኾይኑ ይዋሳእ፥ ነተን ክልተ ኣብትሩ፥ ፀጋን ሕብረትን ይሰብር፥ ብሰላሳ ሰቕሊ ብሩር ድማ ዓስቡ ተዋሂቡ ናብ ሰራሒ መሬት ይድርበ። ዝስዕብ ከዓ ነቲ መጓሰ ዝበልዕ ከንቱ ጓሳ እዩ።
11 1ኦ ሊባኖስ፥ መዓፁ ናትካ ክፈት፤ ሓዊ ነኣእዋም ዝግባ ናትካ ይብላዕ! 2ኣልቅስ ኣታ ፅሕዲ፥ ዝግባ ወዲቑ እዩ እሞ፤ እቶም ክቡራት ኣእዋም ጠፊኦም እዮም! ኣልቅሱ ኣቱም ዓበይቲ ኣእዋም ባሳን፥ እቲ ጥቑቕ ዱር ወዲቑ እዩ እሞ! 3ስምዑ፥ ዋይ ዋይታ እቶም ጓሶት፥ ክብሮም ጠፊኡ እዩ እሞ! ስምዑ፥ ጓዝማ ሽደን ኣናብስ፥ ዱር ዮርዳኖስ ጠፊኡ እዩ እሞ!
4ኣቦይ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነቲ ንምሕራድ ዝተመደበ መጓሰ ጓሰዮ።”
5ዓደግቶም ብዘይ ቅፅዓት ይሓርድዎም፤ ሸየጥቶም ድማ “እግዚኣብሄር ይመስገን፥ ሃብታም ኮይነ ኣለኹ!” ይብሉ፤ ጓሶቶም ድማ ኣይራህርሁሎምን። 6ድሕሪ ሕዚ ነቶም ህዝቢ እታ ምድሪ ኣይራህርሀሎምን እየ እሞ፥ ይብል ኣቦና። ንዅሉ ሰብ ኣሕሊፈ ኽህብ እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ኢድ ብፃዩን ኣብ ኢድ ንጉሱን። ንምድሪ ድማ ክቐጥቅጥዋ እዮም፤ ኣነ ኸዓ ካብ ኢዶም ሓደኳ ኣየድሕንን እየ።
7ስለዙይ ነቲ ንምሕራድ ዝተመደበ መጓሰ ጓሰኹ፥ እቶም ኣብ መጓሰ ኣዝዮም ዝተጨቈኑ ድማ። ክልተ ኣብትሪ ወሰድኩ፤ ንሓደ “ፀጋ”፥ ነቲ ኻልእ ድማ “ሕብረት” ኢለ ሰመኽዎም፤ ነቲ መጓሰ ድማ ጓሰኹ። 8ኣብ ሓደ ወርሒ ነቶም ሰለስተ ጓሶት ኣወገድኩ። ነፍሰይ ብእኣቶም ደኸመት፤ ንሳቶም ድማ ፀልኡኒ። a a v8 መንነት እቶም ‘ሰለስተ ጓሶት’ ኣይፍለጥን፤ ዝኾነ ናይ ምሁራት ኣረኣእያ ስምምዕ ኣይረኸበን። 9ሽዑ ኸምዙይ በልኩ፦ “ኣይጓስየኩምን እየ። እቲ ዝመውት ይሙት፤ እቲ ክጠፍእ ዘለዎ ይጥፋእ፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ነንሕድሕዶም ስጋ ይበላልዑ።”
10ነታ “ፀጋ” ዝተብሃለት በትረይ ወሲደ ሰበርክዋ፤ በዙይ ድማ ነቲ ምስ ኵሎም ህዝብታት ዝአተኽዎ ኪዳን ሰበርኩ። 11በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ተሰበረ፤ እቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩ ድኻታት መጓሰ ድማ እዙይ ቃል ኣቦና ምዃኑ ፈለጡ። 12በልክዎም ከዓ፦ “ፅቡቕ መሲሉ እንተ ተራእዩኩም፥ ዓስበይ ሃቡኒ፤ እንተ ዘይኮነ ድማ ሓድግዎ።” ንሳቶም ድማ ዓስበይ፥ ሰላሳ ሰቕሊ ብሩር መዘኑ። b b v12 እዝ ሰላሳ ሰቕሊ ብሩር እዙይ፥ እቲ ሓድሽ ኪዳን ንኢየሱስ ንምትሓዝ ዝተኸፈለ ገንዘብ ኢሉ ዝሰመዮ ዋጋ ባዕሉ እዩ (ማቴዎስ 27፥9-10)።
13ሽዑ ኣቦና ኸምዙይ በለኒ፦ “ናብቲ ሰራሒ መሬት ደርብዮ”— እቲ ብእኡ ዝገመቱኒ ኽቡር ዋጋ! ኣነ ድማ ነቲ ሰላሳ ሰቕሊ ብሩር ወሲደ ኣብ ቤት ኣቦና ናብቲ ሰራሒ መሬት ደርበኽዎ።
14ሽዑ ነታ “ሕብረት” ዝተብሃለት ካልአይቲ በትረይ ሰበርክዋ፤ በዙይ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዝነበረ ሕውነት ኣፍረስኩ።
15ሽዑ ኣቦና ኸምዙይ በለኒ፦ “ኣቕሓ ናይ ዓሻ ጓሳ መሊስካ ውሰድ። 16እንሆ፥ ኣብታ ምድሪ ሓደ ጓሳ ከተስእ እየ፤ ንሱ ነቲ ዝጠፍእ ኣይሓልን፥ ነቲ ዝተበተነ ኣይደልን፥ ነቲ ዝተሰብረ ኣይፍውስን፥ ነቲ ጥዑይ ኣይምግብን፤ ደኣ ስጋ እቶም ስቡሓት ይበልዕ፥ ሽኰናኦም ድማ ይምንጥል እምበር። 17ነቲ መጓሰ ዝሓድግ ከንቱ ጓሳየይ ወይለኡ! ሰይፊ ኣብ ቅልፅሙ፥ ኣብ የማናይ ዓይኑ ድማ ይውረድ! ቅልፅሙ ፈፂሙ ይነቅፅ፥ የማናይ ዓይኑ ድማ ፈፂማ ትዕወር!”