ድሌቱ ኣባይ እዩ
እቲ ሰብኣይ ካብ ብኣሳእን ዝተኸድነ እግራ ክሳዕ ፀጕራ ይውድሳ፥ ብግህዶ ድማ ባህ ይብሎ። ንሳ ኣይትኽሕዶን። ነቲ ድሌት ናይ ክልቲኦምን ናታን ምዃኑ ትሕዝ፥ ደሓር ከዓ ናብ ኣታኽልቲ ወይንን ዓድታትን ተውፅኦ፥ ኣብኡ ፍረ ዝዓቖረትሉ።
7 1ኣእጋርኪ ብኣሳእን ክንደይ ፅቡቓት እየን፥ ኦ ክብርቲ ጓል! ቅርፂ ሰለፍኪ ኸም ክቡር ዕንቊ፥ ስራሕ ኣእዳው ክኢላ ብልሓተኛ እዩ። 2እምብርትኺ ዝተሓወሰ ወይኒ ዘይጐድሎ ከቢብ ፅዋዕ እዩ። ከብድኺ ብዕምበባ ሱፍ ዝተኸበበ ኩምራ ስርናይ እዩ። 3ክልቲአን ኣጥባትኪ ኸም ክልተ መሓሲ፥ ማንታ ሰስሓ እየን። 4ክሳድኪ ኸም ግንቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ። ኣዒንትኺ ኣብ ጥቓ ደገ ባትረቢም ዘለዋ፥ ኣብ ሓሴቦን ዘለዋ ቀላያት እየን። ኣፍንጫኺ ኸም ግንቢ ሊባኖስ፥ ናብ ደማስቆ ዝጥምት እዩ። 5ርእስኺ ኸም ቀርሜሎስ ይኽልለኪ፥ ዝተንጠልጠለ ፀጕሪ ርእስኺ ድማ ኸም ሓምራዊ እዩ፤ ንጉስ ኣብ ጭራ ፀጕሩ ተማሪኹ ኣሎ። 6ኦ ፍቕረይ፥ ብዅሉ ባህታኺ ክንደይ ፅብቕትን ክንደይ ባህ እተብልን ኢኺ! 7ቑመትኪ ኸም ኦም ተምሪ፥ ኣጥባትኪ ድማ ኸም ዘለላኣ እዩ። 8ኣነ ድማ “ናብ ኦም ተምሪ ክድይብ፥ ፍሪኣ ድማ ክሕዝ እየ” በልኩ። ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፥ ጨና ትንፋስኪ ድማ ኸም ቱፋሕ ይኹን፥ 9ኣፍኪ ድማ ኸም ብሉፅ ወይኒ እዩ። ንፍቕርተይ ልም ኢሉ ይውሕዝ፥ ኣብ ከናፍርን ኣስናንን ድማ ብህድኣት እናተምዘዘ ይኸይድ።
10ኣነ ናይ ፍቑረይ እየ፥ ድሌቱ ድማ ናባይ እዩ። 11ነዓ፥ ኦ ፍቑረይ፥ ናብ በረኻ ንውፃእ፥ ኣብ ዓድታት ድማ ንሕደር። 12ኣንጊህና ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ንኺድ፥ እቲ ወይኒ በቒሉ እንተ ኾይኑ፥ ዕምበባ ተኸፊቱ እንተ ኾይኑ፥ ሮማን ድማ ዓምቢሎም እንተ ኾይኖም ንርአ። ኣብኡ ፍቕረይ ክህበካ እየ። 13ምልዖ ጨናኦም ይህቡ፥ ኣብ ልዕሊ መዓፅና ድማ ኵሉ ብሉፅ ፍረ፥ ሓድሽን ነባርን ኣሎ፤ እዙይ ድማ ዝዓቖርኩልካ እዩ፥ ኦ ፍቑረይ። a a v13 ምልዖ፥ ኣብ ጥንታዊ ዓለም ፍቕራዊ ባህጊ ኸም ዘለዓዕሉን ውሉድ ንምርካብ ከም ዝሕግዙን ብብዙሓት ዝእመን ዝነበረ፥ ጥዑም ጨና ዘለዎም ኣትክልቲ ነበሩ።